ብዕለት 26 ሕዳር 2020 ዓ.ም. Waan Ofii (ልዕሊ 39,000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ገፅ) ዝብሃል ተጠቃሚ ፌስቡክ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብምልጣፍ ከበድቲ መሳርሒ ዝተዓጠቑ ሓያሎ ወታደራት ሱዳን ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ይምርሹ ኣለዉ ይብል። ይኹን’ምበር ነቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ምስሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ስለዘየርኢ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

 

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዳቡብ ግዝኣታት ወታደራዊ ግጭት ምንባሩ ይዝከር። ብ8 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ሰራዊት ሱዳን እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘይተሓንፀፀ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስን ግዘኣት ከምዝሓዘቶ ኣፍሊጣ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብሕዳር 29 2020 ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሰራዊት ሱዳን ካብ 9 ሕዳር ፈሊሙ ብከበድቲ መዳፍዕ ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወን ንዕኡ ተኸቲሉ’ውን ብዙሕ፡ንብረት ከምዝዓነወን ዝሞቱን ዝተወግኡን ዜጋታት ከምዘለዉን ኣፍሊጡ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ነቲ ዶብ ክሕንፅፅኡ’ውን ተሰማሚዐን ምንባረን ይፍለጥ። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ኣመልኪቱ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእን ኣብ 6 ሓምለ 2018 Haber7.com ብዝተብሃለ መራኸቢ ሓፋሽ ተርኪ ተሓቲሙ ከምዝነበረን ኣረጋጊፁ። ኣብቲ ፋልማይ ዝተሓተመ ምስሊ ሰራዊት የመን ገለ ገለ ሰሜናዊ ግዝኣታት እታ ሃገር ከምዝተቖፃፀረ ዝገልፅ መብርሂ ኔርዎ።

ኣብቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዳቡቡ ግዝኣታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ጎንፂ ኣሎ። ይኹን’ምበር ነቲ ስእሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል (Google Reverse Image) ብዝገበሮ ምፅራይ ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ዝምርሹ  ወታደራት ሱዳን ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪት፡ ረሆቦት ኣያሌው

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

ተርጓሚ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

 

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts