Mebrahtom MB Wedi Tigray ዝብል ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ እዘን አብ ታሕቲ ዘለዋ መካይን ብምጥቃዕ (ፖስት) ንብረት ክዘርፋ ናብ ትግራይ ዝመፃ ምዃነን ይገልፅ። ብተወሳኺ’ውን  እቲ ዘይተፃረየ ሓበሬታ ኩሉ ክፈልጦ ብምባል ክካፈል (ሼር ክግበር) ይሓትት።  ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ የረጋግፅ።

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ብህወሓት ዝምራሑ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ሚሊሻን ትግራይን ውግእ ምንባሩ ይዝከር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ክልል ኣምሓራ ብሓደ ገፅ፤ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ክልል ትግራይ ከኣ በቲ ካሊእ ገፅ ንልዕሊ 3 ሰሙናት ኣብ ውግእ ከምዝነበሩ ይሕበር ብዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝምራሕ ሓይሊ ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቀለ ምቁፅፃሩ’ውን ይፍለጥ ነቲ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ስዒቡ መጠነ ሰፊሕ ስርቂን ጎበጣን ከምዘሎ ብዙሓት ሰባት ይገልፁ ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ዝኮነ መረዳእታ ወይ መርትዖ ክርከብ ኣይከኣለን

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ካብ  ኤርትራ ብዙሓት መካይን ንብረት ትግራይ ንምጉባጥ ከምዝመፃ ዝገልፅ ናይ ፌስቡክ ፖስት ይልጠፍ በዚ መሰረት ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይን ኣለሻ ትኽክለኛ ምንጪ ናይቶም ስእልታትን እቲ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ የረጋግፅ እቲ ናይ መጀመርታ ምስሊ ብዙሓት ከበድቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ዘርኢ ኮይኑ ሓደ ፒቺኒ ዝተብሃለ ተኾናታራይ ኣብ ኤርትራ ከተማ ምፅዋዕ መንበሪ ኣባይትን ማእከላት መዘናግዕን ንምስራሕ ብኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ብ2013 ካብ ቻይና ዝዓደገን መካይን እየን እቲ ምስሊ መጀመርታ ዝተሓትመሉ ኣድራሻ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ

 

እቲ ካልኣይ ምስሊ ድማ ካብ ፍሊከር ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ዝተወሰደ ኾይኑ ከም ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ብ2012 ዝተሓተመ እዩ ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ

 

እቲ ሓበሬታ ኣብ ዝተለጠፈሉ ግዘ አብ ትግራይ ዘይምርግጋዕ ይሃሉ እምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ሓበሬታን እቶም ምስልታትን ብዘይምርኻቦም እዚ ፖስት ሓሶት ምኳኑ የረጋግፅ

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም

 

Similar Posts