ታሓሳስ 14፣ 2013 ዓ.ም. 🌡#𝐒𝐓𝐎𝐏_𝐀𝐌𝐇𝐀𝐑𝐀_𝐆𝐄𝐍𝐎𝐂𝐈𝐃𝐄 (3,582 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ዝብል ናይ ትዊተር ተጠቃሚ ብዝጠቀዖ ሓበሬታ እዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ከምጭብጢ ብምልጣፍ እቲ ኣብቲ ስ እሊ ዘሎ መሳርሒ ኲናት ኣብ ገዛ ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ከምዝተረኽበን ህዝቢ ንምጭፍጫፍ ተዳልዩ ከምዝነበረን ይማጎት። እቲ ብኣምሓርኛ ዝተለጠፈ ፅሑፍ ከምዚዝስዕብ ይንበበ… “ [እዚ አብ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ] ደበሊ በልጋፎ ይባሃል፤ ኣማሓዳሪ ወርዳ ድባጤ እንከሎ ብዙሓት ስለዘጨፍጨፈ እነሆ ሕጂ ስልጣን ረኺቡ ናብ ዞባ መተከል መፂኡ ኣሎ። ገዝኡ ምስተፈተሸ ኣምሓሩ ንምጭፍጫፍ [ዝውዕል] ብዙሕ [መሳርሒ] ተረኺብዎ።” ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ አብቲ ምስሊ ዘሎ መሳርሒ ኲናት ኣብ ገዛ’ቲ ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ከምዘይተረከበን ስለዚ’ውን እቲ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑን ኣረጋጊፁ።

ኣብ ዞባ መተከል ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ግጭትን ምፍንቓልን ከምዝንበረ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዘይምርግጋዕ እንዳተበኣኣሰ ምስከደ መንግስታት ክልል ኣምሓራን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ፀኒሖም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል፣ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ፕረዚደንት ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ብምዃን ብታሕሳስ 13፣ 2013 ዓ.ም. ናብቲ ዞባ ብምኻድ ምስ ነበርቲ ተዛትዩ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ብታሕሳስ 14፣ 2013 እቲ ግጭት ብዝኸፍአ ኩነታት ብምቕፃሉ ኣብ ብቁጂ ዝተብሃለት ቁሸት ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ገዛውቲ ከምዝተባርዑን ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ኣምሓራ ገሊፁ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ሰለስተ ምስልታት ብምልጣፍ  እቲ ኣብቲ ክልተ ስእሊ ዘሎ ብዙሕ መሳርሒ ኲናት ኣብ ገዛ ነበር ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ብተፍትሽ ከምዝተረኸበ ይሕብር። ኣስዒቡ’ውን እቲ መሳርሒ ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ኣምሓሩ [ተወልድቲ ኣምሓራ] ንምጭፍጫፍ ተዳልዩ ከምዝነበረ ይምጉት። ይኹን’ምበር እቶም ምስልታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኣየርእዩን። እቲ ካልኣይ ስእሊ 10 መስከረም፣ 2012 ብEthiopian Broadcasting Corporation ዝተብሃለ መራኸቢ ሓፋሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጥእፈ ኾይኑ ካብ ደሴ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብኣይሱዝ እንዳተጓዓዘ ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ዝተትሓዘ መሳርሒ ኲናት እዩ። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም በዚ ዝስዕብ ሊንክ ምርኣይ ይከኣል።

እቲ ሳልሳይ ስእሊ ንመጀመርታ ግዘ  Debre Markos ዴንማርክ ብዝብል ሽም ብ17 ሕዳር 2013 ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ ኾይኑ እቲ መሳርሒ ኲናት ኣብ ቻግኒ ዝተብሃለ ከባቢ እንዳ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ዝተረኽበ ከምዝኾነ ይገልፅ። በዚ ስዒቡ ዘሎ ሊንክ ምርካብ ይከኣል። እቲ ኣብዚ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ ግና እቲ ብሽም ዝተጠቕሰ ነበር ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ድዩ ኣይኮነን ምርግጋፅ ኣይተኽኣለን።

ፈላማይ ምስሊ ክልተ፡

ፈላማይ ምስሊ ሰለስተ፡

ዋላ’ኳ ኣብቲ ከባቢ ግጭት እንተሃለወ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከምመርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ስእሊ ነቲ ኣብ ገዛ ነበር ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ተረኺቡ ዝተብሃለ መሳርሒ ኲናት ስለዘየርኢ እዚ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts