ብዕለት 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም. Tirhas Tesfay ዝብል ተጠቃሚ ፌስቡክ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምልጣፍ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ዝሰረቐ ወታደር ኤርትራ ምዃኑ ይሟጎት። እቲ ብትግርኛ ዝተፅሓፈ ሓበሬታ “ሰበር ዜና፡ ወታደር ኤርትራ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ተሰኪሙ ክኸይድ ብዓይነይ ሪአዮ።” ይብል። ጥሕሎ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ትግራይን ደቡባዊ ኤርትራን ዝዝውተር ምግቢ ኾይኑ ካብ ስገም ይስራሕ። እቲ ፖስት ኣብ ፌቡክ ብዙሓት ተዓዘብቲ ረኺቡ ነይሩ፤ ክሳብ ዝስነድ’ውን 184 ሰባት ኣካፊሎምዎ ነይሮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሰኪሙ ዝኸይድ ወታደር ኤርትራ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ሕክያ ኢልዎ ኣሎ።

ካብ 28 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን መንግስቲ ፌደራል ዝመርሖም ሓይልታትን ጎንፂ ምንባሩ ይፍለጥ። ነቲ ወታደራዊ ጎንፂን ዘይምርግጋዕን ስዒቡ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ንምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ብምሕጋዝ ኣብቲ ውግኣት ከምዝተሳተፈን ብተወሳኺ’ውን ወታደራት ኤርትራ ንብረት ይዘምቱ ከምዘለዉን ግምታትዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ክሳብ ሕጂ ግን ጭብጢ ክርከብ ኣይተኽኣለን።.

ኣብዚ ህሞት’ዚ እቲ ፖስት እቲ ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሸኪሙ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኤርትራ ወታደር ምዃኑ ይሕብር። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሰኪሙ ዝኸይድ ወታደር ኤርትራ ከምዘይኮነ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንፈለማ እዋን ብ27 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ኣብ Nairobi News ዝተብሃለ መራኸቢ ሓፋሽ ኬንያ ዝተሓተመ ኾይኑ ናይ ሓደ ገዝኡ ዝፈረሶ ኬንያዊ ዛንታ ዘርኢ እዩ። እቲ ስእሊ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ዝተሃነፁ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ኣብ ዘፍርሰሉ እዋን እቲ ገዛ ከይፈረሰ ከሎ ኡጋሊ ዝተብሃለ ንገዓት ዝመስል ምግቢ ካብቲ ገዝኡ ተሰኪሙ ዝወፅእ ሰብኣይ ዘርኢ እዩ እቲ።  ነቲ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ ሊንክ ይጠውቑ።

ዋላኳ ክሳብ ሕጂ መረዳእታ እንተዘይሃለወ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡን ንብረት ይጎብጡን ከምዘለዉ ዝማጎቱ ግምታትዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ ካብ ዓዲግራት ጥሕሎ ሰሪቑ ተሰኪሙ ዝኸይድ ወታደር ኤርትራ ከምዘይኮነ ብምርግጋፅ ነቲ ፖስት ሕክያ ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts