ሓቂቼክ

ሓቂቼክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከት ሓቂነት ሓበሬታታት ዘፃሪ ትካል እዩ። መጀመርታ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ዘይቤ እዩ ተመስሪቱን ይመሓደርን ኔሩ፤ ሕጂ ግና ኣብ ትሕቲ ኢንፎርም ኣፍሪካ ዝተብሃለ ትካል ይመሓደር ኣሎ። ሓቂቼክ ዘይተፃረዩ ሓበሬታታት ንምክትታልን ንምፅራይን ምስ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ሓቢሩ ይሰርሕ እዩ፤ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ማለት’ውን ብትግርኛ፣ ብቋንቋ ኢንግሊዝ፣ ብቋንቋ ኦሮሞ፣ ብቋንቋ ሶማልን ብኣምሓርኛን ምጽራይ ሓበሬታ’ውን ይገብር።

ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ሓበሬታታት ከፃሪ ፀኒሑ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ሓቂቼክ ምስዝተፈላለዩ ትካላት ብምዃን ሰሙናዊ፣ ወርሓዊን ዓመታዊን ናይ ትንታነ ፅሑፋት የዳሉን መፅናዕቲ ይገብርን እዩ።