ጋጋ ቆሌ ኢጋ ዝብል ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ብ3 ጥሪ 2011 ኣብ ፌስቡክ ብዝጠቀዖ ሓበሬታ እዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ከምጭብጢ ብምልጣፍ ኣብ ከተማ ኣዳማ ቆልዑ ብ ኣረግቶት ኣንስቲ እንዳተሰረቑ ኲሊትም ይውሰድ ከምዘሎን ይሕበር። እዚ ናይ ፌስቡክ ፖስት ክድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝተለጠፈ ዋላ’ኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት የካፍልዎን (ሼር ይገብርዎ) ርኢቶ ይህብሉን ኣለዉ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ምስሊ ምስቲ ሓበሬታ ምትሕሓዝ ብዘይምህላዉ እዚ ፖስት ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ውሽጣዊ ኣካልት ሰባት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኦፕራስዮን አቢሎም ክተሓላለፉ ይኽእሉ እዮም። ብሰንኪ ሕማም ወይ ጉድኣት ሰባት ውሽጣዊ ኣካላቶም ስራሕ ደው ከብል ከሎ ካብ ሰባት ይልገሰሎም፤ እቲ ዝልግስ ሰብ ከኣ ብዓይኒ ሕጊ ከምዝሞተ ተገይሩ ይውሰድ። ፀላም ከብድን ኲሊትን ዝልግስ ሰብ ግን ብሂወት ናይ ምንባር ተኽእሎ አለዎ። ኲሊት ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካሊእ ሰብ ምትሕልላፍ ካብ 36 – 48 ሰዓታት ይወስድ። ብዙሓት ሰባት ኲሊቶም ይስእኑ ስለዘለዉ አብ ዓለም ጠለብ ኲሊት አዝዩ በሪኹ ኣሎ፤ በዚ’ውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኲሊት ተስፋሕፊሑ ይርከብ። ንግዲ ኲሊት ብዜካ ኣብ ኢራን ኣብ ኩለን ሃገራት ዘይሕጋዊ እዩ። ስርቂ ውሽጣዊ ኣካላትን (ንሰባት ኣገዲድካ ኣካላቶም ብመጥባሕቲ ብምውሳድ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ምሻጥ) ግዱድ መጥባሕትን (ኣብ ቤት፡ማእሰርቲ ንሰባት ብዘይ ወለንታዊ ድልየቶም ኣገዲድካ መጥባሕቲ ብምግባር ኣካልቶም ምውሳድ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕጋዊ ኣይኮነን። ቻይና ግን ኣካላት ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ጠቢሓ ስለትወስድ ብግዱድ መጥባሕቲ ዝተፈለጠት እያ። ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ስርቂ ውሽጣዊ ኣካላት ንምርኣይ ነዚ ዝስ ዕብ ሊንክ ይጠቐሙ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዘ ብኦፕራስዮን ኲሊት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፍ ዝተጀመረ ከም ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ኣብ 11 መስከረም 2008 ኮይኑ ምስ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ብምትሕብባር ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሚሊንየም ሜዲካል ኮሌጅ ተኻይዱ። ካብ ሽዑ ንደሓር ክሳብ 24 ሚያዝያ 2011 ኣብ ልዕሊ 109 ሕሙማት ጥራሕ ናይ ኲሊት ንቕለ ተኸላ ተኻይዱ።

ይኹን’ምበር እቲ ምስሊ ናይቲ ዝተብሃለ ምጥፋእ ቆልዑን ስርቂ ኲሊትን ከምዘየመልክት፤ ብተወሳኺ’ውን እዚ ምስሊ ኣብ 18 ነሓሰ 2009 ኣብ ካሊእ ፖስት ተሓቲሙ ዝነበረ እዩ። እዚ ምስሊ ኣብቲ ግዘ ኣብ ከተማ ሮማ ዝነበሩ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ድሕሪ ምብራሮም ስዒቡ ኣብ ዝተወለዐ ተቓውሞ ዝተልዓለ ፎቶ እዩ።

 

ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ናይ ኲሊት ስርቂ ዋላ’ኳ እንተተሰምዑ እዚ ምስሊ ግን ኣብ ኣዳማ ከምዘይተልዓለን ነቲ ዝተብሃለ ምጭዋይ ቆልዑን ምጥባሕ ኲሊትን ኣየርእን። ብመሰረት’ዚ ሓቅቼክ ነቲ ዝተጠቀዐ ምስሊ ብዝምልከት ብዝገበሮ ምፅራይ ዘይርትዓዊ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪት፡ ረሆቦት ኣያሌው

ተርጓሚ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts