ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ዓ.ም. Sidaama Today ዝተብሃለ (17,248 ሰዓብቲ ዘለዎ) ተጠቃሚ ፌስቡክ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምጥቃዕ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝከየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ቆላ ተምቤን ብዕጡቃት ሓይልታት ትግራይ ተሃሪማ ዝወደቐት ነፋሪት ኢትዮጵያ ምኳና ይሕብር። እቲ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተፅሓፈ ናይ ፌስቡክ ሕታም እታ ሚግ መንግስቲ ፌደራል ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ንምሓዝ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ብህወሓት ዝምራሕ ዕጡቅ ሓይሊ ትግራይ ከምዝተወቕዐት ይገልፅ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ስእሊ ብህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይሊ ዝተወቕዐት ነፋሪት ውግእ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይልን መንግስቲ ፌደራልን ወታደራዊ ጎንፂ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ነታ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ ከምዝተቖፃፀራ ይዝከር። ስዒቡ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ላዕለዎት መሪሕነት ናይቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዕጡቅ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንዳውዓለ ይርከብ። ይኹን’ምበር ኣብ ትግራይ ህውተታን ዘይምርግጋዕን ሰፊኑ ይርከብ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እምበኣር እዚ ነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ ኣብ ቆላ ተንቤን ተሃሪማ ወዲቓ ዝብል ሓበሬታ ዝወፀ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከም መርትዖ ኾይኑ ዝቐረበ ስእሊ ብህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይሊ ዝተሃረመት ነፋሪት ውግእ ኣየርእን። እቲ ስእሊ ብዕለት 9 መስከረም 2009 ዓ.ም. ስካንኒውስ (ScanNews) ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ህንዲ ተለጢፉ ነይሩ። እቲ ናይ ፈለማ ምስሊ ስርሓት ራሽያ ዝኾነት ነፋሪት ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ክፍለግዝኣት ኔቫዳ ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸት ዝገልፅ ሓበሬታ ኔርዎ። እቲ ናይ መጀመርታ ሕታም እዚ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓደጋ የርኢ ዶ ነይሩ ኣየርእን ግን ዝበሎ ነገር የለን። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

ዋላኳ ብዙሓት ነበር መሪሕነት ህወሓት እንተተትሓዙ ዘይምርግጋዕ ግን ቀፂሉ ኣሎ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ስእሊ ብህወሓት ዝመርሖ ዕጡቅ ሓይሊ ኣብ ቆላ ተምቤን ዝተወቕዐት ነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts