ዝተፃረዩ ሓበሬታታት

እዚ ምስሊ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝተወቕዐት ናይ ኲናት ነፋሪት የርኢ ዶ?

ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ዓ.ም. Sidaama Today ዝተብሃለ (17,248 ሰዓብቲ ዘለዎ) ተጠቃሚ ፌስቡክ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምጥቃዕ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝከየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ቆላ ተምቤን ብዕጡቃት ሓይልታት ትግራይ ተሃሪማ ዝወደቐት ነፋሪት ኢትዮጵያ ምኳና ይሕብር። እቲ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተፅሓፈ ናይ ፌስቡክ ሕታም እታ ሚግ መንግስቲ ፌደራል ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ንምሓዝ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ብህወሓት ዝምራሕ ዕጡቅ ሓይሊ ትግራይ ከምዝተወቕዐት ይገልፅ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ስእሊ ብህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይሊ ዝተወቕዐት ነፋሪት ውግእ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይልን መንግስቲ ፌደራልን ወታደራዊ ጎንፂ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ነታ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ ከምዝተቖፃፀራ ይዝከር። ስዒቡ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ላዕለዎት መሪሕነት ናይቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዕጡቅ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንዳውዓለ ይርከብ። ይኹን’ምበር ኣብ ትግራይ ህውተታን ዘይምርግጋዕን ሰፊኑ ይርከብ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እምበኣር እዚ ነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ ኣብ ቆላ ተንቤን ተሃሪማ ወዲቓ ዝብል ሓበሬታ ዝወፀ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከም መርትዖ ኾይኑ ዝቐረበ ስእሊ ብህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይሊ ዝተሃረመት ነፋሪት ውግእ ኣየርእን። እቲ ስእሊ ብዕለት 9 መስከረም 2009 ዓ.ም. ስካንኒውስ (ScanNews) ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ህንዲ ተለጢፉ ነይሩ። እቲ ናይ ፈለማ ምስሊ ስርሓት ራሽያ ዝኾነት ነፋሪት ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ክፍለግዝኣት ኔቫዳ ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸት ዝገልፅ ሓበሬታ ኔርዎ። እቲ ናይ መጀመርታ ሕታም እዚ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓደጋ የርኢ ዶ ነይሩ ኣየርእን ግን ዝበሎ ነገር የለን። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

ዋላኳ ብዙሓት ነበር መሪሕነት ህወሓት እንተተትሓዙ ዘይምርግጋዕ ግን ቀፂሉ ኣሎ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ስእሊ ብህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይሊ ኣብ ቆላ ተምቤን ዝተወቕዐት ነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሓሚሙ ይሕከም ምህላዉ የርኢ ዶ?

ብዕለት 17 ሕዳር 2013 ዓ.ም. Taajudin Ahamadi ዝብል ተጠቃሚ ፌስቡክ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምልጣፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ብከቢድ ሓሚሙ ሆስፒታል ከምዝኣተወን ይሕከም ከምዘሎን ይሕብር። እዚ ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብ ዝተኸሰተሉ ሰዓት ብዛዕባ ሃለዋትን ድሕንነትን’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዙሓት ግምታት ይወፁ ነይሮም እዮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣቢይ ኣሕመድ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ከምዘሎ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ቅንብር ኢልዎ ኣሎ።

 

 

ካብ ዓይኒ ህዝቢ ጠፊኡ ስለዝቐነየ ብዛዕባ ድሕንነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግምታት ክስምዑ ፀኒሖም እዮም። ገለገለ ሓሚሙ እዩ ገለ’ውን ዓሪፉ ክብሉ ፀኒሖም። ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዕለት 19 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ግን ብዛዕባ ድሕንነት ዶ/ር ኣቢይ ዝስምዑ ዘለዉ ሓሜታት ሓሶት ምዃኖም ገሊፁ ነይሩ። ስዒቡ’ውን ብዕለት 20 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ንኣካለስንኩላን ድጋፍ ዘፍሪ ሓደ ፋብሪካ ክጉብኒ ተራእዩ ነይሩ።

 

 

እቲ ዶ/ር ኣቢይ ብኸቢድ ሓሚሙ ይሕከም ኣሎ ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብዚ ህሞት እዩ ወፅዩ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንመጀመርታ ግዘ ብዕለት 2 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ጎፈንድሚ ኣብ ዝተብሃለ መርበብ መተኣኻኸቢ እቶት ተጠቂዑ ነይሩ። እቲ ምስሊ ቢዳን ታፓ ናይ ዝተብሃለ ኣብ ኣሜሪካ ሕክምና ጆን ሆፕኪንስ ብድኻም ልቢ ናይ ዝሞተ ሰብ ኣስከሬን ክኸውን ከሎ ዝተጠቀዓሉ ዕላማ ድማ ፕሪሲላ ራይ ንዝተብሃለት ሰበይቱ ሓገዝ ንምትእኽኻብ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

 

ዝተቀናበረ ምስሊ

 

ፈላማይ ምስሊ

 

ድሕንነት’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝምልከት ብዙሓት ግምታት ክስምዑ ፀኒሖም እዮም። ኮይኑ ግና ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ስእሊ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ምህላዉ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ቅንብር ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ናብ ሱዳን መፅዮም ዝደኮኑ ወታደራት ግብፂ የርኢ ዶ?

ብዕለት 12፡ ጥሪ 2013 Afmeer tv. ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገፅ (ልዕሊ 235,531 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብምልጣፍ ኣብ ቀረባ ናብ ሱዳን ዝመፁ 5000 ወታደራት ግብፂ ምዃኖም ይገልፅ። እቲ መሰሊ ብዝሒ ዘለዎም ወታደራት ዝፀዓና ድሩዓት መካይን የርኢ። እቲ ብቛንቋ ሶማል ዝተፅሓፈ ፅሑፍ “5000 ወታደራት ግብፂ ንሱዳን ንምሕጋዝ ከምዝኣተዉ መራኸብቲ ሓፋሽ ሱዳን ገሊፀን። ልዕሊ 3000 ወታደራት ሱዳን’ውን ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳቡብ ከባቢታት ይምርሹ ኣለዉ።” ይብል። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ስእሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ሱዳን ንምሕጋዝ ዝመፁ ወታደራት ግብፂ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

 

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎንፂ ከምዘሎን ነዚ ስዒቡ’ውን ወጥሪ ከምዝነገሰን ይፍለጥ እዩ። ግብፂ ነቲ ብዕጡቓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወታደራት ሱዳን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዘይፍትሓዊ እዩ ብምባል ኮኒናቶ ምንባራ ይዝከር። ኣስዒባ’ውን ግብፂ ንሱዳን ዘለዋ ምሉእ ደገፍ ገሊፃ ነይራ እያ። እቲ ምስሕሓብ ብምቕፃሉ ግብፂ ናብ ሱዳን ወታደራት ከምዝለኣኸት ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ይወፁ ነይሮም።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እቲ ግብፂ 5000 ወታደራቱ ናብ ሱዳን ልኢኻ ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ዝወፀ። ይኹንደኣምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንመጀርታ ግዘ ዝተሃትመሉ ብዕለት 7 ለካቲት 2010 ዓ.ም. ኣሕራም ኦንላይን ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ግብፂ እንትኸውን ኣብቲ ግዘ ኣብ በረካታት ሲናይ ተጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ገበርቲ ራዕዲን ገበነኛታትን ናይ ምድምሳስ ወፍሪ ዘርኢ እዩ። እቲ መርበብ ሓበሬታ እቲ ምስሊ ካብ ሚኒስትሪ ምክልካል ግብፂ ከምዝወሰዶ ይገልፅ። ነቲ ምስሊ ዝሓዘ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

 

እቲ ናይ ዶብ ውጥጥ ስዒቡ ሱዳን ብዙሓት ወታደራታ ምስኣፀገዐት ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ። ኮይኑ ግና ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ስእሊ ኣብ ቀረባ ሱዳን ዝኣተዉ 5000 ወታደራት ግብፂ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ብኤርትራውያን ካብ ትግራይ ዝተሰርቀ ኣድጊ የርኢ ዶ?

ብዕለት 2 ሕዳር 2013 ዓ.ም. World Page ዝብል ናይ ፌስቡክ ገፅ (ልዕሊ 39,253 ሰዓብቲ ዘለዎ) ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምልጣፍ እቲ ኣድጊ ብኤርትራውያን ካብ ትግራይ ተሰሪቑ ብሚኒባስ ዝተወስደ ኣድጊ ምዃኑ የመላኽት። እቲ ፖስት እታ ሚኒባስ ናይ ኤርትራ ምዃና ንምርኣይ ዝተቀናበረ ታርጋ የመላኽት። እቲ ፖስት ብዙሓት ሰባት ክቀባበልዎ ፀኒሖም እዮም፤ ክሳብ ናብ ማህደር ዝኣቱ’ውን 45 ተጠቀምቲ ተቐባቢሎምዎ ነይሮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ካብ ትግራይ ዝተጎበጠ ኣድጊ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ቕንብር ኢልዎ ኣሎ።

ካብ 28 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን መንግስቲ ፌደራል ዝመርሖም ሓይልታትን ጎንፂ ምንባሩ ይፍለጥ። መንግስቲ ፌደራል ንላዕለዎት ሲቪላውያንን ወታደራውያንን መራሕቲ ህወሓት ከምዝሓዘን ከምዝደምሰሰን ከርእን ክገልፅን ፀኒሑ እዩ። ነቲ ወታደራዊ ጎንፂን ዘይምርግጋዕን ስዒቡ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ንምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ብምሕጋዝ ኣብቲ ውግኣት ከምዝተሳተፈን ብተወሳኺ’ውን ወታደራት ኤርትራ ንብረት ይዘምቱ ከምዘለዉን ግምታትዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ክሳብ ሕጂ ግን ጭብጢ ክርከብ ኣይተኽኣለን። 

ኣብዚ ህሞት’ዚ እቲ ፖስት እቲ ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ኣድጊ ብኤርትራውያን ካብ ትግራይ ተሰሪቑ ብሚኒባስ ዝተወስደ ምዃኑ ይሕብር። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ኣድጊ ካብ ትግራይ ዝተሰርቀ ከምዘይኮነ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንፈለማ እዋን ብ27 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ረዲት ኮይኑ ‘እዚ ኣድጊ ብሚኒባስ ናብ ገዝኡ ይኸይድ’ ዝብል ፅሑፍ ነይርዎ። ነቲ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

ዝተቐናበረ ምስሊ

ፈላማይ ምስሊ

ዋላኳ ክሳብ ሕጂ መረዳእታ እንተዘይሃለወ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡን ንብረት ይጎብጡን ከምዘለዉ ዝማጎቱ ግምታትዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ኣድጊ ብኤርትራውያን ካብ ትግራይ ተሰሪቑ ብምኒባስ ዝተወስደ ከምዘይኮነ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ቕንብር ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ኣብ ትግራይ ንራብዓይ ብሪጌድ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝደምሰሱ ሓይልታት የርኢ ዶ?

ብ21 ሕዳር 2013 ዓ.ም. Mahder Kiya ማህደር ቅያ (10,637 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ዝብል ተጠቃሚ ፌስቡክ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓደ ወታደርን ኦራልን ዘርኢ ስእሊ ብምልጣፍ  ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታት ንራብዓይ ብርጌድ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝደምሰሱ ይሕብር። እቲ ብትግርኛ ዝተፅሓፈ “.… ካብ ዓድዋ ተላዒሉ ብዕዳጋ ዓርቢ ንኣንፈት ሓዉዜን ዝሓልፍ ዝነበረ… ራብዓይ ብርጌድ ብሰራዊት ትግራይ ተወቂዑ ምሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ፤ እቲ ዝሓዞ ኣፅዋርን ምስ ልዕሊ 114 እግረኛ ወታሃደራቱ ተማሪኩ …” ይኹን’ምበር ነቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ምስሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ንራብዓይ ብርጌድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝደምሰሱ ሓይልታት ስለዘየርኢ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ካብ 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን መንግስቲ ፌደራልን ውግእ ምንባሩ ይዝከር። ድሕሪ’ዚ ውን እቲ ውግእ ከምዝተወደአን ገበነኛታት ኣብ ምህዳን ከምዝርከብን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ ነይሩ። ኮይኑ ግና እቲ ውግእ ከምዘይተወደአ ዝሕብሩ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ክወፁ ፀኒሖም እዮም።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ ድማ እቲ ኲናት ከምዘይኣብቀዐ ብዝሕብር ኩነታት እቲ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ። ይኹን እምበር እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ። እቲ ምስሊ TPLF Hawelti ኣብ ዝተብሃለ ፌስቡክ ገፅ ብ1 ሕዳር 2013 ትግራይ ዘይከምቀደም ዘመናዊ መሳርሒ ከምዝተዓጠቐትን ኩሎም ፀላእታ ክትስዕር ዓቕሚ ከምዘለዋን ምስዝብል ሓበሬታ ተሓቲሙ ነይሩ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ሊንክ ይጠውቑ።

ዝተቖረፀ ምስሊ፡

ፈላማይ ምስሊ (TPLF Hawelti)

እቲ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን መንግስቲ ፌደራልን ውግእ ከምዘይተወደአ ዝሕብሩ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ይወፁ ኣለዉ። ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ንራብዓይ ብርጌድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝደምሰሱ ሓይልታት ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ። ስለዚ’ውን ዝተሰሓሓተ ስእሊ ብምልጣፉ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ዝሰረቐ ወታደር ኤርትራ የርኢ ዶ?

ብዕለት 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም. Tirhas Tesfay ዝብል ተጠቃሚ ፌስቡክ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምልጣፍ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ዝሰረቐ ወታደር ኤርትራ ምዃኑ ይሟጎት። እቲ ብትግርኛ ዝተፅሓፈ ሓበሬታ “ሰበር ዜና፡ ወታደር ኤርትራ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ተሰኪሙ ክኸይድ ብዓይነይ ሪአዮ።” ይብል። ጥሕሎ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ትግራይን ደቡባዊ ኤርትራን ዝዝውተር ምግቢ ኾይኑ ካብ ስገም ይስራሕ። እቲ ፖስት ኣብ ፌቡክ ብዙሓት ተዓዘብቲ ረኺቡ ነይሩ፤ ክሳብ ዝስነድ’ውን 184 ሰባት ኣካፊሎምዎ ነይሮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሰኪሙ ዝኸይድ ወታደር ኤርትራ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ሕክያ ኢልዎ ኣሎ።

ካብ 28 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን መንግስቲ ፌደራል ዝመርሖም ሓይልታትን ጎንፂ ምንባሩ ይፍለጥ። ነቲ ወታደራዊ ጎንፂን ዘይምርግጋዕን ስዒቡ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ንምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ብምሕጋዝ ኣብቲ ውግኣት ከምዝተሳተፈን ብተወሳኺ’ውን ወታደራት ኤርትራ ንብረት ይዘምቱ ከምዘለዉን ግምታትዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ክሳብ ሕጂ ግን ጭብጢ ክርከብ ኣይተኽኣለን።.

ኣብዚ ህሞት’ዚ እቲ ፖስት እቲ ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሸኪሙ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኤርትራ ወታደር ምዃኑ ይሕብር። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሰኪሙ ዝኸይድ ወታደር ኤርትራ ከምዘይኮነ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንፈለማ እዋን ብ27 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ኣብ Nairobi News ዝተብሃለ መራኸቢ ሓፋሽ ኬንያ ዝተሓተመ ኾይኑ ናይ ሓደ ገዝኡ ዝፈረሶ ኬንያዊ ዛንታ ዘርኢ እዩ። እቲ ስእሊ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ዝተሃነፁ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ኣብ ዘፍርሰሉ እዋን እቲ ገዛ ከይፈረሰ ከሎ ኡጋሊ ዝተብሃለ ንገዓት ዝመስል ምግቢ ካብቲ ገዝኡ ተሰኪሙ ዝወፅእ ሰብኣይ ዘርኢ እዩ እቲ።  ነቲ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ ሊንክ ይጠውቑ።

ዋላኳ ክሳብ ሕጂ መረዳእታ እንተዘይሃለወ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡን ንብረት ይጎብጡን ከምዘለዉ ዝማጎቱ ግምታትዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሰኪሙ ዝኸይድ ወታደር ኤርትራ ከምዘይኮነ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ሕክያ ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ምስሊ ናብ ዶባት ኢትዮጵያ እንዳመረሹ ዝርከቡ ወታደራት ሱዳን የርኢ ዶ?

ብዕለት 26 ሕዳር 2020 ዓ.ም. Waan Ofii (ልዕሊ 39,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ገፅ) ዝብሃል ተጠቃሚ ፌስቡክ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብምልጣፍ ከበድቲ መሳርሒ ዝተዓጠቑ ሓያሎ ወታደራት ሱዳን ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ይምርሹ ኣለዉ ይብል። ይኹን’ምበር ነቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ምስሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ስለዘየርኢ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

 

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዳቡብ ግዝኣታት ወታደራዊ ግጭት ምንባሩ ይዝከር። ብ8 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ሰራዊት ሱዳን እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘይተሓንፀፀ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስን ግዘኣት ከምዝሓዘቶ ኣፍሊጣ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብሕዳር 29 2020 ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሰራዊት ሱዳን ካብ 9 ሕዳር ፈሊሙ ብከበድቲ መዳፍዕ ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወን ንዕኡ ተኸቲሉ’ውን ብዙሕ፡ንብረት ከምዝዓነወን ዝሞቱን ዝተወግኡን ዜጋታት ከምዘለዉን ኣፍሊጡ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ነቲ ዶብ ክሕንፅፅኡ’ውን ተሰማሚዐን ምንባረን ይፍለጥ። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ኣመልኪቱ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእን ኣብ 6 ሓምለ 2018 Haber7.com ብዝተብሃለ መራኸቢ ሓፋሽ ተርኪ ተሓቲሙ ከምዝነበረን ኣረጋጊፁ። ኣብቲ ፋልማይ ዝተሓተመ ምስሊ ሰራዊት የመን ገለ ገለ ሰሜናዊ ግዝኣታት እታ ሃገር ከምዝተቖፃፀረ ዝገልፅ መብርሂ ኔርዎ።

ኣብቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዳቡቡ ግዝኣታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ጎንፂ ኣሎ። ይኹን’ምበር ነቲ ስእሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል (Google Reverse Image) ብዝገበሮ ምፅራይ ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ዝምርሹ  ወታደራት ሱዳን ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪት፡ ረሆቦት ኣያሌው

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

ተርጓሚ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

 

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ ስዒቡ ዘሎ ምስሊ ምስቲ ኣብ ኣዳማ ዝተብሃለ ስርቂ ኲሊት ይተሓሓዝ ዶ?

ጋጋ ቆሌ ኢጋ ዝብል ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ብ3 ጥሪ 2011 ኣብ ፌስቡክ ብዝጠቀዖ ሓበሬታ እዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ከምጭብጢ ብምልጣፍ ኣብ ከተማ ኣዳማ ቆልዑ ብ ኣረግቶት ኣንስቲ እንዳተሰረቑ ኲሊትም ይውሰድ ከምዘሎን ይሕበር። እዚ ናይ ፌስቡክ ፖስት ክድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝተለጠፈ ዋላ’ኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት የካፍልዎን (ሼር ይገብርዎ) ርኢቶ ይህብሉን ኣለዉ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ምስሊ ምስቲ ሓበሬታ ምትሕሓዝ ብዘይምህላዉ እዚ ፖስት ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ውሽጣዊ ኣካልት ሰባት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኦፕራስዮን አቢሎም ክተሓላለፉ ይኽእሉ እዮም። ብሰንኪ ሕማም ወይ ጉድኣት ሰባት ውሽጣዊ ኣካላቶም ስራሕ ደው ከብል ከሎ ካብ ሰባት ይልገሰሎም፤ እቲ ዝልግስ ሰብ ከኣ ብዓይኒ ሕጊ ከምዝሞተ ተገይሩ ይውሰድ። ፀላም ከብድን ኲሊትን ዝልግስ ሰብ ግን ብሂወት ናይ ምንባር ተኽእሎ አለዎ። ኲሊት ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካሊእ ሰብ ምትሕልላፍ ካብ 36 – 48 ሰዓታት ይወስድ። ብዙሓት ሰባት ኲሊቶም ይስእኑ ስለዘለዉ አብ ዓለም ጠለብ ኲሊት አዝዩ በሪኹ ኣሎ፤ በዚ’ውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኲሊት ተስፋሕፊሑ ይርከብ። ንግዲ ኲሊት ብዜካ ኣብ ኢራን ኣብ ኩለን ሃገራት ዘይሕጋዊ እዩ። ስርቂ ውሽጣዊ ኣካላትን (ንሰባት ኣገዲድካ ኣካላቶም ብመጥባሕቲ ብምውሳድ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ምሻጥ) ግዱድ መጥባሕትን (ኣብ ቤት፡ማእሰርቲ ንሰባት ብዘይ ወለንታዊ ድልየቶም ኣገዲድካ መጥባሕቲ ብምግባር ኣካልቶም ምውሳድ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕጋዊ ኣይኮነን። ቻይና ግን ኣካላት ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ጠቢሓ ስለትወስድ ብግዱድ መጥባሕቲ ዝተፈለጠት እያ። ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ስርቂ ውሽጣዊ ኣካላት ንምርኣይ ነዚ ዝስ ዕብ ሊንክ ይጠቐሙ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዘ ብኦፕራስዮን ኲሊት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፍ ዝተጀመረ ከም ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ኣብ 11 መስከረም 2008 ኮይኑ ምስ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ብምትሕብባር ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሚሊንየም ሜዲካል ኮሌጅ ተኻይዱ። ካብ ሽዑ ንደሓር ክሳብ 24 ሚያዝያ 2011 ኣብ ልዕሊ 109 ሕሙማት ጥራሕ ናይ ኲሊት ንቕለ ተኸላ ተኻይዱ።

ይኹን’ምበር እቲ ምስሊ ናይቲ ዝተብሃለ ምጥፋእ ቆልዑን ስርቂ ኲሊትን ከምዘየመልክት፤ ብተወሳኺ’ውን እዚ ምስሊ ኣብ 18 ነሓሰ 2009 ኣብ ካሊእ ፖስት ተሓቲሙ ዝነበረ እዩ። እዚ ምስሊ ኣብቲ ግዘ ኣብ ከተማ ሮማ ዝነበሩ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ድሕሪ ምብራሮም ስዒቡ ኣብ ዝተወለዐ ተቓውሞ ዝተልዓለ ፎቶ እዩ።

 

ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ናይ ኲሊት ስርቂ ዋላ’ኳ እንተተሰምዑ እዚ ምስሊ ግን ኣብ ኣዳማ ከምዘይተልዓለን ነቲ ዝተብሃለ ምጭዋይ ቆልዑን ምጥባሕ ኲሊትን ኣየርእን። ብመሰረት’ዚ ሓቅቼክ ነቲ ዝተጠቀዐ ምስሊ ብዝምልከት ብዝገበሮ ምፅራይ ዘይርትዓዊ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪት፡ ረሆቦት ኣያሌው

ተርጓሚ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዞም ኣብዚ ምስሊ ዘለዉ ወታደራት ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልል ሶማልን ዓፋርን ተወሊዑ ዝተብሃለ ግጭት ዝተሳተፉ ድዮም?

ብዕለት 19 ታሕሳስ 2013 Afmeer tv. (224,661 ሰዓብቲ ዘለውዎ ገፅ) ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገፅ ሓንቲ መኪናን ወታደራትን ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ኣብ መንጎ ክልል ዓፋርን ሶማልን ሲቲ [ሽንሌ] ዝተብሃለ ቦታ ብርቱዕ ግጭት ከምዝተወለዐ ገሊፁ። ኣስዒቡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዓፋር ከቢድ ዕንወት ክምዝወረደን ብወገን ክልል ሶማል ከኣ ሰለስተ ንፁሃን ሶማል ከምዝሞቱን ክልተ ከምዝቖሰሉን ይሕብር።  ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ምስቲ ተወሊዑ ዝተብሃለ ሓዱሽ ግጭት ከምዘይራኸብ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ብጉግል ዝተተርጎመ ፖስት፡

 

ዘይተተርጎመ ፖስት፡

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዙ ግጭት ልሙድ እዩ። ኣብቲ ንክልቲአን ክልልታት ዘደቡቡ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባታት ሽንሌ፣ ገቢራሱን ኣውሲረሱን ኣብ መንጎ ተወለድቲ ሶማል ዝኾኑ ቀቢላ ዒሳን ተወለድቲ ዓፋርን ጎነፃት ቀፃሊ እዩ። እተን ዘሰሓሕባ ከተማታት ዕንድፍቱ፣ ገዳማይቱን ኣዳይቱን ኣብ ክልል ዓፋር እንትርከባ ዞባ ሽንሌ ከአ ኣብ ክልል ሶማል ይርከብ። ኣብተን ክልል ዓፋር ዝርከባ ከተማታት ከአ ብዙሓት ሶማል ይነብሩ፤ በዚ’ውን ግጭት ይለዓል። እቲ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዘበገሶ ሓሳብ ኣብ 2006 ዓ.ም. መንግስታት ክልላት ሶማልን ዓፋርን ነቲ ዶባቶም ክሕንፅፁ ተሰማሚዖም ነይሮም። ብመሰረት’ቲ ስምምዕ እተን ዝተጠቕሳ 3 ከተማታት ናይ ዒሳ ፍሉያት ዞባታት ብምዃን ናብ ክልል ዓፋር ክሕንፀፃ። በቲ ስምምዕ ዘይተሃጎሰ መንግስቲ ክልል ሶማል ነቲ ውሳነ ኣብ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ብምባል ውድቂ ጌርዎ።  ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ መንጎ ክልቲአክ ሓዱሽ ጎንፂ ከምዝነበረ27 ሰባት ከምዝሞቱን ተሓቢሩ ነይሩ። 

ኣብዚ ህሞት’ዚ ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ ወተዳራትን መኪናን ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ኣብ መንጎ ክልል ዓፋርን ሶማልን ሓዱሽ ወታደራዊ ጎንፂ ከምዝተወለዐ ይምጉት። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ነቲ ተወሊዑ ዝተብሃለ ጎንፂ ዘራኽብ የብሉን። እቲ ምስሊ ንመጀመርታ ግዘ ብዕለት 26 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትመ ኾይኑ ኣብ መንጎ ክልላት ሶማልን ዓፋርን ግጭት ከንዘሎ ዝገልፅ ሓበሬታ ኔርዎ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ።

 

ፈላማይ ምስሊ:

 

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ዶባት ክልላት ዓፋርን ሶማልን ንብዙሕ ዓመታት ዝዘለቐ ኣብ መንጎ አፋረቶትን ቀቢላ ዒሳ ሶማልን ኣሎ። ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ምስቲ ኣብ ዶባት ክልል ዓፋርን ሶማልን ተወሊዑ ዝተብሃለ ሓዱሽ ግጭት ከምዘይራኸብ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዞም ኣብዚ ምስሊ ዘለዉ ክልተ ሰብኡት ብወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝተረሸኑ ንፁሃት ሰባት ድዮም?

ብዕለት 26 ታሕሳስ 2013 ኣርሓ ወያናይ ተጋሩ (5,000 የዕሩኽ ዘለውዎ ተጠቃሚ) ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ክልተ ሰብኡት ንድሕሪት ኩርንኩሪት ተኣሲሮም ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ እዞም ሰባት ብወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝተረሸኑ ይገልፅ። እቲ ብትግርኛ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ነቲ ተፈፂሙ ዝበሎ ተግባር ‘ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ’ ብምባል ገሊፅዎ። ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ሰባት ከምዘየርኢን እቲ ምስሊ’ውን ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ግጭት ዝተልዓለ ከምዘይኮነን ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

ካብ 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖ ወታደራዊ ሓይልን መንግስቲ ፌደራልን ግጭት ምንባሩ ይዝከር እዩ። ኣብቲ ኩነት ንመንግስቲ ፌደራል ብምሕጋዝ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ከምዝነበሩ’ውን ሓሜትን ዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን እንዳወፁ ይርከቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ወታደራት ኤርትራ ከምዘይተሳተፉ ብተደጋጋሚ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።

 

ኣብዚ ህሞት’ዚ እቲ ፖስት እቶም እብዚ ምስሊ ዘለዉ ክልተ ሰብኡት ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ንፁሃት ከምዝኾኑ ብምግላፅ ነቲ ኣቀታትላ ድማ ኣብ ዓለም ተራእዩ ግፍዒ እዩ ኢሉ ይሙጉት። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ሰባት ኣየርእን። ብመሰረት ኣናዳዪ ምስሊ ጉግል እቲ ምስሊ ምስ ካልኦት ሰለስተ ስእልታት ንመጀመርታ ግዘ awaale afcad ብዝብል ሽም ብዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ትዊተር ዝተሓትመ ኾይኑ “ኣብ ሊብያ” ብል ፅሑፍ ከኣ ነይርዎ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ።

 

ዝተገበተ ምስሊ

 

ፈላማይ ምስሊ (awaale afcad)

ዋላኳ ኣብቲ ወታደራዊ ጎንፂ ንመንግስቲ ፌደራል ብምሕጋዝ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝብሉ ሓሜትን ዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን እንተወፁ ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ሰባት ከምዘየርኢን እቲ ምስሊ’ውን ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ግጭት ዝተልዓለ ከምዘይኮነን ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

 

Exit mobile version