ብ21 ሕዳር 2013 ዓ.ም. Mahder Kiya ማህደር ቅያ (10,637 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ዝብል ተጠቃሚ ፌስቡክ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓደ ወታደርን ኦራልን ዘርኢ ስእሊ ብምልጣፍ  ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታት ንራብዓይ ብርጌድ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝደምሰሱ ይሕብር። እቲ ብትግርኛ ዝተፅሓፈ “.… ካብ ዓድዋ ተላዒሉ ብዕዳጋ ዓርቢ ንኣንፈት ሓዉዜን ዝሓልፍ ዝነበረ… ራብዓይ ብርጌድ ብሰራዊት ትግራይ ተወቂዑ ምሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ፤ እቲ ዝሓዞ ኣፅዋርን ምስ ልዕሊ 114 እግረኛ ወታሃደራቱ ተማሪኩ …” ይኹን’ምበር ነቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ምስሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ንራብዓይ ብርጌድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝደምሰሱ ሓይልታት ስለዘየርኢ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ካብ 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን መንግስቲ ፌደራልን ውግእ ምንባሩ ይዝከር። ድሕሪ’ዚ ውን እቲ ውግእ ከምዝተወደአን ገበነኛታት ኣብ ምህዳን ከምዝርከብን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ ነይሩ። ኮይኑ ግና እቲ ውግእ ከምዘይተወደአ ዝሕብሩ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ክወፁ ፀኒሖም እዮም።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ ድማ እቲ ኲናት ከምዘይኣብቀዐ ብዝሕብር ኩነታት እቲ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ። ይኹን እምበር እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ። እቲ ምስሊ TPLF Hawelti ኣብ ዝተብሃለ ፌስቡክ ገፅ ብ1 ሕዳር 2013 ትግራይ ዘይከምቀደም ዘመናዊ መሳርሒ ከምዝተዓጠቐትን ኩሎም ፀላእታ ክትስዕር ዓቕሚ ከምዘለዋን ምስዝብል ሓበሬታ ተሓቲሙ ነይሩ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ሊንክ ይጠውቑ።

ዝተቖረፀ ምስሊ፡

ፈላማይ ምስሊ (TPLF Hawelti)

እቲ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን መንግስቲ ፌደራልን ውግእ ከምዘይተወደአ ዝሕብሩ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ይወፁ ኣለዉ። ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ኣመልኪቱ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ንራብዓይ ብርጌድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝደምሰሱ ሓይልታት ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ። ስለዚ’ውን ዝተሰሓሓተ ስእሊ ብምልጣፉ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts