ዝተፃረዩ ሓበሬታታት

ሓቂ፡ ግሎባል ባንኪ ደቡብ ንተጠቀምቲ ቴሌግራም ሽልማት ይህብ ኣሎ

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዘካየድናዮ ምፅራይ ሓቂ ገለ ገለ ናይ ቴሌግራም ቻናላት ናይ ባንኪታት ሽም ብምጥቃም ተጠቀምቲ ቴሌግራም እቶም ባንኪታት ንዘዳለውዎም ሽልማታት ብቑዓት መታን ክኾኑ ናብቶም ቻናላት ክፅምበሩን መልእኽቲታት ናብ ፈተውቶም ከባፅሑን ብምሕባት ናይ ምትላል ፈተነታት ከምዝገበሩ ኣረጋጊፅና ኔርና። ሓቂቼክ ነቶም ናይ ቴሌግራም መልእኽታት ኣፃርዩ ኣታላል ምኳኖም ገሊፁ እዩ።

ሕጂ ድማ ካብ ኣንበብትና ብዛዕባ ብሽም ግሎባል ባንኪ ደቡብ ዝተኸፍተ ቻናል ቴሌግራምን ኣብኡ ዘሎ ናይ ሽልማት ሓበሬታን ክነፃሪ ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ። ኣብቲ ቻናል ብቋንቋ ኣምሓርይና ዝተፃሕፈ ሕታም “ባንክና ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ቻናልና ንምውዕዋዕ ክሳዕ 30 መስከረም 2014 ዝፀንሕ ገፀበረኸት ኣዳሊና ኣለና” ይብል።

ክሳዕ ናይዚ ዓንቀፅ ናይ ኢንግሊሽ ቅዳሕ ዝተሓትመሉ እዋን እቲ ናይ ቴሌግራም መልእኽቲ ልዕሊ 52,700 ዝኾኑ ተዓዘብቲ ረኺቡ ኔሩ። ዘይከም እቶም ቀዳሞት ናይ ቴሌግራም መልእኽታት፤ እዚ መልእኽቲ ግና ብልክዕ ናይ ግሎባል ባንኪ ደቡብ ምዃኑ ሓቂቼክ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እዚ ሕታም ቴሌግራም ኣርባዕተ ዓይነት ሽልማታት ይዝርዝር። እቲ ናይ መጀመርታ ሽልማት ንሰለስተ ዕድሌናታት ሰባት ዝወሃባ ምዕቡላት ሞባይል እንትኾና፤ ብተወሳኺ ናይ ሓደ ወርሒ ፓኬጅ ዘለዎ ናይ ዲኤስ ቲቪ ዲኮደር፣ ወርቃዊ ኣባልነት ናይቲ ባንኪን ናይ 100 ብር ካርዲ ሞባይል ሽልማታት ኣለዉ። ነቲ ሽልማት ብቑዓት ንክኾኑ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ናብቲ ቻናል ክፅምበሩን እቲ መልእኽቲ ብውሑዱ ናብ 50 ሰባት ከባፅሕዎን ኣለዎም።

ነቲ ሓበሬታ ንምፅራይ ሓቂቼክ ንሓላፊ ክፍሊ ማርኬቲንግ እቲ ባንኪ ኣይተ ተመስገን ፍቓዱ ኣዘራሪቡ ኔሩ። እቲ ሓላፊ ከምዚ ብምባል የብራህርህ “እቲ ቻናል ቴሌግራም ሓቃዊ እዩ። በዓል 100 ብር ካርዲ ሞባይል፣ ሞባይል ስልኪታትን ዲኮደራት ዲኤስቲቪን ንህብ ኢና። ክሳዕ እቲ እተጠቕሰ ግዘ እቲ ናይ ሽልማት ዕድል ንኣባላት ቻናልና ክፉት እዩ።”

ብተወሳኺ ሓቂቼክ ንሓላፊ ማርኬቲንግን ብራንድን እቲ ባንኪ ዝኾነ ኣይተ ኣስናቀ ወርቁ ኣዘራሪቡ እዩ። እቲ ሓላፊ እቶም ሽልማታት ናይ ብሓቂ ምዃኖም ደጊሙ የረጋግፅ። እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ ንምርግጋፅ ናብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር እቲ ባንኪ ደዊልና ኔርና።

ስለዝኾነ’ውን እቲ ብሽም ግሎባል ባንኪ ደቡብ ዝተኸፍተ ቻናል ቴሌግራምን እቲ ናይ ሽልማት መልእኽቲን ሓቂ ምዃኖም ተረጋጊፁ ኣሎ።

ባንክታት ብቴለግራም ኣቢሎም ናይ ሓድሽ ዓመት ሽልማት ይህቡ ዶ ኣለዉ?

ብቅደም ሰዓብ ልዕሊ 57,638፣ 67,480 ከምኡውን 7,733 ሰዓብቲ ዘለዎም ናይ ቴለግራም መትረባት ብስምን ኣርማን ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ባንኪ ኣምሓራን ባንኪ ኣባይን ዝተተቅዑ ሓበሬታታት ይዝርግሑ ኔሮም። እቶም ናይ ቴሌግራም ጥቃዓት ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ዘለዎም ኮይኑ እቶም ባንኪታት ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ሽልማት ወይ ገፀበረኸት ከምዘዳለዉ ይሕብሩ፤ መልእኽቶም’ውን ናብ ብዙሓት ክባፃሕ ንሰዓብቶም ይምሕፀኑ።

ግና’ኸ ሓቂቼክ ነቲ ትሕዝቶ ናይቶም መልእኽታት መርሚሩ እቶም ናይ ቴሌግራም ጥቃዓት ኣታላል ከምዝዀኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

                             

እታ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቻናል ዘላ መልእኽቲ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ብዙሕ ሽልማት ከምዘዳለወ ትገልፅ፤ ከምዚ ድማ ትብል “ኣብዚ ዓመት ዝተረኽበ ሓፈሻዊ ኣታዊ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 1.1 ትሪልዮን ብር ምኽንያት ብምግባር ፕረዚደንት እቲኢ ባንኪ ኣቤ ሳኖ ነቲ ቻናል ቴሌግራም ንምውዕዋዕ ሽልማት ክወሃብ ኣዚሉ። ስለዚ ኣብቲ ቐዳማይ ሽልማት ን200 ተዓወትቲ ንሕድሕደን 300,000 ብር ዝዋጋአን ሰብ-ሰለስተ እግሪ መካይን [ባጃጅ] ከምኡ’ውን ነናይ 50,000 ብር ናይ ግዛ ናውቲ ክሽለሙ እዮም።”

ብኸምዚ እቲ መልእኽቲ ንሰባት ካብ ቀዳማይ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ 5,000 ብር ሽልማት ብምዝርዛር ንመንበብቲ ከስድዕ ይፍትን። ይኹን እምበር ሰባት ነቲ ሽልማት ብቑዓት ምእንቲ ኪዀኑ መምርሒታቱ ኺስዕቡ የዘኻኽሮም እዩ፣ እዚ ኸኣ ናብቲ ቻናል ምእታውን ነቲ መልእኽቲ ናብ ልዕሊ 50 ሰባት ምብፃሕን ይጠልብ።

እቲ ብሽም ባንኪ ኣባይ ዝተሰነዐ መበል ካልኣይ ጽሑፍ ከምዚ ይንበብ – “ንስድራቤታት ቻናልና ርሑስ ሓድሽ ዓመት እናተመነና ባንክና ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ሽልማት ክህብ ምኻኑ ይመባፃዕ [መብፅዓ ይኣቱ]።” “ስለዚ ቀዳማይ ሽልማት 500,000 ብር ኮይኑ ን50 ተዓወትቲ ኮይኑ ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ናይ 40,000 ብር  ፍሪጅ ኣለዎ…”። እቲ ናይ ቴሌግራም ጥቃዕ ካብ ቐዳማይ ዓብዪ ሽልማት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ሽልማት 5,000 ብር ከምኡውን ካልእ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝወሃብ ፍሉይ ህያባት ሽዱሽተ ሽልማታት ከምዘሎ ይሕብር። ኣብ መወዳእታ እቲ ፅሑፍ ነቲ ዝተብሃለ ሽልማት ብቁዓት ንምኳን ኣንበብቲ ናብቲ ቻናል ክፅምበሩን ብውሑዱ ናብ 50 ሰባት ከባፅሕዎን የገድድ።

እቲ ሳልሳይ ቻነል ብሽም ባንኪ ኣምሓራ ዝፀሓፎ መልእኽቲ ከምዚ ይብል “ባንኪ ኣምሓራ ኣብታ እትቕጽል ሓዳስ ዓመት ኢትዮጵያ 2014 ዕዮኡ ንምዕያይ ዝገበሮ ምድላዋት ኣፃፊፉ ኣሎ። ባንክና ብወግዒ ኣገልግሎት ክሳዕ ዚጅምር ዓማዊልና ንምዕቃብ ናይ ሓዱሽ ዓመት ሽልማት ክህብ እዩ። ስለዚ ቀዳማይ ሽልማት ን200 ዕድለኛታት ሰባት ነፍሲ ወከፎም ናይ 300,000 ብር መኪናን ናይ 50,000 ብር ናይ ገዛ ኣቁሑትን እዩ።” እዚ መልእኽቲ እዚ ልክዕ ከምቶም ቅድም ክብል ዝተገለፁ ናይ ቴሌግራም መልእኽታት መስድዒ ብዙሓት ሽልማታት ብምዝርዛር ኣንበብቲ ናብቲ ቻናል ክፅንበሩን ነቲ መልእኽቲ ኸኣ ናብ ካልኦት ከባፅህዎን ይጠልብ።

ሓቂቼክ ነቲ ናይ ቴለግራም መልእኽቲታት ንምፅራይ ኣብ ዝገበሮ ፃዕሪ ንኣባል ቦርድ ባንኪ ኣምሓራ ዝኾነ ዶ/ር ለጤናህ እጅጉ ኣዘራሪቡ፤ በዚ’ውን እቲ ባንኪ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገፃት ወይ ሒሳባት ከምዘይብሉን እቶም መልእኽቲታት ድማ ኣታላል ምኳኖምን ኣረጋጊፁሉ እዩ። ዶ/ር ለጤናህ “ሰባት ካብ ከምዚ ዓይነት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ምትላላት ገዛእ ርእሶም ክሕልዉ ኣለዎም።” ይብል።

ኻልእ ሸነኽ ኸኣ ቕድሚ ወርሒ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብቲ እተረጋገጸ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገፁ ንዓማዊሉ ንገዛእ ርእሶም ካብ ናይ ሓሶት ገጻት ክሕልዉ ፅሒፉ እዩ።

ነቲ ኣብ ወግዓዊ ወብሳይታት ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ባንኪ ኣባይን ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ቴለግራም መትረባቶም እውን ኣቲና ርኢናዮ ኢና፤ እንተኾነ እተን ባንክታት ናይ ሓድሽ ዓመት ሽልማት ከምዝህባ ዝገልፅ ሓበሬታ የለን።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ናይ ቴለግራም መትረባት ዝዝርጋሕ ዘሎ መልእኽቲታት ኣታላል ምዃኑን፤ ከምኡውን እተን ባንክታት ከምዘይፀሓፍኡን ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓቂቼክ ነቶም ተጠቀምቲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይምዕዶም፡

  • ኣድራሻ እቲ ወብሳይትን ዶመይናትን ይርኣዩ።
  • ንቑሕን ተጠራጣርን ኩን፤  መንነት እቲ ፀሓፊ ናይቲ ሓበሬታ ፍለጥ፤ ከምኡ’ውን ካብቲ ትካል ኣረጋግፅ።
  • ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽትወስድ ንዚወርደካ ጸቕጢ ተቓወሞ ግዜ ወሲድካ’ውን ንሓቅነት/ተኣማኒነት እቲ ለኣኺ መርምር።
  • ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ኣብ ዚህልወሉ እዋን ነቲ እተጠቅሰ ትካል ተወከስ።

እዞም ምስሊታት ብሓይልታት ህወሓት ዝወደቀት ድሮን የርእዩ ዶ?

ብ26 ነሓሰ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ሰብ-ኣልባ ወተሃደራዊ ነፋሪት ወይ ድሮን ብሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተወቂዓ ከምዝወደቀት ዚገልፁ ክልተ ስእልታት ዝሓዘት ትዊት ተሓቲማ ነበራ። እቲ ናይ ትዊተር ፅሑፍ “… ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ [ሓይልታት ህወሓት] ንሓንቲ ኻብተን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ዘውዓለን ድሮናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝነበረ ውግእ ወቂዖም ኣውዲቆምዋ።” ይብል።

እታ ናይ ትዊተር ሕታም (ትዊት) ኽሳዕ ልዕሊ 375 ሳዕ ተባፂሓ እያ። ግናኸ ሓቂቼክ ነታ ትዊት መርሚሩ “ሓሶት” ኢሉዋ ኣሎ።

ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ህወሓትን ውግእ ይካየድ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ኲናት ዝኣወጀ ሰሜናዊ እዚ ናይታ ሃገር ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ብህወሓት ተጠቒዑ ድሕሪ ምባሉ እዩ። ኣብቲ ውግእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ ከምዝተጠቀመ ልዕለዎት ወታደራዊ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊፆም ኔሮም እዮም።

እንተኾነ ግና ብመሰረት ኣብ መናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝተገብረ ኣለሻ እዞም ኣብቲ ትዊት ዘለዉ ስእሊታት ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝወደቀት ድሮን ኣየርእን። እቲ ናይ መጀመርታ ምስሊ ንፈለማ እዋን ብ20 ጥቅምቲ 2020 ተሓቲሙ ኔሩ። እዚ ስእሊ ብሰራዊት ምክልኻል ኣርትፃኽ (ናጎርኖ ካራባኽ) ተሃሪማ ዝወደቀት ስርሓት ተርኪ ዝኾነት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ውግእ ዜርኢ እዩ። እዚ ስእሊ እዚ ኣብቲ ብ2020 ኣብ ናጎርኖ-ካራባኽ እተገብረ ውግእ ከም ዝተሳእለ ኢዩ።

ፈላማይ ምስሊ 1 

እቲ ኻልኣይ ምስሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ16 ሓምለ 2020 እዩ ኣብ ጉግል ተሓቲሙ። እዚ ስእሊ እዚ ኣብ ሰሜናዊ ዶባት ኣዘርባጃን ተወቂዓ ዝወደቀት ናይ ኣርመንያ ድሮን ኢዩ።

ፈላማይ ምስሊ 2

ስለዚ’ውን ሓቂቼክ እቶም ምስሊታት ብሓይልታት ህወሓት ተሃሪማ ዝተሓምሸሸት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውግእ ድሮን ከምዘየርእዩ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ትዊተር ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ፕረዚደንት ተርኪ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ ዶ?

ኣልጀዚራ ኢንግሊሽ ብ19 ነሓሰ 2021 ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገፁ ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ደው ንምባል ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ’ ዝብል ዘርእስታ ዓንቀፅ ሓቲሙ ኔሩ።

እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም “ፕረዚደንት ቱርኪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ተራኺቡ እንተዀነ ግን ፍሉይ ስምምዓት ወይ ውዕላት ኣይተገልፀን” ምስ ዝብል ሓፂር ፅሑፍ ተሰንዩ ቀሪቡ። ነቲ ሕታም ልዕሊ 437 ተጠቀምቲ ፌስቡክ ተቀባቢሎሞን፣ ኣስታት 3,000 ኸኣ ግብረመልሲ ሂቦምዎን እዮም።

ሓቂቼክ ነቲ ኣብቲ ወብሳይት ዘሎ ትሕዝቶ ናይቲ ዓንቀፅ ድሕሪ ምምርማሩ፤ ‘ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ደው ንምባል ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ’ ዝብል ትሕዝቶ ከምዘይብሉ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ስለዚ ሓቂቼክ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ፌስቡክ ዘሎ ኣርእስቲን ኣብቲ ወብሳይት ዘሎ ትሕዝቶን ኣርእስቲን ናይቲ ዓንቀፅ ርክብ ከምዘይብሉ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም መደናገሪ ኣርእስቲ ኢልዎ ኣሎ።

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ18 ነሓሰ 2021 ናብ ቱርኪ ኣንካራ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብፃሕ ገይሩ ነይሩ። ምስ ብፃዩ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን’ውን ብዛዕባ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዩ እዩ።

ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወታደራዊ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኸምዚድግፍ ገለፁ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣብ ኣልፋሽቓ ኣብ ሕርሻዊ መሬት ዝካየድ ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከሸማግል ፍቓደኛ ምዃኑ’ውን ገሊፁ ነይሩ።

ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኣንካራራ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብእተተሓሓዘ ኣል ዓራቢያ ኢንግሊሽ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ እተላዕለ ግጭት ደው ንምባል ከሸማግል ከም ዝሓተተ እትገልጽ ዓንቀጽ ዜና ኣሕቲሙ ነይሩ።

ድሕር’ዚ እዩ እምበኣር ኣልጃዚራ “ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ከሸማግል ሓሳብ ኣቕሪቡ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀፅ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቀዐ

ምስሊ: እቲ ኣብ ወብሳይት ዝተሓትመ ዓንቀፅ

ይኹን እምበር እታ ኣብቲ ወብሳይት ዝተሓተመት ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ‘ፕረዚደንት ቱርኪ ነቲ ኣብ ትግራይ እተላዕለ ግጭት ንምፍታሕ ከሸማግል ሓሳብ ከምዘቅረበ’ ዋላ ሓንቲ ኣይትገልጽን እያ። እታ ኣብቲ ወብሳይት ዘላ ዓንቀጽ ካብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተጠቀዐት ዓንቀፅ ብኣርእስታን ትሕዝቶን እተፈልየት እያ። ኣርእስቲ ናይታ ኣብ ወብሳይት ዝወጸት ዓንቀጽ “ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ደጊፉ” እያ ትብል። ኣስዒቡ ኤርዶጋን ከምዚ ይብል “…ነቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ዘመዛበለን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብ ጥምየት ከቃለዐን ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ደጊፉ።” ብተወሳኪ’ውን እቲ ዜና ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እተላዕለ ውጥጥ ንምፍታሕ ከሸማግል ፍቓደኛ ምዃኑ ከምዝገለፀ ትሕብር።

ምስሊ: ኣሶሼትድ ፕረስ

ስለዚ ሓቂቼክ ኣብ መንጎ እታ ኣብ ፌስቡክ እተጠቀዐት ዓንቀጽን እታ ኣብ ዌብሳይት እተሓትመት ዓንቀጽን ናይ ኣርእስቲን ትሕዝቶን ኣፈላላይ ስለዘለወን ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም መደናገሪ ኣርእስቲ ኢልዎ ኣሎ።

እዞም ምስልታት መገዲ ኣዲስ ኣበባ ባህርዳር ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተዓፀወ የርኢ ዶ?

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ንመገዲ ኣዲስ ኣበባ ባህርዳር ኣስፋልት ከምዝዓገቶ ዚገልጽ ሽዱሽተ ስእልታት ዝሓዘ ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣስፋሕፊሑ ነይሩ። እቲ ብ13 ነሓሰ 2021 ዝወፀ ሕታም ከም ዝሕብሮ እቲ ብኩምሳ ድሪባ ወይ ጃል መሮ ዝምራሕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ነዚ መጠንቀቕታ ክህብ ከምዝፀንሐ ይሕብር።

ሓቂቼክ ነቲ ምስልታትን ነቲ ፅሑፍን መርሚሩ እቲ ስእልታት ነቲ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ሕታም ዘይቅኑዕ ምስልታት ስለእተጠቕመ ሓቂቼክ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

እቲ ንኣዲስ ኣበባን ርእሰ ኸተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳርን ዘራኽብ መገዲ ኣስፋልት ካብ 13 ነሓሰ 2021 ብምኽንያት መደራጉሕ ተዓፅዩ ፀኒሑ እዩ። እቲ መገዲ በቲ ኻብ ኣኻውሕ ዝመልኦን ኣኽራን ዝበዝሖን ኣጻድፍ ዝወደቐ ፍርስራስ ተዓፅዩ ኔሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ከም ኤፍቢሲኢቢሲ ከምኡውን ኤጀንሲ ፕረስ ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ እተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝጸብጸብዎ ኣብ መንጎ እተን ከተማታት ዝግበር መጓዓዝያ መገዲ ተቋሪፁ ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ እቶም ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረ-ሽበራውያን ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (ሸኔ) ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቅ ወግዓዊ ኪዳን ከምዝመስረቱ ገሊፆም እዮም። ሰሓኦ ቅድሚ ሕጂ ዕጡቕ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ግሓኦ) እዩ ነይሩ፤ ህወሓት ከኣ ካብ ሕዳር ዝሓለፈ ኣትሒዙ ምስ ፈደራላዊ ሰራዊት ይዋጋእ ኣሎ።

እቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ሕታም ዝተፅሓፈ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ዓመጽቲ እተገብረ ኺዳን ምስ ተነግረ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ። እቲ ሕታም እቲ መገዲ ሰሓኦ ብዝገበሮ ወታደራዊ ስርሒት ከምዝተዓፅወ ይሕብር።

ይኹን እምበር እቶም ምስቲ ፅሑፍ ዝተሓተሙ ምስልታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኣየርእዩን፤ ካብ ፀብፃባት እተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ውን ዝተወስደ እዩ። እቶም ነዞም ምስልታት ዝተሓተሙሎም ናይ ፈለማ ፀብፃባት እቲ መንገዲ ካብ ኣፃድፍ ብዝወደቀ መደራጉሕ ከምዝተዓፀወ ይገልፁ።

ስለዚ ሓቂቼክ ብሰንኪ ግጉይ ኣጠቓቕማ እቶም ምስልታት ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝተቀትሉ ተረጋጊፁ ዶ?

ብዕለት 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም Maleda tvnetwork ዝተብሃለ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተኸፍተን ልዕሊ 15,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ ብኣምሓርኛ ዜና ጠቂዑ ኔሩ። እቲ ዜና “ድሕሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምንስሓቡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝተቀትሉ ተረጋጊፁ” ዝብል ኣርእስቲ ኔርዎ። እቲ ገፅ ነቲ ዜና ንAl Ain Amharic ተወኪሱ ከምዝጠቀዖ ይሕብር። ሓቂቼክ ኣብቲ ጉዳይ ምፅራይ ኣካይዱ ኣሎ። 

ካብ 25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ መንጎ እቶም ፈደራላዊ መንግስቲ ዝመርሖም ሓይልታትን ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝምርሑ ሓይልታትን ወታደራዊ ጎንፂ ምንባሩ ይፍለጥ። ድሕሪ ሰሙናት’ውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ነታ ርእሲ ኸተማ ክልል ትግራይ ዝዀነት መቐለ ተቘፃፀራ። ድሒሩ’ውን ላዕለዎት ፖለቲካውያንን ወታደራውያንን መራሕነት ህወሓት በቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቀቲሎምን ተታሒዞምን ኔሮም። እንተዀነ ግን ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ክልል ምስ ተቘጻጸሮ እውን ከይተረፈ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ጎንፂ ኣይተቋረፀን። ድሕሪ እቲ ን8 ወርሒ ዝቐጸለ ንጡፍ ግጭታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኻብቲ ክልል በይነኣዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ተበግሶ ወሲዱ ሽዑ ንሽዑ’ውን ወታደራቱ ካብ ትግራይ ስሒቡ እዩ።

ብ30 ሰነ 2013 ዓ.ም  ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩ. ኤን. ኤች. ሲ. ኣር.) ኣብቲ ትዊተር ገፁ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ከምዝተቀትሉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ከም ዝበፅሕዎ ብምጥቃስ “እዚ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ ብኡንብኡ ኸኣ ምስቶም ኣብ ሽረ ዘለዉ ሰራሕተኛታትና፣ መሳርሕትናን ኤርትረውያን ስደተኛታትን ተራኺብና ኢና። ክሳዕ ሕጂ ነቲ እተቐበልናዮ ሓበሬታ ክነረጋግፆ ኣይከኣልናን።” ኢሉ ነይሩ። 

ሓቂቼክ ነቲ Al-Ain AmharicMaleda tvnetworkን ዝተፅሓፉ ጥቃዓት ተዓዚቡ እዩ። እቲ ምስሊ ብለካቲት 25 2013 ዓ.ም ብኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ተሓቲሙ ኔሩ። ኣር. 295 ኤርትራዊ ስደተኛታት ናብ መዓስከር ማይ-ዓይኒን ኣዲ-ሃሩሽን ከም ዝገዓዘ ትእውጅ። እቲ ሕታም እቲ ኤጀንሲ 295 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ማዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓርሽን ከምዘእተዎም ይገልፅ። እቲ ብ8 ሓምለ ኣብ ክልቲኡ ገጻት ዘሎ ሕታም ናይቲ ምስሊ መግለፅን መወከሲ ፍልፍልን የብሉን። ስለዚ’ውን እቲ ኣብ መንጎ እቲ ምስልን ትሕዝቶን ዘሎ ናይ ሓሶት ምትእስሳር ነቲ ጥቃዕ መደናገሪ ምኻኑ ሓቂቼክ የረጋግፅ።

ፈላማይ ምስሊ 

ብተወሳኺ’ውን እቲ ብMaleda tv network ዝተሓትመ “ድሕሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምውፅኡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቀትሉ ተረጋጊፁ” ዝብል ኣርእስቲ ምስቲ ኣብ Al-Ain Amharic ዝተጠቀዐ ፈላማይ ሕታም ርክብ የብሉን።  ኮይኑ ግና ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ነቲ ሓበሬታ ከምዘየረጋገፆ ኣረዲኡ ነይሩ እዩ።

ስለዚ ሓቂቼክ ነዚ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝተቀትሉ ተረጋጊፁ ዝብል ጥቃዕ መደናገሪ ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

እዚ ምስሊ ናይ ኤርትራ ወታደር የርኢ ዶ?

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ወታደራዊ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፌስቡክ ክዛወር ቀንዩ እዩ። ብዕለት 2 ሰነ 2013 ዓ.ም Dade Desta (ዳደ ደስታ) ዝተብሃለ ልዕሊ 24,616 ሰዓብቲ ዘለውዎ ተጠቃሚ ፌስቡክ እዚ ፎቶ ብምጥቃዕ እቲ ወዲ ወታደር ኤርትራ ምኻኑ ይገልፅ። እቲ ሕታም ልዕሊ 53 ዝኾኑ ተጠቀምቲ ተቀባቢሎምዎ ነይሮም። መሊሱ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ Qeerroo Intelligence Group ዝተብሃለ ልዕሊ 7,818 ተኸተልቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ ነቲ ስእሊ ብምልጣፍ ብቋንቋ ኦሮሞ እቲ ሰብኣይ ሲሳይ ተስፋብርሃን ዝተብሃለ ወታደር ኤርትራ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ኦሮምያ ካብ ዝተማረኹ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ወዳደራት ኤርትራ ሓደ ምኻኑን ይሕብር። እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ልዕሊ 146 ዝኾኑ ኣካውንታት ተቀባቢሎምዎ ነይሮም።

ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ኣብቲ ምስልን ሕታማትን ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣብ ኦሮምያ ዝተትሓዘ ወታደር ኤርትራ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ። ስለዚ’ውን ሓቅቼክ ናይ ሓሶት ምስሊ ብምጥቃሞም ነቶም ሕታማት ሓሶት ኢልዎም ኣሎ።

 

ካብ 27 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሖም ሓይልታትን ኲናት ምንባሩ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብፍላይ ድማ ወለጋ ወታደራዊ ጎንፅታት ከምዘሎ ይንገር። ድሒሮም ዝወፁ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቃት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ይዋጋእ ከምዘሎ ይገልፁ። ነዚ ስዒቡ ወታደራት ኤርትራ ናብ ኦሮምያ ከምዝተወዝዑን ምስ ዕጡቃት ይዋግኡ ከምዘለዉን ዝሕብሩ ሓሜታት ይወፁ ኣለዉ።

ነዚ ሓሜት’ዚ ስዒቦም ድማ እቶም ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተማረኸ ወታደር ኤርትራ ከምዝኾነን ተኸሲቶም።

ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ፎቶ ዘሎ ሰብ ወታደር ኤርትራ ከምዘይኮነን ሙሴ ሙዲ ዝተብሃለ ሶማልያዊ ፍሉጥ ሰብ ምኻኑ የረጋግፅ። እዚ ምስሊ ካብ ሓደ ምስ ሰበይቱ እያ ዝተብሃለት ጎርዞ ዝተስኣሎ ስእሊ ተቆሪፁ ዝወፀ እዩ። እቲ ሙሉእ ምስሊ ሶማሊ ፖስት ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ብ9 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ተሓቲሙ ነይሩ። ሙሴ ሙዲ ንፕረዚደንት ሃገረ ሶማልያ ዝኾነ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ (ፋርማጆ) እናወቀሰ ዝተቀድሖ ቪድዮ ኣብ ዩትዩብ ኣብዚ መላግቦ ኣሎ።  እቲ ፈላማይ ሙሉእ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቁ።

ዝተቆረፀ ምስሊ

ፈላማይ ምስሊ

ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ኦሮምያ ከምዝተወዝዑን ኣብ ወለጋ ምስ ዕጡቃት ይዋግኡ ከምዘለዉን ዝገልፁ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ሓሜታትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ይኹን’ምበር ሓቂቼክ ኣብቶም ሕታማትን እቲ ስእሊን ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ኦሮምያ ዝተትሓዘ ናይ ኤርትራ ወታደር ከምዘይኮነ የረጋግፅ። ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ናይ ሓሶት ምስሊ ብምጥቅዖም ነቶም ሕታማት ሓሶት ኢልዎም ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ፋሲካ ታደሰ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቂቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ምውዓሉ የርኢ ዶ?

ብዕለት 06፡ ግንቦት 2013 Tigray Today ❷❹ ዝተብሃለ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ጉራጌ ቱደይ 24 ብዝብል ሽም ዝተፈጠረ ዳሕራይ ሽሙ ዝተቀየረ ናይ ፌስቡክ ገፅ (ልዕሊ 5,300 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብምልጣፍ  ዳእላዊ ሕታም ለጢፉ ነይሩ። እቲ ስእሊ ኣእዳዉ ብመቁሕ ዝተሳስረ ብፖሊስ ተታሒዙ የርኢ። እቲ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ “ኣቦወንበር ህወሓት ዝነበረ ኣብ ከባቢ ቆላ ተንቤን ዓሪድሉ ኣብ ዝነበረ ናይ ህበይ ጉድጓድ ፅዕፁዕ ውግእ ድሕሪ ምክያዱ ሓለውቱ ሓሞኽሽቲ እንትኾኑ ዶብረፅዮን ገብረሚካኤል ግን ኢዱ ሂቡ። …እቲ ጁንታ ክሕደት ሃገር ድሕሪ ምፍፃሙ ስጉምቲ ምስተወሰደሉ ናብ ቆላ ተንቤን ሃዲሙ ሰባት ኣሰልጢኑ ሰባት ክቅንፅልን ከፈናቅልን ፀኒሑ እዩ።  ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል ኢዶምን እግሮምን ተኣሲሮም ምስ ኣይተ ስብሓት ነጋ ተሓዊሶም ኣለዉ ዝብል ዜና እንተዝሰምዕ ብሕሱም ታሕጓስ ምወደቅኩ።” ይብል። እቲ ሕታም ልዕሊ 163 ግዜ ተኸፋፊሉ ነይሩ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ስእሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ዝተቀናበረ ምኳኑን እቲ ፅሑፍ’ውን መደናገሪ ዳእላ ምኹአኑን ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ቅንብር ኢልዎ ኣሎ።

ካብ ጥቅምቲ 24፤ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውግእ እናተካየደ ፀኒሑ እዩ። እቲ መንግስቲ ፌደራል ንኸተማ መቀለ ብሕዳር 20 2013 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ኣትይዋ እዩ። ድሒሩ’እን ላዕለዎት ወታደራውን ፖለትካውን መሪሕቲ ህወሓት ክሃድን ፀኒሑ እዩ። ክሳብ ሕጂ ውን ከም በዓል ነበር ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣባይ ወልዱ፣ ነበር ምክትል ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ኣብራሃም ተከስተ ብዙሓት ተታሒዞም ይርከቡ። ሃገራዊ ሓይሊ ምኽልኻል ኢትዮጵያ ብጥሪ 8 2013 ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ ኣስመላሽ ወልደስላሴ፣ ኣባይ ፀሃየን ስዩም መስፍንን ስጉምቲ ተወሲዱሎም ከምዝተቀተሉ ሓቢሩ ነይሩ። ቀፂሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተባሂሉ ናይ ድምፂ መልእኽትታት ይወፅእ ነይሩ።

ይኹንደኣ’ምበር ሓቅቼክ ብማይክሮሶፍት ቢንግ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ካብ ሓደ ቪድዮ ከምዝተወስደን ንነበር ዋና መካየዲ ስራሕ ሜቴክ ሜ/ጀ ክንፈ ዳኘው ብሕዳር 6 2013 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተታሒዞም እንትመፁ ዘርኢ ምካኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ብናይ ዶ/ር ደብረፅዮን ዝተቀየረ ናይ ሜ/ጀ ክንፈ ስእሊ የርኢ። እቲ ቪድዮ ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቁ።

ትሕዝቶ ናይቲ ፅሑፍ፡ ኣብ ፈለማ ሰበር ዜና ኢሉ ይጅምር ቀፂሉ’ውን ከምዚ እንተዝሰምዕ ብታሕጓስ ምወደቅኹ ብምባሉ እቲ ሕታም መደናገሪ ዳእላ ይገብሮ።

እቲ ናይ ፌስቡክ ገፅ ብዙሓት ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ክጥቅዕ ፀኒሑ እዩ። ኣብዚ ዝስዕብ’ውን ምፅራይ ሓቅነት ተገይርሉ ሓሶት ሓበሬታ ከምዝለጠፈ ተረጋጊፁ ነይሩ።

ዋላኳ ብዙሓት መራሕቲ ህወሓት ይቀተሉን ይተኣሰሩን ብዛዕባ ዶ/ር ደብረፅዮን ግን ዝተብሃለ ነገር የለን። ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ ነቲ ሕታም መደናገሪ ዳእላ ምካኑ የረጋግፅ። ብተወሳኺ’ውን ዶ/ር ደብረፅዮን ከምዝተትሓዙ ስለዘየርኢ ነቲ ምስሊ ቅንብር ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪት፡ ረሆቦት ኣያለው

ተርጓሚ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ኤደን ታፈሰወርቅ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ሓደሽቲ ቦታታት ንምሓዝ ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝኣትዉ ዘለዉ ወታደራት ሱዳን የርኢ ዶ?

ብዕለት 29፡ ሚያዝያ 2013 በለሳ TV ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገፅ (ልዕሊ 47,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብምልጣፍ ኣብ ቀረባ ሓደሽቲ ግዝኣታት ንምቁፅፃር ናብ ምዕራብ ሱዳን ዝምርሹ ዘለዉ ወታደራት ሱዳን ምዃኖም ይገልፅ። እቲ ብቛንቋ ትግርኛ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ “ሰራዊት ሱዳን ሎሚ ናብ ምዕራብ ጎንደር ደፊኡ ከምዝኣተወን መሬተይ ዝብሎ ሓደስቲ ቦታታት ከምዝተቆፃፀረን ማዕከናት ዜና ሱዳን ይሕብራ ኣለዋ።” ይብል። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ስእሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ቦታታት ንምቁፅፃር ዝኣተዉ ሰራዊት ሱዳን ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎንፂ ከምዘሎን ነዚ ስዒቡ’ውን ወጥሪ ከምዝነገሰን ይፍለጥ እዩ። ሰራዊት ሱዳን ሰላም ኣብ ክልል ገደሪፍ ብርን ማሃጅን ዝተብሃሉ ግዝኣታ ካብ ሰራዊትን ምልሻ ኢትዮጵያ ብምምዛዕ መሊሱ ከምዝተቆፃፀሮም ገሊፁ ነይሩ። እቲ ምስሕሓብ ብምቕፃሉ ግብፂ ናብ ሱዳን ወታደራት ከምዝለኣኸት ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ይወፁ ነይሮም።  ብዕለት 22 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ዑመር ቀመረዲን ኣብቲ ዶባት ዝርከቡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓረስቶት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኩሎም ግዝኣታት ሃገሩ መሊሳ ከምዝሓዘቶም ሓቢሩ ኔሩ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ነቲ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብሰላም ንምፍታሕ ዘይተዓወተ ዝርርብን ድርድራትን ኣካይደን ነይረን። ኣብዚ ቀረባ’ውን ሱዳን በቲ ብዩናይትድ ዓረብ ኢሚሬትስ ዝቀረበ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ተቀቢላ እያ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እቲ ሓደስቲ ቦታታት ንምሓዝ ወታደራት ሱዳን ናብ ምዕራን ጎንደር ኣትዮም ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ዝወፀ። ይኹንደኣምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቶም ስእሊታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእዩ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ፈላማይ ምስሊ ንመጀርታ ግዘ ዝተሓትመሉ ግንቦት 2006 ዓ.ም. ኣብ ሓንቲ ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝተፅሓፈት ዓንቀፅ እዩ። እቲ ምስሊ ኸኣ ባንዴራ ዘንበልብሉ ወታደራት ሱዳን የርኢ። እቲ ካልኣ ምስሊ ኣብ 2009 ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ፌስቡክ ካብ ዝተፅሓፈ ሕታም ዝተወስደ እዩ። ነቲ ካልኣይ ስእሊ ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

እቲ ናይ ዶብ ውጥጥ ስዒቡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወጥሪን ወታደራዊ ግጭትን ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ። ኮይኑ ግና ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቶም ምስሊታት ሓደስቲ ግዝኣታት ምንቁፅፃር ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝኣተዉ ወታደራት ሱዳን ከምዘየርእዩ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ኤደን ታፈሰወርቅ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

 

እዚ ምስሊ ደብረፅዮንን ጌታቸው ረዳን ሞይቶም ከምዝተረኸቡ የርኢ ዶ?

ብዕለት 5 ለካቲት 2013 ዓ.ም Wondye Yalew ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ነዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ሰበር- ዜና ኣብ ዝብል ጉጅለ ብምልጣፍ ደብረፅዮንን ጌታቸው ረዳን ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ብምግላፅ ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ናይ ቴሌግራም ቻናል ብመላግቦ ክኸዱ ይሓትት። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ናይ ጌታቸው ረዳን ደብረፅዮንን ኣስከሬን ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

ካብ መወደእታ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖ ሓይልን መንግስቲ ፌደራልን ወታደራዊ ግጭት ምህላዉ ይፍለጥ እዩ። ድሕሪ ሰለስተ ሰሙናት ኣቢሉ ከኣ ብዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኸተማ መቐለ መሊሱ ክቆፃፀራ ክኢሉ እዩ። ስዒቡ’ውን ሓያሎ ነበር ሲቪላውያንን ወታደራውያን ህወሓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ክኣትዉ ክኢሎም እዮም። ካብቶም ዝተትሓዙ ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ ነበር ፕረዚደንት ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱን ነበር ምክትልል ፕረዚደንት ዶ/ር ኣብራሃም ተኸስተን ይርከብዎም። ቀፂሉ’ውን ኣባይ ፀሃየ፣ ስዩም መስፍንን ኣስመላሽ ወልደስላሴን ከምዝተቀተሉ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብ8 ጥሪ 1023 ዓ.ም ሓቢሩ ነይሩ። 

እቲ ደብረፅዮንን ጌታቸው ረዳን ሞይቶም ተረኺቦም ዝብል ሓበሬታ ኣብዚ ሃዋህው’ዚ ስለዝተኸሰተ እቲ ጉዳይ ኣረባፂ ይገብሮ።  ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ናይ ጌታቸው ረዳን ደብረፅዮንን ኣስከሬን ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንመጀመርታ እዋን ኣርሚ ታይምስ ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተሓትመ ፅሑፍ ተተሓሒዙ ብዕለት 25 ለካቲት 2012 ዓ.ም ተሓቲሙ ነይሩ። 

ፈላማይ ምስሊ
 

እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ንመንበብቲ ነዚ መላግቦ ተጠቂሞም ተወሳኺ ቪድዮ ክሪኡ ይዕድም፤ እንተኾነ ግን ዝኾነ ቪድዮ ወይ ትሕዝቶ የብሉን።

ብዙሓት ነበር መራሕቲ ህወሓት ዋላኳ እንተትሓዙን እንተተቀተሉን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ደብረፅዮንን ጌታቸው ረዳን ዝኾነ ሓበሬታ የለን። ሓቅቼክ ነቲ ምስሊ ኣመልኪቱ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ናይ ጌታቸው ረዳን ደብረፅዮንን ኣስከሬን ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪት፡ ርሆቦት ኣያሌው

ተርጓሚ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Exit mobile version