ብዕለት 12፡ ጥሪ 2013 Afmeer tv. ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገፅ (ልዕሊ 235,531 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብምልጣፍ ኣብ ቀረባ ናብ ሱዳን ዝመፁ 5000 ወታደራት ግብፂ ምዃኖም ይገልፅ። እቲ መሰሊ ብዝሒ ዘለዎም ወታደራት ዝፀዓና ድሩዓት መካይን የርኢ። እቲ ብቛንቋ ሶማል ዝተፅሓፈ ፅሑፍ “5000 ወታደራት ግብፂ ንሱዳን ንምሕጋዝ ከምዝኣተዉ መራኸብቲ ሓፋሽ ሱዳን ገሊፀን። ልዕሊ 3000 ወታደራት ሱዳን’ውን ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳቡብ ከባቢታት ይምርሹ ኣለዉ።” ይብል። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመንደዪ ስእሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ሱዳን ንምሕጋዝ ዝመፁ ወታደራት ግብፂ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

 

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎንፂ ከምዘሎን ነዚ ስዒቡ’ውን ወጥሪ ከምዝነገሰን ይፍለጥ እዩ። ግብፂ ነቲ ብዕጡቓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወታደራት ሱዳን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዘይፍትሓዊ እዩ ብምባል ኮኒናቶ ምንባራ ይዝከር። ኣስዒባ’ውን ግብፂ ንሱዳን ዘለዋ ምሉእ ደገፍ ገሊፃ ነይራ እያ። እቲ ምስሕሓብ ብምቕፃሉ ግብፂ ናብ ሱዳን ወታደራት ከምዝለኣኸት ዘይተረጋገፁ ፀብፃባት ይወፁ ነይሮም።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እቲ ግብፂ 5000 ወታደራቱ ናብ ሱዳን ልኢኻ ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ዝወፀ። ይኹንደኣምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንመጀርታ ግዘ ዝተሃትመሉ ብዕለት 7 ለካቲት 2010 ዓ.ም. ኣሕራም ኦንላይን ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ግብፂ እንትኸውን ኣብቲ ግዘ ኣብ በረካታት ሲናይ ተጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ገበርቲ ራዕዲን ገበነኛታትን ናይ ምድምሳስ ወፍሪ ዘርኢ እዩ። እቲ መርበብ ሓበሬታ እቲ ምስሊ ካብ ሚኒስትሪ ምክልካል ግብፂ ከምዝወሰዶ ይገልፅ። ነቲ ምስሊ ዝሓዘ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

 

እቲ ናይ ዶብ ውጥጥ ስዒቡ ሱዳን ብዙሓት ወታደራታ ምስኣፀገዐት ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ። ኮይኑ ግና ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ስእሊ ኣብ ቀረባ ሱዳን ዝኣተዉ 5000 ወታደራት ግብፂ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts