ብ1 ሚያዝያ 2023 ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምሕረቱ ምስ ቴሌቪዥን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ጠቕላላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ ምስ ናይ ኬንያ፣ ሱዳንን ደቡብ ኣፍሪካን እንትነፃፀር ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኾነ ሓቢሩ ነይሩ።

ከምቲ ዝበሎ ”ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ 28 ቢሊዮን ዶላር እዩ፣ እዚ ከኣ 24 ሚኢታዊ ናይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶትና እዩ። ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር እዉን ዓቢ ዝበሃል ኣይኮነን። ንኣብነት ናይ ኬንያ 70 ሚኢታዊ፣ ናይ ሱዳን 181 ሚኢታዊ፣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ 115 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።”

ሓቂቸክ ነዚ ብኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ ዝተወሃበ ሓሳብ መርሚርዎ እዩ። 

ዕዳ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ክንደይ ሚኢታዊት ምዃኑ ንምፍላጥ፡ እቲ ዕዳ ነቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ክምቀል ኣለዎ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ 24 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

እወ፤ 24.6 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ብመሰረት ባንኪ ዓለም አብ መወዳእታ ሰነ 2021 ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 111.27 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ።

አብ ዘመነ 2021/2022 ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 5.9 ትሪሊዮን ብር ነይሩ። ብተወሳኺ እዉን ጠቕላላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ 27.9 ቢሊዮን ዶላር እዩ፣ እዚ ኸአ 24.6% ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ከምዝኾነ ወሲኹ እቲ ሃገራዊ ባንኪ ጸብጺቡ ነይሩ፡፡ 

ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 70 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

አይኮነን፤ 33.7 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ብመሰረት ባንኪ ዓለም ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ናይ ኬንያ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 110.35 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ናይ ኬንያ ጠቕላላ ናይ ደገ ዕዳ 4,290.7 ቢሊዮን ናይ ኬንያ ሺሊንግ (ከባቢ 39 ቢሊዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር) ከምዝኾነ ማእከላይ ባንኪ ኬንያ ገሊጹ ነይሩ። እዚ ኸአ 50 ሚኢታዊት ናይታ ሃገር ጠቕላላ ዕዳ (ዘቤታዊን ደጋውን ዕዳ) እዩ።

አብ ቀረባ ዝወጹ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ጠቕላላ ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 37.78 ቢሊዮን ዶላር እዩ።

ብመሰረት ሃገራዊ ቤት-ብዕል ኬንያ አብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2022 ጠቕላላ ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 33.7 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ነይሩ። ናይ ኬንያ ጠቕላላ ዕዳ (ዘቤታዊን ደጋዊን) ዕዳ ኸአ 8.6 ትሪሊዮን ሺሊንግ ወይ 67.3 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ስለዚ ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ 70 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ዘይኮነስ 33.7 ሚኢታዊ እዩ።

ናይ ደቡብ አፍሪካ ናይ ደገ ዕዳ 70 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

አይፋል፤ ካብ 39.28 ሚኢታዊ ክሳዕ 40 ሚኢታዊ እዩ።

ብመሰረት ማእከላይ ባንኪ ደቡብ አፍሪካ ብታሕሳስ 2022 ናይ ደቡብ አፍሪካ ናይ ደገ ዕዳ 164.6 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ።

አብ መጠን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ደቡብ አፍሪካ ግን በቲ መንግስቲ ዝተወሃበ ዝኾነ ዝኾነ ወግዓዊ መረዳእታ የለን። 

ባንኪ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን (IMF) ግን ብዛዕባ መጠን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ደቡብ አፍሪካ ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ባንኪ ዓለም አብ 2021 ናይ ደቡብ አፍሪካ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 419.02 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ ይብል።

ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ከኣ ብወገኑ ኣብ 2022 ናይ ደቡብ አፍሪካ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 411.48 ቢሊዮን ዶላር እዩ ነይሩ ይብል።

ማእኸላይ ዉጺኢት ናይዞም ክልተ ኣሃዛት እንተወሲድና 415.25 ቢሊዮን ዶላር እዩ ዝመጽእ።

እንድሕር ደአ እዚ ቁጽሪ እዚ ወሲድና ሚኢታዊት ዕዳ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እንተኣስሊሕናዮ 39.6 ሚኢታዊ እዩ ዝመጽእ።

እንድሕር ዳኣ ክሊቲኦም ኣሃዛት ወሲድና ኣስሊሕናዮ ድማ ካብ 39.28 ሚኢታዊ ክሳዕ 40 ሚኢታዊ እዩ።

ናይ ሱዳን ናይ ደገ ዕዳ 181 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ድዩ?

ኣይኮነን፤ 150 ሚኢታዊ እዩ።

መንግስቲ ሱዳን ክሳዕ ሕጂ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ናይታ ሃገር ክንደይ ምዃኑ ናይ ቀረባ አሃዝ ኣይሃበን። 

ባንኪ ዓለም ኣብ 2021 ናይ ሱዳን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 34.33 ቢሊዮን ዶላር ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር እዚ ኣሃዝ እዚ ናይ ቀደም ስለዝኾነ ነቲ ሕጂ ዘሎ ሚኢታዊት ንምስላሕ ኣይጠቅምን እዩ።

ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ብወገኑ አብ 2022 ናይ ሱዳን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት 42.76 ቢሊዮን ዶላር ከምዝነበረ ይገልፅ።

ብመሰረት ማእከላይ ባንኪ ሱዳን አብ መወዳእታ ሰነ 2022 ናይ ሱዳን ናይ ደገ ዕዳ 64.16 ቢሊዮን ዶላር ነይሩ። 

ስለዚ ናይ ሱዳን ናይ ደገ ዕዳ 150 ሚኢታዊ ናይቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት እዩ።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምሕረቱ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዕዳ ምስ ናይ ኬንያ፣ ደቡብ አፍሪካን ሱዳንን ጠቅላላ ዕዳ (ዘቤታዊን ናይ ደገን ዕዳ) እዩ ብጌጋ ኣነፃፂሩ።