ዝተፃረዩ ሓበሬታታት

ሓሶት፡ እዚ ምስሊ ናይ ሰሓኦ ዝተፀምበሩ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ኣየርእን

ካብ 436፣000 ንላዕሊ ሰዓብቲ ዘለዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ ነዚ ዝስዕብ ፅሑፍ ዝሓዘ ሓደ ስእሊ ጠቂዑ ኔሩ፤ “ካብቶም ናይ ክልል ኦሮምያ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣባላት ዝነበሩ ድሒሮም ከኣ ናብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ዝተፀምበሩ 1,287 ወታደራት ተመልሚሎም።” ኣብቲ ግዘ እታ ናይ ፌስቡክ ሕታም ልዕሊ 1,000 ግብረመልሲን ረኺባን ልዕሊ 300 ሳዕ’ውን ተባፂሓን እያ።

እንተዀነ ግና ሓቂቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ጥቃዕ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ወታደራዊ ሰልፊ እዩ፤ ድሒሩ ግና ኣብ መጀመርታ ግንቦት 2021 ክልቲኦም ከምዝተፈንጨሉ ተገሊፁ ኔሩ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሸኔ’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ወታደራዊ ጉጅለ ብሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ‘ኣሸባሪ’ ተባሂሉ ኣብ ፀሊም ተመዝጊቡ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ይፍኑ እዩ ዝብሉ ብሳልሳይ ወገን ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ክወፁ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ እቲ ወታደራዊ ሰልፊ ምስቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንፂ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓቢሮም ንምስራሕ ኪዳን ከምዝኣተዉ አፍሊጡ እዩ።

ኣብ መንጎ’ዚ “ውሕስነት ሰላምን ድሕንነት ህዝቢን ንምርግጋፅ መንግስቲ ኦሮምያ ናይ ፀጥታ መሓውራቱ ብሓዱሽ መልክዕ ይጥርንፍ ኣሎ።” ክብል ፕረዚደንት እቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳ ተዛሪቡ ኔሩ።

ቀፂሉ’ውን ብ15 ሕዳር 2021 ኣዋጅ ‘ብግዘ ገዛ እቶ’ ኣብቲ ክልል ተኣዊጁ እዩ። እቲ ኣዋጅ ፀጥታ ናይቲ ክልል ንምውሓስ መታን ክጥዕም ዝተገብረ ምዃኑ’ውን ተገሊፁ ኔሩ።

እቲ ኣን መንጎ እቲ ወታደራዊ ሰልፊን ናይቲ ኽልል ዕጡቓትን ዝግበር ጎንፂ እናሳዕረረ ምስከደ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ናብ ሰራቲት ሓርነት ተፀምቢሮም ዝብሉ ወረታት ክመፁ ፀኒሖም ኣለዉ።

ኣፈኛ ናይቲ ወታደራዊ ሰልፊ ዝኾነ ኦዳ ተርቢ ብዕለት 4 ሕዳር ኣብ ትዊተር “ሎሚ 1,165 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ናብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተፀምቢሮም። ካብኣቶም እቶም 400 ኣባላት ኣብ ከባቢ ለገጣፎ እያቶም ናብ ሰራዊት ሓርነት ዝተፀምበሩ። ኣሃዱታትና ብኹሉ ኣንፈታት ይደፍኡ ኣለዉ፤ መወዳእታ ናይዚ ጨቋናይ ውልቀምልኪ ኣብ ቀረባ ግዘ ክንርኢ ኢና።” ክብል ገሊፁ ኔሩ።

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር እቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ዝተኸስተ።

ነዚ ስእሊ ዝመሳሰል’ውን ብ8 መጋቢት 2020 ኣብ ትዊተር ተሓቲሙ ኔሩ፤ “ንኣቢ ኣሕመድ ዋላ 20 ሚልየን ነፍጠኛታትን ጎበናታትን ውን ኣየድሕንዎን እዮም።” ዝብል ፅሑፍ እውን ኔርዎ።

ብተወሳኺውን እቲ ምስሊ ኣብ ፅንብል መመረቕታ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ካብ ዝተመልአ ቪድዮ ዝተወስደ ምዃኑ ሓበርቲ ነጥብታት ኣለዉ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ወረታት ከምዘለዉ ዀይኖም እዚ ስእሊ ግና ናብ ሰራዊት ሃርነት ኦሮሞ ዝተፀንበሩ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ኣየርእን። ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ነዚ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ኣይፋል፡ እዚ ስእሊ ላሊቤላ ብሓይልታት መንግስቲ ኸም እተትሓዘት ኣይሕብርን

ካብ 23 2021 ሕዳር ኣትሒዙ ሓይልታት መንግስቲ ንላሊበላ ኸም ብሓድሽ ከም እተቆፃፀሩዋ ዚገልፁ ብምስሊ ዝተደገፉ ሓበሬታታት ኣቓልቦና ስሒቦም እዩ። ገለ ኻብቶም ሓበሬታታት በቲ ዩኒፎርም ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ እተኸድነ ወተሃደር ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኻብተን ህቡባት ኣብያተ-ክርስትያን ላሊቤላ ‘ቤተ ጊዮርጊስ’ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ስእሊ እተደገፈ ኢዩ።

ይኹን እምበር ሓቂቼክ ነቲ ምስሊ ብምምርማር እቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብንጥፈት ይዋግኡ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ፈደራላዊ መንግስቲ ኻብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሕቶ ምስ ቀረበሉ ሃንደበታዊ በይናዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ተበግሶ ወሲዱ ንወተሃደራቱ ድማ ካብ ትግራይ ኣውፂኡ እዩ።

ድሕሪኡ ሓይልታት ህወሓት ንደቡብ ጎፆም ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክግስግሱ ፀኒሖም እዮም። ብ5 ነሓሰ 2021 ኸኣ ሓይልታት ህወሓት ንላሊበላ ሒዞምዋ

ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ዚገልፁ ፀብፃባት ይወፁ ኣለዉ። ብ22 ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ነቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ዝግበር ዘሎ ውግእ ኣብቲ ግንባራት ዓውደ ውግእ ኮይኑ ከምዝመርሖ ኣፍሊጡ እዩ።

ደድሕሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ውግእ ብቐጥታ ኻብ ግንባር ከም ዝመርሖ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝመርሖም ሓይልታትን ዓወት ይጎናፀፉ ከምዘለዉ ዝገልፁ ሓበሬታታት ክበዝሑ ጀሚሮም። እዛ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ኸኣ ኣብዚ ህሞት’ዚ እያ ተሓቲማ።

ይኹን እምበር ሓቂቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ተሓቲሙ ዘሎ ምስሊ ናይ ቀደም ምዃኑ ኽፈልጥ ክኢሉ ኢዩ። እዚ ስእሊ እዚ ኣቐዲሙ ብ29 ሚያዝያ 2020 ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትመ እንትኸውን ኣብቲ ሕታም ዘሎ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተፅሓፈ መግለጺ ናይቲ ምስሊ ኣብያተ:መቕደስ ቅዱስ ላሊበላ ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣምሓራ ፅዑቕ ሓለዋ ይግበረሎም ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር።

ፈላማይ ምስሊ

ብዘይካ’ዚ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽሳዕ እትሕተም ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ብዛዕባ ምቍጽጻር እታ ኸተማ ወግዓዊ ሓበሬታ ኸም ዘይተነግረ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብ ሰበ-ስልጣን ንምርግጋፅ እንገብሮ ፃዕሪ ኽንቅጽል ኢና። ሓበሬታ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ከነፍልጥ ኢና።

ሓይልታት መንግስቲ ንኸተማ ላሊበላ ኸም ዝሓዝዋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቤላቤሎ ወይ ሓሜታት እኳ ኣለዉ እንተዀኑ ሓቂቼክ ግን እቲ ምስሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኸም ዘይድግፎ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሃሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዚ ምስሊ ወታደራት ህወሓትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮምያን ንሓድሕዶም ክተሓቛቘፉ ኣየርእን።

ብዕለት 5 ሕዳር 2021 ሓደ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምልጣፍ ንባዕሎም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝሰምዩ ወታደራት ህወሓትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮምያን (ሰሓኦ) ንሓድሕዶም ክተሓቛቘፉ ዘርኢ ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ሕታም ልዕሊ 1,400 ግብረ መልሲ ዝረኸበ እንትኸውን ልዕሊ 136 ሳዕ’ውን ተባፂሑ ኔሩ። ዋላኳ እቲ ሕታም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እንተተደምሰሰ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣደናጊሩን ግጉይ ሓበሬታ ሂቡን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። 

ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ነቲ ምስሊ መርሚሩ እቲ ስእሊ ወታደራት ህወሓትን ሰሓኦን ንሓድሕዶም ክተሓቛቘፉ ዘየርኢ ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ።

ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ጎንፂ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ጌሩ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውኒ ተጋዲዱ ኣሎ። ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ቶዂሲ ደው ናይ ምባል ተበግሶ ወሲዱ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ወታደራቱ ካብ መብዛሕትኡ ኸባቢታት ትግራይ ስሒቡ እዩ።

ድሕር’ዚ ሓይሊታት ህወሓት ንደቡብ ገፆም ብምግስጋስ ዝተወሰኑ ኸባቢታት ክልል ኣምሓራ ሒዞም ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ድማ ነታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ እትርከብ ፍልይቲ ዞባ ኦሮማ ርእሰ ኸተማ ከሚሴ ከምዝሓዙ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ይወፁ ኣለዉ።  እታ ዞባ ሕብረተሰብ ኦሮሞ ዝነብሩላ ምስቲ ምዃና ናይቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኔ ኢሉ ዝፅውዖ ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮምያ (ሰሓኦ) ኢሉ ዝፅውዕ ወታደራት ከምዝንቀሳቀሱላ ይእመነላ እዩ።

ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ህወሓትን ሰሓኦን ነቲ ግብረ-ሽበራውያን ትካላት ኢሉ ዝመዝገቦም ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምእላይ ኪዳን ከምዝኣሰሩ ሓቢሮም ኔሮም።

ካብዚ ብምብጋስ እቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ነቲ ንሓድሕዶም ክተሓቛቘፉ ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ወታደራት ህወሓትን ሰሓኦን ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ። 

እንተዀነ ግና እቲ ምስሊ ካብ ናይ 2019 ናይ ሕሉፍ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ዝተወስደ እዩ። እቲ ምስሊ ንፈለማ እዋን ብ ዕለት 23 ለካቲት 2019 እዩ ኣብ ፌስቡክ ተሓቲሙ። እቲ ናይ ፈለማ ምስሊ ኣብዚ መላግቦ ክረኽብዎ ይኽእሉ።

ዋላ’ኳ ህወሓት ንደቡብ ገፁ ብምግስጋስ ንኸተማ ከሚሴ ከምዝሓዛ እንተገለፀ እዚ ስእሊ ግና ዋታደራት ህወሓትን ሰሓኦን ንሓድሕዶም ክተሓቛቘፉ ኣየርእን። ስለዝዀነ’ውን ሓቂቼክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዚ ስእሊ ናይ ቀረባ ህሞት ከተማ ደሴ ኣየርእን

ልዕሊ 119,424 ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ብ22 ጥቅምቲ 2021 እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ጠቂዑ ኔሩ። እቲ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ መግለፂ “ደሴ ሕጂ” ዝብል ኢዩ። እቲ ጥቃዕ ከተማ ደሴ ብሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከምዝተትሓዘት ዝሕብር እዩ። 

እዚ ዓንቀፅ ኽሳዕ ዝሕተም እታ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ልዕሊ 55 ተጠቀምቲ ተቐባቢሎምዋን ልዕሊ 700 ኸኣ ግብረመልሲ ሂቦምዋን ኔሮም። ይኹን እምበር እቲ ምስሊ ኸምቲ ዝተብሃለ እዋናዊ ህሞት ደሴ ስለዘየርኢ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ሓይልታት ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስትን ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ንጡፍ ውግእ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ፈደራላዊ መንግስቲ ኻብ ግዝያዊ መንግስቲ እቲ ኽልል ሕቶ ምስቀረበ ብሃንደበት በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ኣዊጁ ንወተሃደራቱ ድማ ካብ ትግራይ ኣውፅኦም።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታትን ውግኣትን ዚገልፁ ፀብፃባት ይወፁ ኣለዉ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኻብ መጀመርታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍኑ ፀኒሑ እዩ። 

ኣፈኛ ሓይልታት ህወሓት ጌታቸው ረዳ መንበሪ ኣባይቲ ኣደዳ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኸም ዝዀኑ ገለፁ ኔሩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን መንግስቲ እቲ ቐደም ብተዋጋእቲ ህወሓት ተታሒዙ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሰፈር መጥቃዕቲ ኸም ዝወረዶ ብምሕባር ነቲ ብህወሓት ዝቐረበ ኽሲ ነፂግዎ እዩ።

ኣብ ማእኸል እዚ ህሞት’ዚ ሓይልታት ህወሓት ናብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ወሎ ናብ ዝተብሃለ ኸባቢታት የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ፀብፃባት ክወፁ ፀኒሖም እዮም።

ደሴ ደቡብ ወሎ ኣብ ዝተብሃለ ሓደ ኣውራጃ ወይ ዞባ ክልል ኣምሓራ እተደኮነት ከተማ እያ። ካብ ርእሰ፡ኸተማ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ኮይና ልዕሊ 200,000 ዝዀኑ ተቐማጦ’ውን ኣለዉዋ።

እዛ ኸተማ እዚኣ ፖለቲካውን ስትራተጅያውን ኣገዳስነታ ኣብ ግምት ብምእታው ሓይልታት ህወሓት ኣብ ወሎ ብምስፋሕ ዓብዪ ዕርዲ ኸም እትኸውን ገይሮም እዮም ዚርእይዋ።

ፈላማይ ስእሊ

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ እምበኣር እቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ዝተሓተመ። ይኹን እምበር እቲ ስእሊ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ብ11 ታሕሳስ 2019 ኣብ ፌስቡክ ተሓቲሙ ዝነበረ ምስሊ እዩ። ስለዚ እቲ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ምዝገባ ሎተሪ ቪዛ ኖርወይ ኣሎ ዶ?

ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ 45,000 ሰባት ዝቐረበ “ቅጥዒ ምዝገባ ሎተሪ ቪዛ ኖርወይ” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ቴለግራም ተዘርጊሑ ኔሩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ እተፃሕፈትሉ እዋን ልዕሊ 300 ኣንበብቲ ነዚ መልእኽቲ እዚ ርእዮምዎ ኔሮም።

እቲ ኣብቲ መልእኽቲ ዘሎ መላግቦ “ዳይረክቶሬት ስደተኛታት ኖርወይ” ናብ ዝብል መትረብ ቴሌግራም ይመርሕ። እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ወብሳይት ከም ኣድራሻ፣ ኢ-መይል፣ ፓስዎርድ፣ ከምኡውን ካልእ ተመሳሳሊ ውልቃዊ ሓበሬታ ዚእክብ መመዝገቢ ቅጥዒ ኣለዎ።

እቲ ብ1955 ዝጀመረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ብዙሕነት ሎተሪ ቪዛ (ዲቪ) ኣብ ዓመት 55,000 ሰባት ቪዛ ይህብ። ናይ 2023 ሎተሪ ቪዛ (DV-2023) ካብ 6 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ተኸፊቱ ኣሎ። እቲ ብኢንተርነት ጥራይ ዚርከብ መመዝገቢ ቅጥዒ ሎተሪ ቪሳ ክሳዕ 9 ሕዳር 2021 ኽፉት ኰይኑ ክፀንሕ እዩ።

ብ14 ጥቅምቲ 2021 እቲ ኣብ ኣክራ፡ ጋና ዝርከብ ኤምባሲ ኖርወይ ከምዚ ዝብል ናይ ምትላል መጠንቀቕታ ኣፍሊጡ ኔሩ፦ “በጃኹም እቲ ናብ ወብሳይት ዘምርሕ መላግቦ ዘለዎ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ምትላል መልእኽቲ ምዃኑ ፍለጡ። እቲ ዚለኣኽ መልእኽቲ ነቲ ኣብ ኖርወይ ዚርከብ ዝተብሃለ ሎተሪ ቪዛ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ኣምሲሉ ክትምዝገቡ ዝሕብር እዩ። እቲ መልእኽትን እቲ ቅጥዒ ምዝገባን ናይ ኣታላል እዩ፣ ምስ ዝዀነ ይኹን ወግዓዊ ናይ ቪዛ ምዝገባ ወይ ኣሰራርሓ ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሉን።” እቲ መግለጺ “ከምዚ ዝኣመሰለ ሎተሪ የለን” ብምባል የጠንቅቕ።

ሓቂቸክ ነቲ ጕዳይ ንምንጻር ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ንጉሳዊ ኤምባሲ ኖርወይ እውን ተወኪሱ እዩ። እቲ ቆንስላዊ ኽፍሊ ናይቲ ኤምባሲ ብኢ-መይል ኣቢሉ “ኖርወይ ሎተሪ ቪዛ የብላን” ኢሉ ኣረጋጊፁልና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ክፍሊ ቪዛ እቲ ኤምባሲ ኖርወይ ካብ 1 ነሓሰ 2019 ስለ ዝዓጸወ ናብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኖርወይ ሕቶታት ተላኢኹ ኣሎ።

ዋላ’ኳ ከም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ንስደተኛታት ሕጋዊ ናይ ቪዛ ዕድላት ዝህባ እንተዀና ኖርወይ ግን ሎተሪ ቪዛ እይትህብን።

ስለዚ እቲ መልእኽቲ ቴለግራም ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊፁ፤ ብተወሳኺ’ውን ውልቃዊ ሓበሬታ ንምእካብ ዝዓለመ ናይ ኣታላል መልእኽቲ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

 

ሓሶት፡ እዚ ስእልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ድሮናት ውግእ ከምዝተዓጥቀ ኣይሕብርን እዩ።

ብ7 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ፌስቡክ ዝተጠቀዐ ሕታም ሃገራዊ ሓይሊታት ምክልኻል ኢትዮጵያ “VTOL ድሮናት” ዚብሃላ ሓደስቲ ነፈርቲ ኸም እተዓጥቀ ሓቢሩ ኔሩ። እቲ ልዕሊ 69,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ገፅ እተን ነፈርቲ ኻብ ራዳር ሞርታር ኪትኵሳ ኸም ዚኽእላን፤ ኣንፈትን መጥቃዕትን ፀላኢ ንኺግንዘባ ዜኽእል ዘደንቕ ቴክኖሎጂ ኸም ዘለወንን ይገልፅ።

ይኹን እምበር እቲ ሕታም ኣብ ትሕዝቶኡን ኣጠቓቕማ ናይቲ ምስሊታትን ግጉይ ስለዝዀነ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ሰብ፡ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ ኸም እተጠቕመ ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። እዚ ድማ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ወታደራዊ ነፈርቲ ኸምዘለዎ ዘመላኽት እዩ። ኣብዚ ቀረባ’ውን እቲ ሓይሊ ኣየር ሰብ፡አልቦ ነፈርቲ ውግእ ኢራን ኸምእተዓጥቀ ሓሜታት ነይሮም እዮም።

ድሮን VTOL እንታይ እዩ?

ቪቶል (VTOL) ማለት ብቋንቋ ኢንግሊሽ ንትኹል ምንፋርን ምውራድን እዩ። ነፈርትን ሰብ፡ኣልቦ ነፈርትን (UAV) ከም ሄሊኮፕተር ንትኹል ኪነፍራን ንትኹል ኪዓልባን ከለዋ ማለት እዩ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ልሙድ ዝዀና ዓይነት ድሮናት VTOL ማልቲኮፕተር ይበሃላ።

ማልቲኮፕተር ድሮናት ማለት ንምብራረን ቀለልቲ ዝዀና፤ ምንቅስቓሰን ድማ ኣሃዱታት ሞተረን ብውሳኽ ወይ ብምንካይ ምቁፅፃር ዝከኣላ ሰብ፡ኣልቦ ነፈርቲ እየን።

እዘን ድሮናት ኣብ ኢንዱስትሪ ዕደና፣ ህንጸት፣ ዘይቲን ነዳድን መፅናዕቲ ካርታን ድሕንነትን ከምኡውን ኣብ ፀጥታን ምክልኻልን የገልግላ እየን። በተን ነፈርቲ ዓበይቲ ኸባቢታት ምስኣል፣ ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታ ምሓዝ ከምኡውን ብነፋሪት ምቍጽጻር ይከኣል። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እዘን ነፈርቲ ንብዙሕ ዕላማታት ክውዕላ ይኽእላ እየን።

ስለዚ ነዚ መግለጺ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዘን ዓይነታት ድሮን ከምቲ ኣብቲ ሕታም ዝተሓበረ ካብ ራዳር ሞርታር ክትኩሳ ዝኽእላ ወታደራውያን ነፈርቲ ከምዘይኰና ምፍላጥ ይከኣል እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሓቂቸክ ነቲ ሓበሬታ ንምድጋፍ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ዝተጠቅዑ ሰለስተ ስእልታት መርሚሩ እዩ። እቶም ስእልታት ንፈለማ ግዜ ብ14 ሕዳር 2018 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሺንዋ ካብ ዝተሓትመት ዓንቀፅ፡ዜና ዝተወስዱ እዮም። እቲ ዜና ኸም ዚሕብሮ ፖላዊስ ኢትዮጵያ ኣብ ቤጂንግ ኣብ እተገብረ ናይ ድሮን ስልጠና ክሳተፉ ዘርኢዩ እዮም።

ኣብ ርእሲ እዚ’ውን እቶም ፖላዊስ ተኸዲኖምዎ ዘለዉ ድቢዛ እቲ ብ2019 ብሓድሽ ዩኒፎርም እተተክአ ወግዓዊ ድቢዛ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ።

ስለዚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምኽንያታት እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ሓሶት: እዚ ስእልታት ኣመሪካ ኣብ ቐረባ እዋን ንኢትዮጵያ ወታደራዊ መሳርሒታት ከምዝሃበት ኣይሕብርን

ኣብዚ ቐረባ ግዘ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃገራዊ ሓይሊታት ምክልኻል ኢትዮጵያ 2.9 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወታደራዊ መሳርሒታት ሂባ ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ተጠቂዑ ነይሩ። እቲ ብዕለት 6 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም ዝተጠቅዐ ሕታም ኽልተ ስእልታት ተጠቒሙ ነይሩ። ብተወሳኺውን ኣልሸባብን ካልኦት ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ግብረ፡ሽበራውያን ጕጅለታት ንምምካት እቲ ወታደራዊ መሳርሒታት ንኢትዮጵያ ከም እተዋህበ ይገልፅ። እዚ ዓንቀፅ ክሳዕ ዝሕተም እቲ ጥቃዕ 10 ሳዕ ተባፂሓ ነይራ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ እዚ ምስልታት እዚ ኣመሪካ ኣብዚ ቐረባ እዋን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ መሳርሒ ኸምዝሃበት ከምዘይሕብር ኣረጋጊፁ እዩ። ስለዚ እቲ ሕታም ፌስቡክ ናይ ሓሶት ምስሊታት ብምጥቃሙ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ሓገዝ ክገብር ፀኒሑ እዩ። እታ ሃገር ኣብ ዘበነ ሃፀያዊ ግዝኣት፣ ዝሑል ኲናት ከምኡውን ድሕሪ እቲ ብ11 መስከረም ግብረ-ሽበራውያን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ቀንዲ ስትራተጅያዊት ብጸይቲ ኣመሪካ ዀይና ፀኒሓ እያ። ኢትዮጵያ ምስ ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ እትዋጋእን ምስ ውድባትን ንጥፈታትን ግብረ-ሽበራ እትቃለስን ቀንዲ መሻርኽቲ ኣመሪካ እያ ነይራ።

ይኹን እምበር እቶም ምስሊታት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ ቐረባ ግዘ ንኢትዮጵያ ወታደራዊ መሳርሒታት ከም ዝሃበት ኣየረጋግፅን። እዚ ስእሊ እዚ ቕድሚ ሓደ ዓመት ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝሃበታ ወታደራዊ ደገፍ ዘርኢ እዩ። እተን ኣብቲ ስእሊ ዘለዋ መካይንን ኣምቡላንስን ብ29 መስከረም 2020 ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዘወፈየን እየን። እቲ 2.9 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወታደራዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ኻብ ኣልሸባብን ካልኦት ግብረ፡ሽበራውያን ጕጅለታት ንዝመፅእ ስግኣት ንምምካት ተባሂሉ እዩ። እቲ ደገፍ ኣምቡላንስ፣ ላንድክሮዘር፣ ዓበይቲ መካይንን ካልእ ናውቲን ከምኡውን ወታደራዊ ስልጠና ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።

እዚ ስእልታት እዚ ንመጀመርታ ግዜ ብ29 መስከረም 2020 ብኣል፡ዓይን ዝበሃል ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝርከብ መራኸቢ፡ሓፋሽ ተሓቲሙ ነይሩ። ነቲ ፈላማይ ስእልታትን ዓንቀፃትን ንምርካብ ኣብዚ መላግቦ ይጠውቑ።

ኢትዮጵያ ኻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዙሕ ወተሃደራዊ ሓገዝ ትረክብ እኳ እንተ ነበረት እዚ ስእልታት እዚ ግን ኣብዚ ቐረባ እዋን ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወታደራዊ መሳርሒታት ኣይሕብርን እዩ። ስለዚ ሓቂቸክ እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ። 

ሓሶት፡ እዚ ስእሊ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዕዮ ከሎ ኣየርእን

ልዕሊ 100 ሽሕ ዝዀኑ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ “ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ” ዚብል መግለፂ ዝሓዘ ኽልተ ተመሳሳሊ ስእልታት ብ12 መስከረም ጠቂዑ ነይሩ።

እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም እዚ ዓንቀፅ ኽሳዕ ዝሕተም ልዕሊ 163 ሳዕ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ሓቂቼክ ንተኣማንነት እቲ ምስልታት ድሕሪ ምምርማሩ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

እዚ ሕታም እዚ ሓደ ኻብቲ ድሕሪ እቲ ኻብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ዝተወለዐ ወታደራዊ ጎንፂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዝርጋሕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዙ ስእልታት ኢዩ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዚግበር ውግእ ይሳተፍ ኸም ዘሎን ዘመናዊ ነፈርቲ ኸም ዝጥቀምን ክግለፅ ፀኒሑ እዩ፡ እዚ’ውን ትኹረት ዝሰሓበ ጉዳይ ኰይኑ ፀኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር እቶም ምስሊታት ብ15 ሰነ 2017 ካብ ዝተሓትመ ናይ ዩትዩብ ቪድዮ ዝተወሰዱ እዮም። ርእሲ ናይቲ ቪድዮ “ሓይልታት ኔቶ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ብቕልጡፍ ግብረ-መልሲ ኪህቡ ዚኽእሉ? ኣብ ሮማንያ ምስ ኔቶ ቪጄቲኤፍ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ልምምድ” ይብል። ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት ውን ተዓዚበምዎ እዮም። እቲ ቪድዮ ኣብ ሩማንያ እተገብረ ናይ ኔቶ ዓመታዊ ወታደራዊ ልምምድ ወይ ስልጠና ዘርኢ እዩ።

ዋላኳ ብዙሓት ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት እንተሃለዉ እዞም ክልተ ስእሊታት ግና ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ህወሃት መጥቃዕቲ እንተካይድ ኣየርእዩን። ስለዚ’ውን እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኮይኑ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዚ ቪድዮ ኣብ ዓፋር ዝተገብረ ወታደራዊ ስርሒት ኣየርእን

ካብ 17 መስከረም ኣትሒዙ 35,000 ሰዓብቲ ብዘለውዎ ገፅ ኣብ ፌስቡክ እተዘርግሐ ቪድዮ ልዕሊ “ጀጋኑ ዓፋርን ሓይሊ ምክልኻልን ንህወሓት ከሳጕጉ ዘርኢ ቪድዮ ተቐቢልና።” ኢሉ ነይሩ። እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ክሳዕ እዚ ዓንቀፅ እተሓትመሉ እዋን ልዕሊ 3፣800 ሳዕ ተዘዋዊሩ እዩ።

ይኹን እምበር እታ ኣብ ፌስቡክ እተዘገሐት ቪድዮ ነቲ ኣብ ግንባር ዓፋር ተገይሩ ዝተብሃለ ወታደራዊ ስርሒት ኣይተርእን እያ፤ ስለዚ’ውን እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ብዕለት 4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኣብ መንጎ ሓይሊታት ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስቲን ዕጥቃዊ ጎንፂ ኣሎ። እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝመርሖም ሓይልታት መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ዋላኳ ተቖፃፂሮም እንተፀንሑ ናይ ድብያ ውግኣት ክረኣዩ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በይነኣዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ሕቶ ምስቀረበሉ ሽዑንሽዑ ሰራዊቱ ኻብ ቀንዲ ቦታታት ትግራይ ኣልጊሱ እዩ።

እቶም ፈደራላዊ ሓይልታት ካብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ምስወፁ ንገዛእ ርእሶም ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝፅውዑ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኸባቢታት ክቆፃፀርዎ ክኢሎም እዮም።

ካብ ሽዑ ንደሓር ሓይሊታት ህወሓት ካብ ማእከል ትግራይ ብምውፃእ ናብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ገፆም ብምጉዓ ወታደራዊ ስርሒት ይፍፅሙ ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ጥቓ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ካቢቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ወታደራዊ ግጭት ከምዝነበረ ዝሕብሩ ፀብፃባት ክወፁ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ መንጎ እዚ ዅነታት እዩ እምበኣር እዚ ቪድዮ ዝተዘርገሐ።

ይኹን እምበር ኣብታ ቪድዮ እተረኽቡ ስእልታት እቲ ቪድዮ ኻብ ኢትዮጵያ ኸም ዘይኰነን ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍፃመ ኸምዘየርእን ተረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ቪድዮ ብ29 ግንቦት ኣብ መንጎ እቶም ስዑድያ ዝመርሖም ሰራዊትን ሓይልታት የመንን ኣብ ዶባት የመንን ስዑድያን እትርከብ ከባቢ ጂዛን ዝገበርዎ ውግእ ዘርኢ እዩ።

እቲ ፈላማይ ቪድዮ

ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ትንተና ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ህወሓት ንምስጓግ ኣብ ግንባር ዓፋር ወታደራዊ ስርሒት ከምእተገብረ ዝሕብር ናይ ፌቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ሓሶት፡ እዞም ምስሊታት ኣብ መቐለ ዝተገብረ ሰልፊ ኣየርእዩን

ብ 14 መስከረም 2021 ልዕሊ 60,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ  ሰለስተ ምስልታት ብምጥቃዕ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣንፃር ህወሓት ተቓውሞኦም ይገልፁ ከምዝነበሩ ይሕብር። እቲ ሕታም ኣብቲ ዝተብሃለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እቶም እቶም ተሰለፍቲ “ይኣክል! ድሕሪ ሕጂ ንህወሓት ኣይንፃወሮን! ደቅና ኣበይ ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን! ገሊኦም’ውን ኣካላቶም ስኢኖም ኣለዉ!” ይብሉ ከምዝነበሩ ይገልፅ። እቶም ስእልታት ዝተዓፅወ መንገዲ፣ ተሰለፍቲ ምስ ፖላዊስ እንትጓነፁን ኣብ መገዲ ዝተኣከቡ ነበርቲን የርእዩ።

ይኹን’ምበር እቶም ምስሊታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ስለዘየረጋግፁ እቲ ሕታም ሓሶት ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ካብ መጀመርታ ሕዳር (መወዳእታ ጥቅምቲ 2013) 2021 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ሓይሊታት ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ወታደራዊ ግጭት ተተሓሒዙ ብዙሓት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ቅልውላዋት ኣስዒቡ እዩ። ካብዚ ሓደ ህወሓት ዕድሚኦም ዘይበፅሑ ቆልዑ ወታደራት ክኾኑ ይምልምል ከምዘሎ ዝገልፅ እዩ።

ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝተብሃለ ፍሉጥ ጋዜጣ ዝተሓትመ ሓደ ሓፂር ፀብፃብ መበገሲ ብምግባር ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ወታደራት ይምልምልን ናብ ውግእ የሰልፎም ከምዘሎን ዝሕብሩ ብዘይሻራዊ ኣካል ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ናይ ምሩኻት ተዋጋእቲ ህወሓት ምዃኖም ዝግለፁ ቃለ-ማሕትታት’ውን ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ተፈንዩ ኔሩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ሃበሬታት ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ገሊኦም’ውን ብሓቂቼክ ተፃርዮም ኔሮም።

ይኹን’ምበር እዞም ስእሊታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኣየረጋግፁን። እቲ ናይ ፈለማ ምስሊ ዛጊድ እንታይነቱ ኣይተፈልጠን። እቶም ዝስዕቡ ክልተ ምስልታት ግን ካብ ካልኦት ሕታማት ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ ኣሎ።

ካልአዋይ ምስሊ

እቲ ናይ መበል ካልኣይ ስእሊ ብ3 ታሕሳስ 2020 ካብ ዝተሓተመ ናይ ትዊተር ጥቃዕ እተወስደ እዩ። እቲ ጥቃዕ ከምዚ ይብል “ነበርቲ መቐለ ካብ ገዝኦም ብምውፃእ መንገዲታት ይዓፅዉን ምስ ሚሊሻ ኣምሓራን ወታደራት ኤርትራን ይጓነፁን ኣለዉ”።

ሳልሳይ ምስሊ

እቲ ሳልሳይ ምስሊ ብጥቅምቲ 30 2018 ኣብ ናይጀርያ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብራሃም ኣቺርጋ ብዝተብሃለ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ዝተልዓለ ፎቶ እዩ። እቲ ምስሊ’ውን ኣብ ሮይተርስ ኣብ ዝተሃትመ ሓፂር ፀብፃብ ሰፊሩ ይርከብ።

ብተወሳኺ’ውን እቲ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ዘሎ ምስሊ ካብቲ ናይ ፈለማ ዝተቆርፀ እዩ።

ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Exit mobile version