ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ወታደራዊ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፌስቡክ ክዛወር ቀንዩ እዩ። ብዕለት 2 ሰነ 2013 ዓ.ም Dade Desta (ዳደ ደስታ) ዝተብሃለ ልዕሊ 24,616 ሰዓብቲ ዘለውዎ ተጠቃሚ ፌስቡክ እዚ ፎቶ ብምጥቃዕ እቲ ወዲ ወታደር ኤርትራ ምኻኑ ይገልፅ። እቲ ሕታም ልዕሊ 53 ዝኾኑ ተጠቀምቲ ተቀባቢሎምዎ ነይሮም። መሊሱ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ Qeerroo Intelligence Group ዝተብሃለ ልዕሊ 7,818 ተኸተልቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገፅ ነቲ ስእሊ ብምልጣፍ ብቋንቋ ኦሮሞ እቲ ሰብኣይ ሲሳይ ተስፋብርሃን ዝተብሃለ ወታደር ኤርትራ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ኦሮምያ ካብ ዝተማረኹ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ወዳደራት ኤርትራ ሓደ ምኻኑን ይሕብር። እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ልዕሊ 146 ዝኾኑ ኣካውንታት ተቀባቢሎምዎ ነይሮም።

ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ኣብቲ ምስልን ሕታማትን ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣብ ኦሮምያ ዝተትሓዘ ወታደር ኤርትራ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ። ስለዚ’ውን ሓቅቼክ ናይ ሓሶት ምስሊ ብምጥቃሞም ነቶም ሕታማት ሓሶት ኢልዎም ኣሎ።

 

ካብ 27 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝመርሖም ሓይልታትን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሖም ሓይልታትን ኲናት ምንባሩ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብፍላይ ድማ ወለጋ ወታደራዊ ጎንፅታት ከምዘሎ ይንገር። ድሒሮም ዝወፁ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቃት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ይዋጋእ ከምዘሎ ይገልፁ። ነዚ ስዒቡ ወታደራት ኤርትራ ናብ ኦሮምያ ከምዝተወዝዑን ምስ ዕጡቃት ይዋግኡ ከምዘለዉን ዝሕብሩ ሓሜታት ይወፁ ኣለዉ።

ነዚ ሓሜት’ዚ ስዒቦም ድማ እቶም ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተማረኸ ወታደር ኤርትራ ከምዝኾነን ተኸሲቶም።

ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ኣብቲ ፎቶ ዘሎ ሰብ ወታደር ኤርትራ ከምዘይኮነን ሙሴ ሙዲ ዝተብሃለ ሶማልያዊ ፍሉጥ ሰብ ምኻኑ የረጋግፅ። እዚ ምስሊ ካብ ሓደ ምስ ሰበይቱ እያ ዝተብሃለት ጎርዞ ዝተስኣሎ ስእሊ ተቆሪፁ ዝወፀ እዩ። እቲ ሙሉእ ምስሊ ሶማሊ ፖስት ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ብ9 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ተሓቲሙ ነይሩ። ሙሴ ሙዲ ንፕረዚደንት ሃገረ ሶማልያ ዝኾነ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ (ፋርማጆ) እናወቀሰ ዝተቀድሖ ቪድዮ ኣብ ዩትዩብ ኣብዚ መላግቦ ኣሎ።  እቲ ፈላማይ ሙሉእ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቁ።

ዝተቆረፀ ምስሊ

ፈላማይ ምስሊ

ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ኦሮምያ ከምዝተወዝዑን ኣብ ወለጋ ምስ ዕጡቃት ይዋግኡ ከምዘለዉን ዝገልፁ ዘይተረጋገፁ ፀብፃባትን ሓሜታትን ክወፁ ፀኒሖም እዮም። ይኹን’ምበር ሓቂቼክ ኣብቶም ሕታማትን እቲ ስእሊን ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ኦሮምያ ዝተትሓዘ ናይ ኤርትራ ወታደር ከምዘይኮነ የረጋግፅ። ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ናይ ሓሶት ምስሊ ብምጥቅዖም ነቶም ሕታማት ሓሶት ኢልዎም ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ፋሲካ ታደሰ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቂቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts