ዝተፃረዩ ሓበሬታታት

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ሓይልታት ጸጥታ ኦሮምያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (ሰሓኦ) ኣብ ቤንሻንጉል ናይ ኣምሓሩ ኣባይቲ እናቃጸሉ ኣይተርእን።

ብ10 ታሕሳስ 2022 ሓደ ልዕሊ ዒስራ ሺሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ዞባ ከማሺ ዝነብሩ ኣምሓሩ ብናይ ኦሮሚያ ፍሉይ ፖሊስ ሓይልን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ገዛውቶም ተቓጺሉን ተዘሪፉን ብምባል ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ሓቲሙ ነይሩ። 

እታ ፖስት ኣብ ፌስቡክ ኣዝያ እያ ተላቢዓ፤ ኣስታት ኣርባዓ ግዜ ከኣ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እታ ስእሊ ነቲ ዝተበሃለ ሓበሬታ ከምዘይተርኢ ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይከኣ በቲ መንግስቲ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝጽዋዕ ወታደራዊ ውድብ ኣብ ዉግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። 

ብሰንኪ እዞም ክልተ ኣብ ዉግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባን ከባቢኡን መጠነ ሰፊሕ ዘይምርግጋእ ኣሎ።

እቲ ቀጻሊ ብረታዊ ግጥም ሂወት ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት በሊዑ እዩ። ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወለጋ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን እዮም። 

እቲ መንግስቲ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ሽኔ ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ፣ ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝተፈጸመ ብመንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ። ክልቲኦም ሓይልታት ነኒባዕሎም እዮም ዝካሰሱ ዘለዉ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ዞባ ካማሺ ተደጋጋሚ ጎንጽታትን ነይሮም፤ ከሙኡ ዉን ሓያሎ ግዳያት እዉን ነይሮም። እዛ ዞባ እዚኣ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ፡ ዞባታት ወለጋ ትዋሰን እያ።

ሎምቅነ ኣብ ወለጋ ጎንጺ ከምዝነበረ ከሙኡ እውን ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተቐትሉ ኣብ ቀረባ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ኣብ መንጎ እዚ ኣብ ወለጋ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ሰባት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። 

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ እምበኣር ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ዞባ ካማሺ ናይ ዝነብሩ ኣምሓሩ ኣባይቲ ብሓዊ የንድዱን ይዘምቱን ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ዝተቓለሐ።

ይኹን እምበር እታ ስእሊ ኣብ ቀረባ ግዜ ብዕጡቓት ሓይልታት ኦሮሚያ ዝነደዱን ዝተዘምቱን ናይ ኣምሓሩ ኣባይቲ ኣይተርእይን።

እታ ስእሊ ካብ ናይ ቀደም ሕታም፡ ማለት’ውን ናይ 23 ታሕሳስ 2020 ዝተወሰደት ምዃና ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ምስታ ፈላመይቲ ስእሊ ተተሓሒዙ ዝነበረ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ፎቶ ኣብ መተከል፡ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ብሓዊ ዝነደዱ ኣባይቲ እዮም።

በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ኣብ ቀረባ ኣብ ኦሮምያ ዝተቐትሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣይተርእይን እያ።

ብ5 ታሕሳስ 2022 ሸውዓተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቐቲሎም ዝብል መልእኽቲ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ሓቲሙ ነይሩ። 

እታ ስእሊ ‘ዘርኢ ምጽናት ኣምሓራ ኣብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢትዮጵያ’ ዝብል ናይ ኢንግሊሽ ጽሑፍ ዘለዋ እያ።

እታ ናይ ፌስቡክ ሕታም ልዕሊ 39 ግዜ ተወዓዊዓ ነይራ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነታ ስእሊ መርሚሩ ነቲ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ከምዘይተርኢ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት እዩ።

ተደጋጋሚ ጎንጽን ዓመጽን ኣብ ኦሮሚያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ነይሩ። እቲ ዕጥቃዊ ጎንጺ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን(ሰሓኦ) ወይ ከኣ ብመንግስቲ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝፍለጥ ዛይዱኣሎ።

ኣብ መንጎ እቲ ጎንጺ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝርከብዎም ተቐቲሎም  እዮም። ካብቲ ጎንጺ ዝነበረሉ ቦታታት ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝተመዛበሉን ብኣልማማ ከምዝተቐትሉን ጸብጸባት ይሕብሩ

መንግስቲን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ነቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ነንባዕሎም እዮም ዝካሰሱ ዘለዉ።

ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብ መንጎ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብ ዝርከብ ቦታ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ዝተገብረ ጎንጺ ብብዝሒ መቕተልትን ዓመጽን ከምዝነበረ ኣብ ቀረባ ተጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብ እዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ሓንቲ ብስእሊ ተደጊፋ ንጹሃት ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ቀረባ ተቐቲሎም እትብል ጽሕፍቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተቐልቀለት።

ሓቂቸክ ነታ ስእሊ መርሚሩ ብነሓሰ 2020 ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ተሓቲማ ከም ዝነበረት ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እታ ስእሊ መጀመርታ ብናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ዝተሓተመት ኮይና፤ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያ ባይደዋ ኣብ እትበሃል ከተማ ክልተ ወተሃደራት ሶማልያ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቆልዓ ዓሚጾም ተባሂሎም ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ክርሸኑ እንከለዉ እተርኢ እያ።

እዞም ወተሃደራት እዚኦም ቅድሚ ብናይ ሶማልያ ሓይልታት ምክልኻል፡ ክፍለ ሰራዊት ሱሳ ምቕታሎም፣ ኣብ ወሰናወሰን እታ ኸተማ ተዓጂቦም ምርኢት ከምዝተገብረሎም እቲ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ይገልፅ። ስለዚ ብስንኪ ዘይልክዕ ስእሊ ምጥቃም ሓቂቸክ ነቲ ጥቓዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ። 

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ተወለቲ ኣምሓራ ኣብ ወለጋ ብሓይልታት ፀጥታ ኦሮምያ እንትእሰሩ ኣይተርእይን

ብ10 ታሕሳስ 2022 ሱሳን ኣርባዕተን ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ሓይልታት ፀጥታ ኦሮምያ ኣብ ወለጋ ተወለድቲ ኣምሓራ ይኣስር ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ስእሊ ጠቂዑ ነይሩ። ብተወሳኺ እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ብምኽንያት ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይ ከኣ ብመንግስቲ ሸኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ስለዝገጠሙ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣለዋ።

እዛ ጥቃዕ ኣብ ፌስቡክ ኣዝያ ተላቢዓ ዝነበረትን ልዕሊ ሰላሳ ግዜ ከኣ ተወዓዊዓ ዝነበረት እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ኣብ ወለጋ ኣብ ቀረባ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ተወልድቲ ኣምሓራ ከምዝኣሰሩ ከምዘይትሕብር ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይከኣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ዉግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ዉግእ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣዝዩ ተበኣኢሱ ኣሎ።

ንጹሃት ዜጋታት ግዳይ ይኾኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወለጋ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቖሲሎምን እዮም።

እቲ መንግስቲ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ሽኔ ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ፣ ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝተፈጸመ ብመንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተበሃለ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያ ከምዝሕብሮ ግን ብ25ን ብ29ን ሕዳር ኪረሙ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ኣብ ኣውራጃ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ቦታ ዕጡቓት ምልሻ ኣምሓራ ኣትዮም መዓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝቐተሉ ሓቢሩ ነይሩ። እዚ ሓበሬታ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝረኸቦ እዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝገልጽ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ኣብ ቐረባ ኣብ ወለጋ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ሰባት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝርከብዎም ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም እዮም። 

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ኣብ ወለጋ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ንጹሃት ዜጋታት ተወለድቲ ኣምሓራ ኣሲሮም ክትብል ሓንቲ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ዝመጸት

ይኹን እምበር ሓቂቸክ እዛ ስእሊ ኣብ ወለጋ ተወልድቲ ኣምሓራ ብክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተኣስሩ ከምዘይተርኢ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እዛ ስእሊ ፈለማ ብ24 ሚያዝያ 2020 ብቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ዝተሓትመት ኮይና፣ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ፡ ዞባ ጂማ ኣብዶ ኣባ ጀቢር ዝተበሃለ መምህር ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያ እንትሕየር እተርኢ እያ። በዚ ምኽንያት እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ናይ ኦዳ ባስ መኪና ተዋጋእቲ ፋኖ እናጎዓዓዘት እንተላ እተርኢ ኣይኮነትን።

ብ21 ታሕሳስ 2022 ሽዱሽተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ናይ ኦዳ ባስ መኪና ኣብ ኦሮሚያ ናብ ዝርከቡ ዓውደ ዉግኣት  ተዋጋእቲ ፋኖ ኣመላሊሳ እትብል ጽሕፍቲ ዘላታ ሓንቲ ስእሊ ዘርጊሑ ኣዋዓዊዑ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ዘላ ስእሊ ዝተቓጸለት መኪና እተርኢ ኮይና፣ እቲ ትካል ኦዳ ባስ ሚሊሻ ፋኖ ከምዘመላለሰ ኣሚኑ ንህዝቢ ኦሮሞ ከኣ ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ እያ እትብል። 

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ መርሚሩ፣ እታ ስእሊ ናይ ኦዳ ባስ መኪና ተዋጋእቲ ፋኖ እናጓዓዓዘት እንተላ ከምዘይተርኢ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይከኣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ዉግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ዉግእ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣዝዩ ተበኣኢሱ ኣሎ።

ንጹሃት ዜጋታት ግዳይ ይኾኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወለጋ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቖሲሎምን እዮም።

እቲ መንግስቲ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ሽኔ ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ፣ ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝተፈጸመ ብመንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተበሃለ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያ ከምዝሕብሮ ግን ብ25ን ብ29ን ሕዳር ኪረሙ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ኣብ ኣውራጃ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ቦታ ዕጡቓት ምልሻ ኣምሓራ ኣትዮም መዓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝቐተሉ ሓቢሩ ነይሩ። እዚ ሓበሬታ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝረኸቦ እዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝገልጽ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ኣብ ቐረባ ኣብ ወለጋ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ሰባት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝርከብዎም ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም እዮም። 

እዚ እናተበሃለ እንከሎ እዩ፣ መካይን ኦዳ ባስ ንተዋጋእቲ ፋኖ ኣጎዓዒዘን ክትብል ሓንቲ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ዝተቐልቀለት። ብኻሊእ ኣበሃህላ እታ ጥቃዕ ‘እዛ እናተቓጸለት እትሪእዋ ዘለኹም ናይ ኦዳ ባስ መኪና ሚሊሻ ፋና ክተመላልስ እንከላ ኣብ ኦሮሚያ ዝተቓጸለት እያ’ ዝብል ዘይቀጥታዊ መልእኽቲ ዘለዋ እያ።

ኦዳ ባስ ናይ መጓዓዝያ ኩባንያ ኮይኑ፣ ዋንነቱ ከኣ ብቡዙሓት ሰብ-ብርኪ ዝውነን ናይ ሓፋሽ ትካል እዩ። እዚ ኩባንያ እዚ ከኣ ብቐንዱ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ እዩ ዝሰርሕ።

ሓቂቸክ እታ ስእሊ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ተረጋግጽ ምዃናን ዘይምዃናን መርሚሩዋ ነይሩ። ይኹን እምበር እታ ስእሊ መካይን ኦዳ ባስ ተዋጋእቲ ፋኖ ናብ ክልል ኦሮሚያ ከምዘጎዓዓዛ ኣይተረጋግፅን።

ነቲ ጥቃዕ ዓጂባ ዝመጸት ስእሊ ካብ ናይ ቀደም ሕታም ዝተወስደት እያ። እታ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ18 ለካቲት 2022 እያ ተጠቂዓ። 

እታ ናይ ብሓቂ ስእሊ ሓንቲ መኪና ካብ ኣዲስ ኣባባ ናብ ደሴ እናኸደት እናሃለወት ብሰንኪ ናይ ሞተር ምብልሻው ከምዝተቓጸለት እትሕብር ጽሑፍ ዘለዋ እያ። እቲ ክስተት ዘጋጠመ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ፡ ጥሙጋ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ እዩ።

ስለዚ ብምኽንያት ናይ ሓሶት ስእሊ ምጥቃሙ ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ፖላዊስ ኣዲስ ኣበባ ተምሃሮ እንትሃርሙ ኣይተርእን።

ብ14 ታሕሳስ 2022 ዲቢዛ ዝተኸድኑ ናይ ጸጥታ ኣካላት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ተምሃሮ እንትሃርሙ እተርኢ ስእሊ እያ ምስዝብል ሓበሬታ ሓንቲ ፎቶ ኣብ ፌስቡክ ተጠቂዓ ተሓቲማ ነይራ።

እታ ሕታም ኣዝያ ተላቢዓ ዝነበረትን ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ  ሽሕ ግዜ ተወዓዊዓ ዝነበረትን እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ናይ ቀረባ ተምሃሮ ኣዲስ ኣባባ ብፖሊስ እናተሃርሙ እንተለዉ እተርኢ ከምዘይኮነት ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ። 

ምስ እዚ ምዝማር ናይ ኦሮሚያ መዝሙርን ምውልብላብ ናይ ኦሮምያ ባንዴራን ተተሓሒዙ ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ኣዲስ ኣባባን ፖሊስን ጎንጺ ነይሩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ወጺኦም ነይሮም።

ከንቲባ ኣዲስ ኣባባ ኣዳነች ኣቤቤ ሰባት ምስ ባንዴራ ኣተሓሒዞም ጎንጺ ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክትብል ከምዝገለፀት ተሓቢሩሓቢሩ ነይሩ።

ብ8 ታሕሳስ 2022 ፖሊስ ቴስዓን ሸውዓተን ዕግርግር ኣልዒሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ፖሊስ ከምዝገለጾ እዞም ተታሒዞም ዘለዉ ተምሃሮ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኦሮሚያን ባንዴራ ብምውራድ ኮነ ኢሎም ዕግርግር ንምልዓል ዝፈተኑ ከምዝኾኑ መብራህርሂ ሂቡ ነይሩ።

ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ኣዲስ ኣባባ ሊድያ ግርማ ብ12 ታሕሳስ 2022 ከምዝሓበረቶ፣ ኣስታት ሰብዓን ክልተን ዝኾኑ ኣብ ቤት-ትምህርትታት ናዕቢ ንምብግጋስ ፈቲኖም ዝተባህሉ ሰባት ብናይ ጸጥታ ኣካላት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ገሊጻ ነይራ።

ኢሉ እዉን ብ12 ታሕሳስ 2022 ፖላዊስ ተምሃሮ ኣብ ሽሮሜዳ ከም ሕሱም እናገረፍዎም እተርኢ እያ ዝተብሃለት ቁራጽ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክ ተሓቲማ ሓቂቸክ ረኺቡ ነይሩ።

ኣብዚ ሰሙን ዝወፁ ዜናታት ከምዝሕብርዎ ፌደራላዊ መንግስቲ ተምሃሮ ብግዲ መዝሙር ናይ ክልል ኦሮሚያ ንኸይዝምሩን ባንዴራ ናይ ኦሮሚያ ንኸይሰቕሉን ነተን ናይታ ከተማ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዚዙ ነይሩ።

እዛ ኣብ ቀረባ ፖሊስ ተምሃሮ ኣዲስ ኣባባ በዲሉ ክትብል ወፅያ ዝነበረት ስእሊ እዉን እዚ ህሞት እዚ መሰረት ገይራ እያ።

ነቲ ሓበሬታ ንምጽራይ ኣብ ዝተገበረ ጻዕሪ፣ እዛ ስእሊ ብ2016 ኣቆጻጽራ ጎርጎሮሳውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታት እንኮላይ ሂዩማን ራይትስ ዎች ብዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ተጠቂዓ ዝነበረት ኮይና ኣብ 2016 ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕብታት ንምጭፍላቕ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ተምሃሮ እንትሃርሙን እንተንከላብቱን እተርኢ እያ።

ሊንክ
ስለዚ’ውን እዛ ስእሊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ፖሊስ ተምሃሮ እንትሃርሙ ኣይተርእን። በዚ ምኽንያት እምበኣር እታ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂላ ኣላ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንጺ ሰብ ብሓዊ ክነድድ እንከሎ እተርኢ ኣይኮነትን።

ብ5 ታሕሳስ 2022 ሓንቲ ስእሊ ‘እዚ ፊልሚ ኣይኮነን እዚ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝኾነ እዩ’ ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ጽሑፍ ዘለዋ፣ ብኻሊእ ኣበሃህላ ኣብዚ ዝነበረ ጎንጺ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ከምዝተቓጸለ ብግልጺ እተተንብህ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተጠቂዓ ነይራ።

እዛ ጥቓዕ ብዙሕ ግብረመልሲ ዝረኸበትን ኣስታት ስሳ ግዜ ከኣ ዝተወዓወዐትን እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝከይድ ዘሎ ጎንጺ ሰብ እናተቓጸሎ እንኮሎ ከምዘይተርእይን ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዛ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ብ6 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ትዊተር እያ ተሓቲማ።

ካብዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይምርግጋእን ዉሽጣዊ ጎንጺን እያ ትርከብ። ናይ ዶብን መሬትን ባእሲ፣ ጎንጺ ኣብ መንጎ ብሄራትን ቀቢላታትን፣ ምምዝባልን ጅምላዊ ጨፍጫፍን ቀፂሎም እዮም።

ልዕሊ ኹሉ ከኣ ንክልተ ዓመታት ኲናት ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ክካየድ ፀኒሑ።

ኣብ ቀረባ ጎንጺ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ኣብ ወለጋ ተወሊዑ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ቀረባ ኣብ ወለጋ ዝነበረ ጎንጺ ዓመጽን ጅምላዊ ጨፍጫፍን ከምዝተፈጸሙ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።

ብ3 ታሕሳስ 2022 ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያታት ኪረሙ ኣብ እትበሃል ኣብ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ቦታ ብ25 ን 29ን ሕዳር 2022 ናይ ኣምሓራ ዕጡቓት ሓይልታት ኣትዮም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ጸብጺበን ነይረን።

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ኣብቲ ዝቕፅል ዝነበረ ጎንፂ ሰብ ብሓዊ ነዲዱ ዝብል ሓበሬታ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ገጽ ዝተጠቀዐት።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ እዛ ስእሊ ኣብዚ ናይ ቀረባ ናይ ኢትዮጵያ ጎንጺ ሰብ እናተቓጸለ እንከሎ ኣይተርእን።

እዛ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ6 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ትዊተር እያ ምስ ‘ናይ ዕስለ ፍትሒ ጽቡቕ ኣይኮነን፣ ግዝኣት ሕጊ ደኣ ኣበይ ኣሎ’ ዝብል ጽሑፍ ተሓቲማ ነይራ። እዛ ኣብ ትዊተር ንመጀመርታ ግዜ ዝተጠቀዐት ስእሊ ኣብ ማላዊ ዝተገብረ ፍጻመ እትርኢ ኮይና ብኣስታት ሰላሳ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ተጠቃሚ ትዊተር ዝተጠቀዐት እያ።

ስለዚ ብምኽንያት ጉጉይ ስእሊ ምጥቃሙ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ቪድዮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወለጋ ዝተቐትሉ ተወልድቲ ብሄረ ኣምሓራ ምዃኖም ኣይተርእን።

ብ4 ታሕሳስ 2022 ሓደ ዓሰርተ ሓደ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ሓንቲ ‘ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኣብ ኦሮሚያ ወለጋ ተቐቲሎም’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ቪድዮ ኣቃሊሑ ነይሩ። እታ ዝተጠቀዐት ቪድዮ ሰባት ዝሞተ ሰብ እናጓዓዓዙ እተርኢ እያ።

እዛ ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብ ፌስቡክ ኣዝያ ተላቢዓ ዝነበረትን ብኣስታት ሰላሳን ትሽዓተን ሽሕ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዝተረኣየትን እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ እዛ ቪድዮ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታ ከምዘይተርኢን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ዕጥቃዊ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኔ እናተበሃለ ዝጽዋዕ) ሎምቕነ ተበኣኢሱ ቀጺሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ እዉን ዓመጻትን ምቅትታልን እዉን ነይሩ እዩ። ተወልደቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ብመንግስትን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ወጽዮም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ክልል ኦሮምያ ቶሌ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ብብዝሒ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ንጹሃት ዜጋታት ተቐቲሎም ነይሮም እዮም። ዋላኳ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እንተኸሓደ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ተግባር ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ እዩ ሓቢሩ።

ሎምቕነ ጎንጺ ኣብ ኦሮሚያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሞንጎ ዶባት ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ተወሊዑ ቀንዩ።

ካብ 25-29 ሕዳር 2022 ዕጡቓት ኣምሓራ (ፋኖ) ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኪረሙ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያታት ጸብጺበን ነይረን።

ካሊእ ናይ ዜና ገጽ ከኣ ኣብቲ ቦታ ንሱ ኣንጻር ኣምሓራ ኣብ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ 50 ንጹሃት ዜጋታት ከምዝሞቱ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኣብ ወለጋ ኦሮሚያ ተቐቲሎም ክትብል ሓንቲ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክ ዝወጸአት።

ይኹን’ምበር እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ ሕሉፍ እዋን 5 መጋቢት 2021 ኣብ ናይ ኣምሓራ ፓርቲ ብልጽግና ናይ ፌስቡክ ገጽ ተሓቲማ ሓቂቸክ ረኺብዋ ኣሎ። እታ ቪድዮ ንጹሃት ተወለድቲ ኣምሓራ ብህወሓት ኣብ ማይካድራ ተቐቲሎም ምስ እትብል ጽሕፍቲ እያ ተቓሊሓ ነይራ።

ሊንክ

ዋላኳ ተወለድቲ ኣምሓራ ነበርቲ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ጎንጺ ይቕተሉ ኣለዉ ዝብሉ ሓበሬታታት እንተሃለዉ፣ እዛ ተቖሪጻ ተጠቂዓ ዘላ ቪድዮ ግን ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ከምዝተቐተሉ ኣይትሕብርን እያ።

እታ ቪድዮ ነቲ እማመ ኣይተመላኽትን እያ። ስልዚ ብሰንኪ ምጥቃም ናይ ቀደምን ዝተሰሓሓተን ቪድዮ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ብ4 ታሕሳስ 2022 ሓደ ዓሰርተ ሓደ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ሓንቲ ‘ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኣብ ኦሮሚያ ወለጋ ተቐቲሎም’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ቪድዮ ኣቃሊሑ ነይሩ። እታ ዝተጠቀዐት ቪድዮ ሰባት ዝሞተ ሰብ እናጓዓዓዙ እተርኢ እያ።

እዛ ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብ ፌስቡክ ኣዝያ ተላቢዓ ዝነበረትን ብኣስታት ሰላሳን ትሽዓተን ሽሕ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዝተረኣየትን እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ እዛ ቪድዮ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታ ከምዘይተርኢን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ዕጥቃዊ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኔ እናተበሃለ ዝጽዋዕ) ሎምቕነ ተበኣኢሱ ቀጺሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ እዉን ዓመጻትን ምቅትታልን እዉን ነይሩ እዩ። ተወልደቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ብመንግስትን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ወጽዮም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ክልል ኦሮምያ ቶሌ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ብብዝሒ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ንጹሃት ዜጋታት ተቐቲሎም ነይሮም እዮም። ዋላኳ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እንተኸሓደ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ተግባር ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ እዩ ሓቢሩ።

ሎምቕነ ጎንጺ ኣብ ኦሮሚያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሞንጎ ዶባት ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ተወሊዑ ቀንዩ።

ካብ 25-29 ሕዳር 2022 ዕጡቓት ኣምሓራ (ፋኖ) ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኪረሙ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያታት ጸብጺበን ነይረን።

ካሊእ ናይ ዜና ገጽ ከኣ ኣብቲ ቦታ ንሱ ኣንጻር ኣምሓራ ኣብ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ 50 ንጹሃት ዜጋታት ከምዝሞቱ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኣብ ወለጋ ኦሮሚያ ተቐቲሎም ክትብል ሓንቲ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክ ዝወጸአት።

ይኹን’ምበር እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ ሕሉፍ እዋን 5 መጋቢት 2021 ኣብ ናይ ኣምሓራ ፓርቲ ብልጽግና ናይ ፌስቡክ ገጽ ተሓቲማ ሓቂቸክ ረኺብዋ ኣሎ። እታ ቪድዮ ንጹሃት ተወለድቲ ኣምሓራ ብህወሓት ኣብ ማይካድራ ተቐቲሎም ምስ እትብል ጽሕፍቲ እያ ተቓሊሓ ነይራ።

ሊንክ

ዋላኳ ተወለድቲ ኣምሓራ ነበርቲ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ጎንጺ ይቕተሉ ኣለዉ ዝብሉ ሓበሬታታት እንተሃለዉ፣ እዛ ተቖሪጻ ተጠቂዓ ዘላ ቪድዮ ግን ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ከምዝተቐተሉ ኣይትሕብርን እያ።

እታ ቪድዮ ነቲ እማመ ኣይተመላኽትን እያ። ስልዚ ብሰንኪ ምጥቃም ናይ ቀደምን ዝተሰሓሓተን ቪድዮ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ስእሊ ተወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝሃብዎ ህያብ ኣይተርእን።

ብ30 ሕዳር 2022 ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ ፕረዚደንት ኤርትራ ካብ ተወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ህያብ እናተቐበለ እተርኢ ስእሊ ምዃን ብምሕባር ጠቂዑ ነይሩ። እታ ህያብ ናይ ሃፀይ ሃይለስላሴ ስእሊ እተርኢ ኮይና ‘በሉ ረኣዩ እቲ ፕረዚደንት ምስ ታሪኻውያን ፀላእትና ይሰርሕ ኣሎ’ ዝብል ዘይቀጥታዊ ትርጉም ምስዘለዎ “ነዚ [ስርዓት] ኢኹም ትድግፉ [ዘለኹም]” ዝብል ፅሑፍ ብምስናይ ነቶም ደገፍቲ ናይቲ ገዛኢ ዉድብ ዝነቅፍ ጥቃዕ እዩ።

እዛ ጥቃዕ ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ግብረመልሲ ዝረኸበት ኮይና፤ ብዙሕ ግዜ ኸኣ ተወዓዊዓ እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ተወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ዝሃብዎ ህያብ ከምዘይተርኢ ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እታ ኣብዛ ጥቃዕ ዘላ ስእሊ ዝተቐናበረት እያ።

ጥልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሓይልታት ኪዳን ምስ ተሰዓረት፣ ወታደራዊ ምምሕዳር ኢንግሊዝ እዩ ነታ ቅድም ግዝኣት ጥልያን ዝነበረት ኤርትራ ከመሓድራ ጀሚሩ። ብ1952 ከኣ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ብፌደሬሽን ኣብ ትሕቲ እትዮጵያ ክትመሓደር ወሲኑ ኔሩ።

ይኹን እምበር እቲ ናይ መወዳእታ ሃፀይ ናይ እምብራጦርያ ኢትዮጵያ ንጉስ ሃይለስላሴ ነቲ ፌደሬሽን ኣፍሪሱ ንኤርትራ ብዘይዝኾነ መሰል ርእሰ-ዉሳነ ከም ሓንቲ ግዝኣት እታ ሃገር ኮይና ክትመሓደር ናብ ኢትዮጵያ ቖሪንዋ።

እቲ ንጉስ ጌና ብመንግስቲ ደርጊ ቅድሚ ምዕላዉ እዩ ዕጥቃዊ ተቛዉሞ ኣብ ኤርትራ ገጢምዎ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ባዕሉ እዉን ኣብዚ መራሒ ናይቲ ኣንጻር እቲ ሃፀያዊ መንግስቲን ንናፅነት ኤርትራ ዝቃለስ ዝነበረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) እዩ ነይሩ።

ድሕር’ቲ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝገበረ ሃዋህው ኣይሰላም ኣይኲናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ተገይሩ ነይሩ። መራሕቲ ናይዘን ክልተ ሃገራት ብ2018 ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም ነይሮም።

ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጣዕሚ እዩ ተመሓይሹ። እቲ ዉዕሊ ሰላም ስዒቡ ኸኣ ብዙሕ ዑደት ናይ መንግስቲ ሰበስልጣን፣ ካብን ናብን ጉዕዞታት እዩ ነይሩ።

ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኮይኑ ብዙሓት ቦታታት ናይ ኢትዮጵያ ከምኒ በዓል ኣዲስ ኣባባ፣ ጎንደር፣ ሃዋሳ፣ ኣርባምንጭ ዝበላ ቦታታት ምብፃሕ ገይሩ ነይሩ።

ብመስከረም 2018 ብኣፈጉባኤ ኽልላዊ ባይቶ ኣምሓራ ወርቅሰሙ ማሞ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ   ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝቐነየ ናብ ኤርትራ ምብፃሕ ገይሮም ነይሮም። እቶም ልኡኻት ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ህያብ ሂቦምዎ ነይሮም።

እቲ ነቲ ፕረዚደንት ተዋሂቡ ዝነበረ ህያብ ፊደላት ግእዝ፣ ሓወልቲ ኣክሱምን ናይ ላሊበላ ኣብያተ ክርስትያን ዘርኢ ፖስተር እዩ።

ብጥቅምቲ 2020 ኲናት ኣብ መንጎ ህወሓትን (ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ) ፌደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ምስ ተወለዐ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓጊዛ ዕጡቓት ሓይልታት ህወሓት ንኽሰዓሩ ገይራ እያ።

ብመሰረት እዚ እያ ከኣ ብ30 ሕዳር 2022 ‘ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ሃፀይ ሃይለስላሴ ምስሊ ዘለዎ ናይ ስእሊ ህያብ እናተቐበለ እተርኢ እያ’ ዝተብሃለት ሓንቲ ፎቶ ኣብ ፌስቡክ ተሓቲማ ኔራ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ከምዘይተረጋግፅ ሓቂቸክ ፈሊጡ እዩ። እታ ነቲ ሓበሬታ ንምድጋፍ ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትመት ስእሊ ዝተቐየረት እያ።

እታ ናይ ብሓቂ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ካብ ልኡኻት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝተውሃበት ናይ ስእሊ ህያብ ፊደላት ግእዝ፣ ሓወልቲ ኣኽሱምን ቤተ ክርስትያን ላሊበላን ዘለዋ ኮይና ብ14 መስከረም 2018 ኣብ ፌስቡክ ተሓቲማ ዝነበረት እያ።

ስለዚ’ውን ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ሎምቅነ ‘ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ኣቢይ ኣሕመድን እቲ ውዕሊ ሰላምን ሪኢቶ ሂቡ’ ብዝብል ዝተወዓወዐት ቪድዮ ናይ ቀደም እያ።

ሓንቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትዊተርን ፌስቡክን ተሓቲማን ኣዝያ ተወዓዊዓን ነይራ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ‘ኣቦ ወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ እዚ ሎምቅነ ዝተገብረ እማመ ሰላምን ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሪኢቱኡ ሂቡ’ ምስ ዝብል ፅሑፍ እያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቂዓ ነይራ።

እዛ ቪድዮ ብዙሕ ግዜ ተወዓዊዓን ብኣስታት ኣርባዓን ሓደን ሽሕ ተጠቀምቲ ትዊተር ከኣ ተራእያን ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እዛ ቪድዮ እዚኣ ቀደም ብ2018 ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣድሂቡ ካብ ዝተገብረት ቃለ-መሕትት ተቖሪፃ ዝተወስደት ከምዝኾነት ሓቂቼክ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እታ ናይ ፈለማ ቪድዮ ብ15 ሓምለ፡ 2018 እያ ኣብ ዩቱብ ተሓቲማ ነይራ።

ካብ ዕለት 3 ሕዳር፡ 2020 ጀሚሩ ንክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኲናት ክካየድ ፀኒሑ።

ዋላ’ኳ ብመጋቢት 2022 ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተዋጋእቲ ሓይልታት ተገይሩ እንተነበረ ግናኸ ብነሓሰ ሓዱሽ ዉግእ ተወሊዑ።

እቲ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘይስሩዓት ዘተታት ይግበሩ ከምዝነበሩ ገለ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብ2 ሕዳር 2022 እቶም ተዋጋእቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ‘ንዘላቒ ሰላም ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ተፃብኦ ብቐዋሚነት ደው ናይ ምባል ስምምዕ’ ዝበሃል እማመ ሰላም ተፈራሪሞም እዮም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ህወሓት ዕጥቃ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክተረክብ፤ ብድሕሪኡ ኸኣ ክሳዕ ክልላዊ መረፃ ዝግበር ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ክምስረት እዩ።

ድሕሪ እዚ ስምምዕ ሰላም እቶም ተዋጋእቲ ነቲ ኣንፃር ሕድሕዶም ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣሰይጣኒ ፕሮፖጋንዳ ኣቋሪፆም እዮም።

ኣብዚ ህሞት እዚ እያ እምበኣር ሓንቲ ቪድዮ ‘ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ እቲ ዝተገብረ እማመ ሰላምን ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፅቡቕ ሪኢቶ ሂቡ’ ክትብል ኣብ ትዊተርፌስቡክን ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ መሳለጥያታት ዝተጠቀዐትን ኣዝያ ዝተወዓወዐትን።

ግናኸ እዛ ቪድዮ እዚኣ ቀደም ብ2018 ዓ.ም ኣቦ-ወምበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ኣድሂቡ ካብ ዝተገበራ ቃለ-መሕትት ተቖሪፃ ዝተወስደት እያ። እዛ ኣብ ቀረባ ተጠቂዓ ዘላ ቪድዮ ናይ ሕጂ ቃለ-መሕትት ንምምሳል ከኣ ቁሩብ ምምሕያሽ ተገይሩላ እዩ።

እታ ናይ ብሓቂ ቪድዮ ብ15 ሓምለ 2028 እያ ኣብ ዩቲብ ተሓቲማ።

ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ነቲ ናይ ፌስቡክን ትዊተርን ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዛ ምስሊ ዕጡቓት ህወሓት ዘረከብዎም ኣጽዋራት ኣይተርእን እያ

ኣስታት 200 ሰዓብቲ ዘለዉዎ ሓደ ትዊተር ገፅ ‘ኣብ ከተማ ማይጸብሪ ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቆም ከምዘረከቡን ናብ ግዝያዊ መዓስከር ከምዝኣተዉን’ እትገልጽ ሓንቲ ጥቃዕ ሓቲሙ ነይሩ። እዛ ፅሕፍቲ ብኣርባዕተ ኣሳእል ዝተደገፈት እያ።

ኣብቲ ግዜ ኣስታት ክልተ ሽሕ ግብረመልስን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ግዘ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል መርሚሩ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእዩ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ስልዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፌዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዉዕሊ ሰላም ተፈሪሙ ኣሎ።

ህወሓት ዕጥቃ ክተረክብን፣ ሰራዊታ ከኣ ክትብትንን እቲ ብመስከረም 2020 ብዘይፍቓድ ፌዴራላዊ መንግስቲ ዝገበረቶ መረፃ ከኣ ክትስርዞን ተሰማሚዓ ኣላ።

ብ12 ሕዳር 2022 ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ናይ ህወሓትን ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ሰራዊት ምብታንን ሓቢርካ ምስራሕን መዳይ ናይ ሓባር ኮሚቴ ክምስርቱን ተዛትዮምን ተሰማሚዖምን ነይሮም።

ኣብቲ ስምምዕ ምፍታሕ ከቢድ ብረት ዝግበር ናይ ደገ ሓይልታትን ካብ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ካብ ትግራይ ምስ ወፁ እዩ ይብል።

ድሕሪ ዕጥቂ ምፍታሕን እቲ ዝነበረ ናይ ህወሓት ሰራዊት ምብታንን እቶም ናይ ህወሓት ዕጡቓት ናብ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ክፅምበሩ እዩ ዝብል እቲ ስምምዕነት።

እዚ እናተባህለ እንተሎ እዩ እምበኣር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር፡ ተዋጋእቲ ህወሓት ኣብ ማይፀብሪ ዕጥቆም ከምዘረከቡን ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ከምዘፅለሉን ዝሕብራ ኣርባዕተ ኣሳእል ተጠቂዐን ነይረን።

ነዚ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተገብረ ፃዕሪ፡ እዘን ኣሳእል ኣብ ናይ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ናይ ፌስቡክን ናይ ዩቲብን ማሕበራዊ ገፅ ቅድም ኢለን ተጠቂዐን ከምዝነበራ ሓቂቸክ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ሓበሬታ እዘን ኣሳእል ኣብ መቐለ ብዝተገበረ ተፍትሽ ዝተረኽበ ኣፅዋር ዘርእያ ምዃነን ይገልፅ።

 ስለዚ ናይ ሓሶት ኣሳእል ስለዝተጠቕመ ሓቂቸክ ነቲ ናይ ትዊተር ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Exit mobile version