ዝተፃረዩ ሓበሬታታት

ብኸፊል ሓሶት፡ እዛ  ስእሊ ኣብ ቀረባ ኣብ ባህርዳር ዝፈረሰ ህንጻ ኣይተርእን

ብ11 ሚያዝያ 2023 ሓደ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣብ ባህርዳር: ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ካብ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ [ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ] ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ህንጻ ፈሪሱ ንጹሃት ዜጋታት ከኣ ተጎዲኦም ክብል ክልተ ኣሳእል ተጠቂሙ አብ ፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ። 

እታ ቐዳመይቲ ስእሊ ህንጻ እናፈረሰ እንተሎ እተሪኢ ኾይና፣ እታ ካልኤቲ ኸአ ትኪ ንሰማይ እናዓረገ እንከሎ እተሪኢ እያ። 

እዛ ጥቃዕ ኣብ ዝወጸትላ ግዜ መዓት ግብረመልሲ ረኺባ፤ ልዕሊ ሸሞንተ ግዜ ኸኣ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እታ ሓንቲ ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘይተርእን ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ አሎ። ስለዚ እቲ ጥቃዕ ብኸፊል ሓሶት እዩ።

ብ6 ሚያዝያ 2023 ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ፈሪሱ ናብ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ናብ ፌደራል ፖሊስ ወይ ከአ ናብ ናይ ክልላት ፖሊስ ክጽንበር ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ። ነዚ ስዒቡ ከአ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ አምሓራ ወጥሪ ነጊሱ ነይሩ።

ኣብቲ ክልል ኣንጻር እቲ ናይቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ውሳነ ህዝባዊ ተቛዉሞታት ነይሩ፣ ዕጥቃዊ ግጥማት እዉን ነይሩ እዩ።

ብ31 መጋቢት 2023 ኮምሽነር ሃገራዊ እግሪ ምትካል ተሾመ ቶጋ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እንኮላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ምፍራስን መሊስካ ምውህሃድን ዘተ ከምዝተገብረ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ መንግስቲ ንናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ጥራይ እዩ እምበር፣ ንናይ ኦሮሚያ ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቂ ንምፍታሕን ንምብታንን መደብ ከምዘይብሉ ዝሕብሩ ዝተፈላለዩ ወረታት ይውረዩ ነይሮም።

ዝኾነ ኾይኑ ናይተን አሳእል ሓቅነት ንምርግጋጽ ሓቂቸክ ብዝገበሮ ጻዕሪ እታ ሓንቲ ስእሊ ካብ ናይ ቀደም ሕታም ዝተወሰደት ምዃና ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዛ  ስእሊ እዚአ ብ26 ለካቲት 2022 ኣብ ኬቭ፡ ዩክሬን ብናይ ሩስያ ከቢድ ብረት ተሃሪሙ ኣዝዩ ዝተሃስየ ህንጻ እተሪኢ ኾይና ብሲኤንኤን ዝተሓተመት እያ።

እታ ካልአይቲ ስእሊ ኸአ ብ11 ሚያዝያ 2023 ብናይ ዉሽጢ ዓዲ ማዕከን ሚድያ ዝተጠቀዐት ኮይና፣ አብዚ ቀረባ ኣብ ዝነበረ ተቛውሞ አብ ባህርዳር ጎማ እናተቓጸለ እንከሎ እተሪኢ እያ።

ዋላኳ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቛዉሞን ፍጥጥን ይሃሉ እምበር፡ እታ ቀዳመይቲ ስእሊ ኣብ ባህርዳር ህንጻ እናፈረሰ እናሃለወ እተሪኢ ኣይኮነትን። ስለዚ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ብኸፊል ሓሶት ኢልዎ አሎ።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምሕረቱ ኣብ መንጎ ዕዳን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶትን ዘሎ ርክብ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ግጉይ ንፅፅር

ብ1 ሚያዝያ 2023 ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምሕረቱ ምስ ቴሌቪዥን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ጠቕላላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ ምስ ናይ ኬንያ፣ ሱዳንን ደቡብ ኣፍሪካን እንትነፃፀር ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኾነ ሓቢሩ ነይሩ።

ከምቲ ዝበሎ ”ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ 28 ቢሊዮን ዶላር እዩ፣ እዚ ከኣ 24 ሚኢታዊ ናይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶትና እዩ። ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር እዉን ዓቢ ዝበሃል ኣይኮነን። ንኣብነት ናይ ኬንያ 70 ሚኢታዊ፣ ናይ ሱዳን 181 ሚኢታዊ፣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ 115 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።”

ሓቂቸክ ነዚ ብኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ ዝተወሃበ ሓሳብ መርሚርዎ እዩ። 

ዕዳ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ክንደይ ሚኢታዊት ምዃኑ ንምፍላጥ፡ እቲ ዕዳ ነቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ክምቀል ኣለዎ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ 24 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

እወ፤ 24.6 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ብመሰረት ባንኪ ዓለም አብ መወዳእታ ሰነ 2021 ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 111.27 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ።

አብ ዘመነ 2021/2022 ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 5.9 ትሪሊዮን ብር ነይሩ። ብተወሳኺ እዉን ጠቕላላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ 27.9 ቢሊዮን ዶላር እዩ፣ እዚ ኸአ 24.6% ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ከምዝኾነ ወሲኹ እቲ ሃገራዊ ባንኪ ጸብጺቡ ነይሩ፡፡ 

ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 70 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

አይኮነን፤ 33.7 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ብመሰረት ባንኪ ዓለም ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ናይ ኬንያ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 110.35 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ናይ ኬንያ ጠቕላላ ናይ ደገ ዕዳ 4,290.7 ቢሊዮን ናይ ኬንያ ሺሊንግ (ከባቢ 39 ቢሊዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር) ከምዝኾነ ማእከላይ ባንኪ ኬንያ ገሊጹ ነይሩ። እዚ ኸአ 50 ሚኢታዊት ናይታ ሃገር ጠቕላላ ዕዳ (ዘቤታዊን ደጋውን ዕዳ) እዩ።

አብ ቀረባ ዝወጹ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ጠቕላላ ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 37.78 ቢሊዮን ዶላር እዩ።

ብመሰረት ሃገራዊ ቤት-ብዕል ኬንያ አብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2022 ጠቕላላ ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 33.7 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ነይሩ። ናይ ኬንያ ጠቕላላ ዕዳ (ዘቤታዊን ደጋዊን) ዕዳ ኸአ 8.6 ትሪሊዮን ሺሊንግ ወይ 67.3 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ስለዚ ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 70 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ዘይኮነስ 33.7 ሚኢታዊ እዩ።

ናይ ደቡብ አፍሪካ ናይ ደገ ዕዳ 70 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

አይፋል፤ ካብ 39.28 ሚኢታዊ ክሳዕ 40 ሚኢታዊ እዩ።

ብመሰረት ማእከላይ ባንኪ ደቡብ አፍሪካ ብታሕሳስ 2022 ናይ ደቡብ አፍሪካ ናይ ደገ ዕዳ 164.6 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ።

አብ መጠን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ደቡብ አፍሪካ ግን በቲ መንግስቲ ዝተወሃበ ዝኾነ ዝኾነ ወግዓዊ መረዳእታ የለን። 

ባንኪ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን (IMF) ግን ብዛዕባ መጠን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ደቡብ አፍሪካ ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ባንኪ ዓለም አብ 2021 ናይ ደቡብ አፍሪካ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 419.02 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ ይብል።

ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ከኣ ብወገኑ ኣብ 2022 ናይ ደቡብ አፍሪካ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 411.48 ቢሊዮን ዶላር እዩ ነይሩ ይብል።

ማእኸላይ ዉጺኢት ናይዞም ክልተ ኣሃዛት እንተወሲድና 415.25 ቢሊዮን ዶላር እዩ ዝመጽእ።

እንድሕር ደአ እዚ ቁጽሪ እዚ ወሲድና ሚኢታዊት ዕዳ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እንተኣስሊሕናዮ 39.6 ሚኢታዊ እዩ ዝመጽእ።

እንድሕር ዳኣ ክሊቲኦም ኣሃዛት ወሲድና ኣስሊሕናዮ ድማ ካብ 39.28 ሚኢታዊ ክሳዕ 40 ሚኢታዊ እዩ።

ናይ ሱዳን ናይ ደገ ዕዳ 181 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

ኣይኮነን፤ 150 ሚኢታዊ እዩ።

መንግስቲ ሱዳን ክሳዕ ሕጂ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ናይታ ሃገር ክንደይ ምዃኑ ናይ ቀረባ አሃዝ ኣይሃበን። 

ባንኪ ዓለም ኣብ 2021 ናይ ሱዳን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 34.33 ቢሊዮን ዶላር ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር እዚ ኣሃዝ እዚ ናይ ቀደም ስለዝኾነ ነቲ ሕጂ ዘሎ ሚኢታዊት ንምስላሕ ኣይጠቅምን እዩ።

ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ብወገኑ አብ 2022 ናይ ሱዳን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 42.76 ቢሊዮን ዶላር ከምዝነበረ ይገልፅ።

ብመሰረት ማእከላይ ባንኪ ሱዳን አብ መወዳእታ ሰነ 2022 ናይ ሱዳን ናይ ደገ ዕዳ 64.16 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ። 

ስለዚ ናይ ሱዳን ናይ ደገ ዕዳ 150 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምሕረቱ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ ምስ ናይ ኬንያ፣ ደቡብ አፍሪካን ሱዳንን ጠቅላላ ዕዳ (ዘቤታዊን ናይ ደገን ዕዳ) እዩ ብጌጋ ኣነፃፂሩ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ኣብ ቀጽሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሻሸመኔ ዝተረኸበ ኣጽዋር ኣይተርእን

ሰላሳ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ አብ ቀጽሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሻሸመኔ ዝተረኽበ አጽዋር ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ጠቂዑ ነይሩ፡፡ ክሳዕ እዛ ዓንቀጽ ዝተሓትመትላ እዋን ከአ እታ ጥቃዕ ዓሰረተ ሰለስተ ግዜ ተወዓዊዓ ነይራ እያ፡፡

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነታ ስእሊ መርሚሩ ናይ ቀደም ምዃና አረጋጊጹ አሎ፡፡ ስለዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት እዩ፡፡

ብ22 ጥሪ 2023 ቀደም ሊቀጳጳስ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝነበረ ሓደ አባል ብዘይ አፍልጦ ናይታ ቤተ ክርስያን ሲኖዶስ ጳጳሳት ሸይሙ ነይሩ፡፡

ሊቀ ጳጳስ ሰሜን ሽዋ ዝኾኑ አቡነ ሳዊሮስን ካልኦት ክልተን አብ ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ዘገልግሉ 26 ዝኣኽሉ ኤጲስቆጶሳት መሪጾም ነይሮም፡፡

በዚ ጉዳይ ህጹጽ አኼባ ዝጸወዐት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጵያ ነቶም ተፈንጪሎም ዝወጹ ጳጳሳት አውጊዛቶም እያ፡፡ አቡነ ሳዊሮስን ገለ ካልኦትን ካብቶም ቀኖና ቤተ ክርስትያን ጥሒሶም ተባሂሎም ዝተወግዙ እዮም፡፡

እቶም ተነጺሎም ዝወጹ ሊቀጳጳሳት ነቶም ብአቡነ ሳዊሮስ ዝተመረጹ ጳጳሳት ነናብ’ቲ ዝተሸየምሉ ቦታታት ከምዝኸዱ አፍሊጡ ነይሩ፡፡ ምስ ከዱ እዉን አብ ኦሮሚያ ብነበረቲ አቀባብላ ከምዝተገብረሎም አብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ ነይሮም፡፡

መራሒ ናይቶም ዝተነጸሉ ጳጳሳት አቡነ ሳዊሮስ ንአቡነ ጳውሎስ አብ ሻሸመኔ ናይ ምዕራብ አርሲ ሃገረስብከት ገይሮም ሸይሞም ነይሮም፡፡ እቶም ጳጳስ ናብቲ ዝተሸየምሉ እናኸዱ እናሃለዉ እዉን ከቢድ ወጥሪን ጎንጺን ተበጊሱ ነይሩ፡፡

ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፣ ብሰንኪ እቲ ጎነጽ ሰለስተ ሰባት ተቀቲሎም እዮም፡፡

እዚ መሰረት ብምግባር እዩ እምበአር አብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ሻሸመኔ አጽዋር ተረኺቡ ዝብል መልእኽቲ ዘለዋ ስእሊ አብ ፌስቡክ ዝተጠቅዐት፡፡

ይኹን እምበር እታ ስእሊ ቅድም ቅድሚ ክልተ ዓመት ተጠቂዓ ዝነበረት ከምዝኾነት ሓቂቸክ አረጋጊጹ አሎ፡፡ እታ ስእሊ ንመጀመርታ ግዘ ብ15 መጋቢት 2015 እያ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስ አብ ሲዳማ ዘይሕጋዊ አጽዋርን ጠያይትን ሒዙ ምስ ዝብል ጽሑፍ ዝተሓትመት፡፡

ስለዚ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ አሎ፡፡

ሓሶት፡ እዘን ኣሳእል ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዱር ከምዘንደዱ ኣየረጋግጻን።

ብ5 መጋቢት 2023 ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ኣድያቦ እትበሃል ዓዲ ዱር ኣንዲዶም ክብል ክልተ ኣሳእል ተጠቒሙ ጠቂዑ ነይሩ።

እዚ ናይ ፌስቡክ ገጽ ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ኾይኑ፡ እታ ሕታም ልዕሊ 24 ሳዕ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል መርሚሩ ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ከምዘይሕብራ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዘን ኣሳእል ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታት ተሓቲመን ነይረን። እታ ቀዳመይቲ ብ26 መጋቢት 2019፣ እታ ካልኤቲ ኸኣ ብ27 መጋቢት 2021 ተሓቲመን ዝነበራ እየን።

ኲናት ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ህወሓትን ብ3 ሕዳር 2020 ተወሊዑ ነይሩ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾይኖም ኣንጻር ህወሓት ተሳቲፎም እዮም።

ይኹን እምበር እቲ ዂናት ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም መኸተምታ ረኺቡ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዕጥቂ ምፍታሕ ህወሓትን ምውጻእ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ዕጡቓትን ብሓንሳእ ይፍጸም እዩ ዝብል።

ሓለፍቲ ህወሓትን ማዕከናት ሚድያታትን ንሰራዊት ኤርትራ ብዝምታን ብተግባር ዓመጽን ይኸስዎ እዮም።

ድሕር’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ዉዕሊ ሰላም፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ወጽዩ እዩ።

ግና’ኸ ሰበ-ስልጣን ህወሓት ሰራዊት ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን መሊኡ ከምዘይወጸን እዮም ዝዛረቡ።

እቲ ኹነታት ኣብ ከምዚ እናሃለወ እዩ እምበኣር ብ5 መጋቢት 2023 ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ኣድያቦ እትበሃል ዓዲ ዱር ኣንዲዶም ክብል ክልተ ኣሳእል ተጠቒሙ ዝጠቀዐ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል መርሚሩ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእያ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እተን ኣሳእል ናይ ቀደምን ካብ ናይ ሕሉፍ ሕታምን ዝተወስዳ እየን።

እታ ቐዳመይቲ ስእሊ፡ ብ26 መጋቢት 2019 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዶይቸቨለ ዝተሓትመት ኮይና ኣብ ሃገራዊ ፓርኪ ባሌ ንዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ እትጽብጽብ እያ።

እታ ካልአይቲ ኸኣ ብ27 መጋቢት 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ባርዓት ሓዊ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብቢቢሲ ትግርኛ ዝተሓትመት እያ።

ስለዚ ብምኽንያት ናይ ሓሶት ኣሳእል ምጥቃሙ ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ኣብ ቤት ኣቡነ ኣብርሃም ዝተረኸበ ኣጽዋር ኣይተርእን እያ።

ብ5 ለካቲት 2023 ሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ኣብ ቤት ሊቀ ጳጳስ ባህርዳርን ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ፓትሪያሪክን ኣቡነ ኣብርሃም ኣብ ዝተገበረ ፍተሻ ዘይሕጋዊ ጠያይትን ብረትን ከምዝተረኸበ ንምሕባር ሰለስተ ኣሳእል ተጠቒሙ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ናይ ፖሊስ ፈተሻ ሓሙሽተ ክላሽንኮቭ ብረትን ክልተ ሚኢትን ሰላሳን ሓሙሽተን ከኣ ጠያይትን ከምዝተረኸበ እቲ ጥቃዕ ይሕብር።

እቲ ጥቃዕ ትዊተር ኣስታት ሚኢቲ ግዜ ተቐባቢሉን ብልዕሊ ዒስራ ሽሕ ተጠቀምቲ ከኣ ተራእዩን ነይሩ እዩ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል ተመልኪቱ ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ከምዘየርእያ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ብ22 ጥሪ 2023 ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ብዘይ ዝኾነ ኣፍልጦ ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ሸይሞም ነይሮም።

ናይ ሰሜናዊ ምዕራብ ሊቀ ጳጳስ ዝኾኑ ኣቡነ ሳዊሮስን ክልተ ካልኦትን ኮይኖም 26 ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ኦሮምያን ደቡብ ክፋል ኢትዮጵያን ቐቢኦም ኣለዉ። 

እቶም ብኣቡነ ሳዊሮስ ዝምራሕ ዝተፈንጨሉ ጳጳሳት ናይ ኦሮሚያን ብሄር ብሄረሰባትን ዝበሃል ሓዱሽ ሲኖዶስ ከምዝመስረቱ እዮም ኣፍሊጦም።

ነዚ ስዒቡ ናይ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ህፁፅ ኣኼባ ነቶም ተፈንጪሎም ናይ ባዕሎም ሲኖዶስ ዝመስረቱ ጳጳሳት ኣውጊዝዎም እዩ። ኣቡነ ሳዊሮስን ካልኦት ጳጳሳትን ቀኖናዊ ስርዓት ቤተ ክርስትያን ጥሒሶም ተባሂሎም ካብ ዝተወገዙ እዮም።

ጽንሕ ኢሉ ኸኣ ድሕሪ መዓልትታት እቶም ዝተነጸሉ ሊቀ ጳጳሳት ብወገኖም ዓሰርተ ክልተ ሊቀ ጳጳሳት ዝርከብዎም ኣባላት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክክስ ተዋህዶ እዮም ኣውጊዞም። 

ኣቡነ ኣብርሃም ናይ ባህርዳር ሃገረስብከት ሓላፊን ዋና ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ፓትሪያሪክን ሓደ ካብቶም በቶም ዝተፈንጨሉ ኤጲስቆጶሳት ዝተወገዙ እዮም። 

እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እዩ እምበኣር ሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ኣብ ቤት ኣቡነ ኣብርሃም ብፈተሻ ጠያይትን ብረትን ተረኺቡ ክብል ሰለስተ ኣሳእል ዝጠቀዐ። እቲ ጥቃዕ 5 ክላሽንኮቭ ብረትን 235 ጠያይትን ከምዝተረኸበ እዩ ዝሕብር። 

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል ተመልኪቱ ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ከምዘይሕብራን ብስሩ እዉን ናይ ቀደም ከምዝኾናን ኣረጋጊጹ ኣሎ። 

እታ ናይ መጀመርታ ስእሊ ብሓደ ኣዝዮም ዉቁባት ሆቴላት ብዘፋልጥ መርበብ ሓበሬታ ዝተጠቀዐት ኮይና እታ ስእሊ ግን ብልክዕ ንሸገር ሮያል ሆቴል ከምእተርኢ እቲ መርበብ ሓበሬታ ይገልፅ

እታ ካልኤቲ ከኣ ብ30 መስከረም 2020 ዝተሓትመት ኮይና ኣብ መንጎ ህንድን ሩስያን ዝተገብረ ናይ ኣጽዋር መሸጣ ስምምዕነት እያ እትሕብር። 

እታ ሳልሰይቲ ስእሊ ኸኣ ፎቶ ናይ ኣቡነ ኣብርሃም እያ።

ስለዚ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ወተሃደራት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወለዐ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ሃሰያ ከምዘውረዱ ኣይተርእይን እያ።

ብ22 ጥሪ 2023 ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ቦታ ጀህዋ ተባሂላ እትፍለጥ ወተሃደራት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ናይ ፖሊስ መደብር ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ ዒስራ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም እትብል ጽሕፍቲ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ብሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተጠቂዓ ነይራ።

እታ ጥቃዕ ኣብ ፌስቡክ ኣዝያ ተላቢዓ ዝነበረትን ኣስታት ኣርብዓ ግዜ ከኣ ተወዓዊዓ ዝነበረትን እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ እታ ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ነቲ ተባሂሎ ዘሎ ከምዘይትሕብርን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ካብዚ ቀረባ ግዘ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ጎንጺ ይኽሰት ኣሎ። እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተኸፊቱ ዝነበረ ኲናት ነቲ ብሕዳር 2022 ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ሲዒቡ ዕልባት ረኺቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ወይ ከኣ ብመንግስቲ ሸኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደባይ ተዋጋኣይ ኣብ ኣብ ኲናት እዩ ዘሎ።

ብሰንኪ እዚ ዝግበር ደባይ ዉግእ ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ሙሟትን፣ ምምዝባልን የጋጥም እዩ። እዞም ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝበጽሕ በደል ነኒባዕሎም እዮም ዝወናጀሉ።

ኣብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ክልል ሕብረተሰባዊ ጎንጺ ኣጓኒፉ ነይሩ። እዚ ተደጋጋሚ ጎንጺ ከኣ ኣብ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣብ ሰሜን ሽዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮሞን ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዩ ነይሩ።

ብጥቅምቲ 2019 ኣብ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ብዝተወለዐ ረጽሚ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ነይሮም። 

ብመጋቢትን ሚያዝያን 2021 ኣብ ተመሳሳሊ ዞባ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ልዕሊ ሰለስተ ሚኢቲ ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ነይሮም እዮም። 

ሓደ ሓደ ናይ ማሕበራዊ ሚድያን ካልኦት ዜናታትን ከምዝጸብጸብኦ ኣብ ሰሜን ሽዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮሞን ብፍላይ ከኣ ከተማ ኣጣየን ጀውሃን ሓዱሽ ጎንጺ ተበጊሱ ኣሎ ኢለን ኣለዋ። 

እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እዩ እምበኣር ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ቦታ ጀውሃ ተባሂላ እትፍለጥ ወተሃደራት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ናይ ፖሊስ መደብር ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ ዒስራ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም እትብል ጽሕፍቲ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ብሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዝተጠቀዐት። 

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ እታ ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ነቲ ተባሂሎ ዘሎ ከምዘይትሕብርን ኣረጋጊጹ ኣሎ። 

እታ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ20 መጋቢት 2021 ምስ ሓጻር ዜና ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ተሓቲማ ነይራ። 

ስለዚ ብሰንኪ ዝተሰሓሓተ ስእሊ ምጥቃም ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ኣጣየ ዝተፈፀመ ጎንጺ ኣይተርእን

ሓንቲ ኣባይቲ እናተቓጸሉ እንከለዉ እተርኢ ስእሊ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ኣጣየ ዝተበገሰ ጎንጺ ከምዝተፈጸፈመ ምስ እትሕብር ጽሕፍቲ ኣብ ፌስቡክ ተጠቂዓ ነይራ። እዛ ስእሊ እዚኣ ምስ ካልኦት ክልተ ተወሰኽቲ ኣሳእል እያ ብ24 ጥሪ 2023 ብሓደ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተጠቂዓ።

ድሕሪ ክልተ ሰዓት ካሊእ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ነዛ ስእሊ እዚኣ ምስ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ኣብ ፌስቡክ ጠቂዕዋ ነይሩ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ፡ እዛ ስእሊ ቅድም ኢላ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ተሓቲማ ከምዝነበርትን ኣብ ኣጣየ ዝግበር ዘሎ ጎንጺ ከምዘይተርእን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ካብ 2019 ኣቆጻጽራ ጎርጎሮሳውያን ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞን ዞባ ሰሜን ሽዋን ካልኦት መዳቡብቲ ቦታታትን ብተደጋጋሚ ጎንጽታትን ዓመጻትን ክረኣዩ ጀሚሮም እዮም።

ብጥቅምቲ 2019 ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ ሓበሬታ ወጽዩ ነይሩ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ድሕሪ ዓመት ኣብ 2021 ከኣ ኣብ ፉሉይ ዞባ ኦሮሞ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣጣየ ሓያል ጎንጺ ኣጋጢሙ ነይሩ።

እዚ ጎንጺ እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን መጋቢትን ናይታ ዓመት ዘጋጠመ ኾይኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ንጹሃን ዜጋታት  ተቐቲሎም፣ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ተመዛቢሎምን ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ኣባይቲ ከኣ ዓንዮምን እዮም። 

ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ርብዒ እታ ኸተማ ‘ቲኣ ተደምሲሱ እዩ። ኣብቲ እዋን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነታ ከተማን ካልኦት ነገራትን  ዳግም ንምህናጽ ኣስታት 1.5 ቢሊዮን ሓገዝ ሓቲቱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ 2022 ኣብ ሰሜን ሽዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮሞን ጎንጺ ተኸሲቱ ነይሩ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከኣ ሞይቶም ነይሮም። 

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሰሜን ሽዋን ፉሉይ ዞባ ኦሮሞን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታት ኣጣየን ጀውሃን ዳግም ኣብ ቀረባ ጎንጺ ከም ዝተወለዐ ዝሕብሩ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሕታማት ተራእዮም ነይሮም።

እቲ ኩነታት ከምዚ እናሃለወ እያ እምበኣር ሓንቲ ስእሊ ጽሑፍ ዘለዋ ኣብ ፌስቡክ ክትወዓዋዕ ዝጀመረት። እታ ስእሊ ንብረት እናተቓጸ እተርኢ ኮይና፣ እዚ ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከተማ ኣጣየ ዝግበር ዘሎ ጎጺን ዓመጽን ዝተኸሰተ እዩ እያ እትብል። እዛ ስእሊ እዚኣ ብ24 ጥሪ 2023 ብልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎም ናይ ፌስቡክ ገጻት እያ ተወዓዊዓ ነይራ። 

ይኹን እምበር እታ ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ኣብቲ ቦታ ዝግበር ዘሎ ጎንጺ ከምዘይትሕብርን ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እታ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብሚያዝያ 2019 ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትመት ኮይና፤ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ከተማ ኣጣየ ቤተ-ክርስትያናት ብሓዊ እናተቓጸሉ እንከለዉ ምስ ዝነግር ጽሑፍ እያ ተጠቂዓ።

ስለዚ ነቲ ጥቃዕ ሓቂቸክ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ ኢትዮጵያ ኦሮማይ ንኻልኣይ ግዜ ብዛዕባ መሬት መጽናዕቲ ትገብር መንኰርኩር ናብ ጠፈር ሰዲዳ እያ።

ከም ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን ዝበላ ብመንግስቲ ዝውነና ማዕከናት ሚድያ፣   ኢትዮጵያ ንመበል ካልኣይ ግዜ መንኮርኩር ናብ ጠፈር ክትሰድድ ትዳሎ ከምዘላ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፃተን ፅሒፈን ነይረን።

እተን ክልተ ናይ ፌስቡክ ጥቃዓት ሓሙሽተ ሚኢቲ ግዜ ተወዓዊዐንን ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ከኣ ግብረ መልሲ ረኺበን ነይረን እየን።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ፣ ኢትዮጵያ ሳተላይት ንኻልኣይ ግዜ ዘወንጨፈት ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሓበሬታ ሓሶት እዩ።

ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ብታሕሳስ 2019 ናብ ጠፈር መንኮርኩር ሰዲዳ ነይራ። እታ መንኮርኩር ብዛዕባ መሬት መጽናዕቲ እትገብር ኰይና ኣብ ቻይና ተሰሪሓ ካብ ቻይና እያ ኸኣ ናብ ጠፈር ተሰዲዳ።

እዛ መንኰርኩር ክትስራሕ ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ዶላር ዘድለየ እንትኸውን መብዛሕትኡ ከኣ ብመንግስቲ ቻይና ዝተሸፈነ እዩ። ዝተሰረሓትሉ ዕላማ ጠባይ-ኣየር ንምትንባይን ዘራእቲ ንምቁፅፃርን እዩ።

እታ መንኰርኩር ብናይ ቻይና ኣካዳሚ ቴክኖሎጂ ጠፈር ክትምዕብል ከላ፡ ኣስታት ዒስራ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ከኣ ምስቶም ቻይናውያን ክኢላታት ኮይኖም ስልጠና ወሲዶም እዮም።

ሊንክ

እታ ፈላመይቲ መንኰርኩር ናብ ጠፈር ድሕሪ ምስዳዳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ኢትዮጵያ ብታሕሳስ 2020 እያ ዳግም ንኻልኣይ ግዜ ካልአይቲ መንኰርኩር ናብ ጠፈር ሰዲዳ እያ። እታ ካልአይቲ መንኰርኩር ዌንቻንግ ካብ ዝበሃል ማእከል መወንጨፊ እያ ተሰዲዳ። እቲ ዲዛይን ናይ’ታ ሮኬት ፈለማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ኮይኑ፣ ዳሕራይ ግና ምስ ቻይናውያን ኪኢላታት ብምዃን እያ ኣብ ቻይና ተዛዚማ

ሊንክ

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን ዝበላ መንግስታውያን ናይ ሚድያ ትካላት ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዜ መንኰርኩር ናብ ጠፈር ክትሰድድ ትዳሎ ከምዘላ ዝፀብፀባ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ፣ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዜ መንኰርኩር ናብ ጠፈር ዝሰደደት ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ እዩ።

ኢትዮጵያ ንሳልሳይ ግዜ ሰብ-ሰራሕ ሳተላይት ናብ ጠፈር ክትሰድድ ትዳሎ ከምዘላ ፀብፃባት ይሕብሩ። ስራሕ ናይታ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጠፈር ትስደድ መንኰርኩር መሬት ምዕዛብ ኮይኑ፣ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝተልኣኻ ሳተላይታት ዝፀረየ ስእሊ ናይ ምስኣል ክእለት ዘለዋ እያ።

ብተወሳኺ ኸኣ፡ ሓቂቸክ ንምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠፈር ኢትዮጵያ ሓቲቱ ብዝረከቦ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ክልተ መንኰርኩራት ናብ ጠፈር ሰዲዳ እያ።

ስለዚ ሓቂቸክ ነተን ክልተ ናይ ፈስቡክ ሕታማት ሓሶት ኢሉወን ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ካብ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዘምተ ንብረት ኣይተርእይን

ብ9 ጥሪ 2023 ሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ካብ ትግራይ ንብረት ይስረቕ ኣሎ (ብወተሃደራት ኤርትራ ማለት እዩ) ዝብል ፅሑፍ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ጠቂዑ ነይሩ።

እታ ጥቃዕ ትዊተር ኣስታት 75 ግዜ ተወዓዊዓን ብልዕሊ ክልተ ሽሕ ተጠቀምቲ ናይቲ ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ ተራእያን ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እታ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ንምዕጃብ ዝመጸት ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነት ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እታ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ21 ሚያዝያ 2022 እያ ተሓቲማ።

ድሕሪ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምትፍናን፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ኲናት እዮም ኣምሪሖም

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ናይ ክልል ኣምሓራ ምልሻን ህወሓት ኣብ ምድምሳስ ኣብ ጎኒ ፌደራላዊ መንግስቲ ኮይኖም ኣብቲ ኲናት ተጸምቢሮም እዮም።

እዞም ኣብዚ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ዝተሳተፉ ዕጡቓት ሓይልታት ብጅምላዊ ቅትለትን ምዝማት ንብረትን ተኸሲሶም ነይሮም እዮም።

እዚ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ተፃባእቲ ሓይልታት ብሕዳር 2022 ስምምዕነት ሰላም ምስ ተፈረመ እዩ መኸተምታ ረኺቡ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ምፍታሕ ከቢድ ብረት ዕጡቓት ህወሓት ምስ ምውጻእ ናይ ኤርትራን ካልኦት ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣባላት ዘይኮኑ ሓይልታትን ካብ ትግራይ እዩ ዝግበር እዩ ዝብል።

ኣብ መወዳእታ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ወተሃደራት ኤርትራ ቀንዲ ቀንዲ ከተማታት ትግራይ እናለቐቑ ይወጹ ከምዘለዉ ተጸብጺቡ ነይሩ።

ግን ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ይኹኑ ዋላ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ካብ ትግራይ መሊኦም ምውጽኦም ዛጊድ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እምበኣር ብ9 ጥሪ 2023 ብሓንቲ ስእሊ ዝተደገፈት ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንብረት ይዘምቱ ኣለዉ ትብል ጽሕፍቲ ኣብ ትዊተር ዝተጠቀዐት። እታ ስእሊ ብዙሓት መካይን እንታይ ምዃኑ ብንፁር ዘይፍለጥ ንብረት ፅዒነን እንትጎዓዛ እተርኢ እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነታ ስእሊ ተዓዚቡ ነቲ ዝተበሃለ ሓበሬታ ከምዘይተረጋግፅ ፈሊጡ እዩ።

እታ ስእሊ ናይ ቀደምን ብ21 ሚያዝያ 2022 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ፌስቡክ ዝተሓተመትን እያ። ምስ እዛ ስእሊ ተተሓሒዛ ዘላ እታ ናይ በሓቂ ጽሕፍቲ ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ ካብ ሑመራ ንብረት ተዘሚቱ ናብ ጎንደር ይውሰድ ኣሎ እትብል እያ።

በዚ ምኽንያት እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ናይ ትዊተር ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ንደመቀ መኮነን ተኪኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኮይኑ ኣይተመረፀን።

ብ11 ጥሪ 2023 ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ተሸይሙ ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ሕታም ኣብ ፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ።

እታ ጥቃዕ እቲ ሓዱሽ ሚኒስተር ነቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዝነበረ ኣይተ ደመቀ መኮነን ተኪእዎ ዝብል ተወሳኺ ጽሑፍ እዉን ኣለዋ።

እታ ናይ ፌስቡክ ገጽ ልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ሽሕ ሰዓብቲ ስለዘለዋ ናብ ብዙሕ ተጠቃማይ ክትበጽሕ ልዑል ተኽእሎ እዩ ዘለዋ።

ይኹን እምበር፡ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ከምዘይተመረጸ ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ  ነዚ ቅድም ኢሉ ኣምባሳደር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሰብ ሕጂ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚኒስተር ዲኤታ ገይሩ እዩ ሸይምዎ።

ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ምቅይያር ሚኒስተራት ዳርጋ ኩሉ ግዜ ዝረአ እዩ።

ብ2018 ኣቢይ ምስ መጸ እዚ ሕጂ ዋና ጸሓፊ ናይ ኢጋድ ኮይኑ ዘሎ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሹዑ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ብ2019 ቅድም ኢሉ ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ንወርቅነህ ገበየሁ ተኪኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ።

ልክዕ እታ ኲናት ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ብሕዳር 2020 ምስ ተጀመረ ከኣ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣቶ ደመቀ መኮነን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገይሩ እዩ ሸይምዎ። ካብ ሹዑ ጀሚሩ ደመቀ ምክትል ቐዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። 

ብ11 ጥሪ 2023 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣቶ ምስጋኑ ኣረጋ ሚኒስተር ዴኤታ ጉዳያት ወጻኢ ገይሩ ከም ዝሸሞ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ሓጻር ዜና ሓቲሙ ነይሩ።

ነዚኣ ሲዒባ ብቐጥታ ኣብ ፌስቡክ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣቶ ደመቀ መኮነን ተኪኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን ንኣቶ ምስጋኑ ኣረጋ መዚዝዎ እትብል ሓንቲ ሕታም እያ ተጠቂዓ።

ጽንሕ ኢላ ኸኣ እታ ጥቃዕ ተመሓይሻ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ንኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገይሩ መሪጽዎ ክትብል እያ ተመሓይሻ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነቲ ሓበሬታ መርሚሩ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ሓዱሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ከምዘይተመረጸ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ብተወሳኺ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ እዉን ኣይተሰመየን።

ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ መግለጺ ከምዘረጋግጾ ቕድም ኢሉ ዋና ስራሕ መካየዲ ናይ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ግሩፕ፣ ቐጺሉ ከኣ ኣምባሳደር ኣብ ቀጠርን ሕቡራት ዓረብ ኢማሬትን ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣይተ ምስጋኑ ኣረጋ ሕዚ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚኒስተር ዲኤታ ኮይኑ ከምዝተሸመ እዩ ዝሕብር።
በዚ ምኽንያት እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ። 

Exit mobile version