ብዕለት 10 ታሕሳስ 2013 ኩዒታ – Kuéta (2,137 ሰዓብቲ ዘለውዎ ብሎግ) ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ወታዳራት ሱዳን ኣብ መኪና ተሳፊሮም እንዳኸዱ ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ዝነበረ ዘይተኸለለ 2,000 ትርብዒት ኪሎሜትር መሬት ከምዝተቖፃፀረቶ ብምግላፅ ኣስዒባ’ውን ዋላ ሓንቲ ኢንቺ ትኹን መሬታ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣዊጃ ክብል ይሕብር። ይኹን’ምበር ነቲ ሓበሬታ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ግዝኣት ሱዳን  ዝተቖፃፀሩ ወታደራት ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

ኣብ መንጎ ሓይልታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ቅድሚ ሰሙናት ኣትሒዙ ግጭት ከምዝተወዐ ይዝከር። ብ8 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ሱዳን እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘይተሓንፀፀ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስን ግዘኣት ከምዝሓዘቶ ኣፍሊጣ። ሰራዊት ሱዳን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶብ ግልፂን ዘየሰሓሕብን ስለዝኾነ ሱዳን ዋላ ሓንቲ ኢንቺ መሬታ የሕሊፋ ከምዘይትህብ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ብ8 ታሕሳስ 2013 ኣብ ገፃት ማሕበራዊ ሚድያ (ትዊተር) ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ነቲ ኣብ መንጎ ምልሻታት ምዕራብ ጎንደርን ወታደራት ሱዳንን ዘጋጠመ ጎንፂ ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ወሲኹ’ውን እቲ ክስተት ነቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ከምዘየፍርሶ ሓቢሩ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ብዕለት 13 ታሕሳስ 2013 ናብ ካርቱም ብምምራሕ ነቲ ዶብ ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ ሱዳን ድርድር ከምዘካሄደ እውን ይፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ ወተዳራት ሱዳን ኣብ መኪና ተሳፊሮም እንዳኸዱ ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ዝነበረ ዘይተሓንፀፀ 2,000 ትርብዒት ኪሎሜትር መሬት ከምዝተቖፃፀረቶን ዋላ ሓንቲ ኢንቺ ትኹን መሬታ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣዊጃ ክብል ገሊፁ። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ነቲ ምስ እትዮጵያ ዘዋስን ግዝኣት ዝተቖፃፀሩ ወታደራት ኣየርእን። እቲ ምስሊ ንመጀመርታ ግዘ ብዕለት 4 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ብመሓመድ ባቢከር ዝተብሃለ ናይ ጅንዋ ጋዜተኛ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝተል ዓለ ኮይኑ ኣብ ኣላሚ ዝተብሃለ መኽዝን ምስልትት ከኣ ንፈለማ እማን ተሓቲሙ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠቐሙ።

 

ፈላማይ ምስሊ:

 

ኣብቲ እዚ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ዝተጠቀዓሉ ግዘ ሱዳን ግዝኣታ ብምውሳድ ንዓመታት ከይተሓንፀፀ ዝፀንሐ ዶብ መዕለቢ ከምዝገበረትሉ ሓቢራ እያ። ይኹን’ምበር ነቲ ሓበሬታ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ግዝኣት ሱዳን  ዝተቖፃፀሩ ወታደራት ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts