ብዕለት 17 ሕዳር 2013 ዓ.ም. Taajudin Ahamadi ዝብል ተጠቃሚ ፌስቡክ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ብምልጣፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ብከቢድ ሓሚሙ ሆስፒታል ከምዝኣተወን ይሕከም ከምዘሎን ይሕብር። እዚ ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብ ዝተኸሰተሉ ሰዓት ብዛዕባ ሃለዋትን ድሕንነትን’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዙሓት ግምታት ይወፁ ነይሮም እዮም። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ኣቢይ ኣሕመድ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ከምዘሎ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ቅንብር ኢልዎ ኣሎ።

 

 

ካብ ዓይኒ ህዝቢ ጠፊኡ ስለዝቐነየ ብዛዕባ ድሕንነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግምታት ክስምዑ ፀኒሖም እዮም። ገለገለ ሓሚሙ እዩ ገለ’ውን ዓሪፉ ክብሉ ፀኒሖም። ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዕለት 19 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ግን ብዛዕባ ድሕንነት ዶ/ር ኣቢይ ዝስምዑ ዘለዉ ሓሜታት ሓሶት ምዃኖም ገሊፁ ነይሩ። ስዒቡ’ውን ብዕለት 20 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ንኣካለስንኩላን ድጋፍ ዘፍሪ ሓደ ፋብሪካ ክጉብኒ ተራእዩ ነይሩ።

 

 

እቲ ዶ/ር ኣቢይ ብኸቢድ ሓሚሙ ይሕከም ኣሎ ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብዚ ህሞት እዩ ወፅዩ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብመናደዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርኢ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ምስሊ ንመጀመርታ ግዘ ብዕለት 2 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ጎፈንድሚ ኣብ ዝተብሃለ መርበብ መተኣኻኸቢ እቶት ተጠቂዑ ነይሩ። እቲ ምስሊ ቢዳን ታፓ ናይ ዝተብሃለ ኣብ ኣሜሪካ ሕክምና ጆን ሆፕኪንስ ብድኻም ልቢ ናይ ዝሞተ ሰብ ኣስከሬን ክኸውን ከሎ ዝተጠቀዓሉ ዕላማ ድማ ፕሪሲላ ራይ ንዝተብሃለት ሰበይቱ ሓገዝ ንምትእኽኻብ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ።

 

ዝተቀናበረ ምስሊ

 

ፈላማይ ምስሊ

 

ድሕንነት’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝምልከት ብዙሓት ግምታት ክስምዑ ፀኒሖም እዮም። ኮይኑ ግና ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ስእሊ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ምህላዉ ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ቅንብር ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

Similar Posts