ብዕለት 26 ታሕሳስ 2013 ኣርሓ ወያናይ ተጋሩ (5,000 የዕሩኽ ዘለውዎ ተጠቃሚ) ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ክልተ ሰብኡት ንድሕሪት ኩርንኩሪት ተኣሲሮም ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ እዞም ሰባት ብወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝተረሸኑ ይገልፅ። እቲ ብትግርኛ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ነቲ ተፈፂሙ ዝበሎ ተግባር ‘ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ’ ብምባል ገሊፅዎ። ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ሰባት ከምዘየርኢን እቲ ምስሊ’ውን ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ግጭት ዝተልዓለ ከምዘይኮነን ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

ካብ 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖ ወታደራዊ ሓይልን መንግስቲ ፌደራልን ግጭት ምንባሩ ይዝከር እዩ። ኣብቲ ኩነት ንመንግስቲ ፌደራል ብምሕጋዝ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ከምዝነበሩ’ውን ሓሜትን ዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን እንዳወፁ ይርከቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ወታደራት ኤርትራ ከምዘይተሳተፉ ብተደጋጋሚ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።

 

ኣብዚ ህሞት’ዚ እቲ ፖስት እቶም እብዚ ምስሊ ዘለዉ ክልተ ሰብኡት ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ንፁሃት ከምዝኾኑ ብምግላፅ ነቲ ኣቀታትላ ድማ ኣብ ዓለም ተራእዩ ግፍዒ እዩ ኢሉ ይሙጉት። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ሰባት ኣየርእን። ብመሰረት ኣናዳዪ ምስሊ ጉግል እቲ ምስሊ ምስ ካልኦት ሰለስተ ስእልታት ንመጀመርታ ግዘ awaale afcad ብዝብል ሽም ብዕለት 30 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ትዊተር ዝተሓትመ ኾይኑ “ኣብ ሊብያ” ብል ፅሑፍ ከኣ ነይርዎ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ።

 

ዝተገበተ ምስሊ

 

ፈላማይ ምስሊ (awaale afcad)

ዋላኳ ኣብቲ ወታደራዊ ጎንፂ ንመንግስቲ ፌደራል ብምሕጋዝ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝብሉ ሓሜትን ዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን እንተወፁ ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ዝተረሸኑ ሰባት ከምዘየርኢን እቲ ምስሊ’ውን ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ግጭት ዝተልዓለ ከምዘይኮነን ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

 

Similar Posts