ብ11 ሚያዝያ 2023 ሓደ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣብ ባህርዳር: ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ካብ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ [ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ] ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ህንጻ ፈሪሱ ንጹሃት ዜጋታት ከኣ ተጎዲኦም ክብል ክልተ ኣሳእል ተጠቂሙ አብ ፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ። 

እታ ቐዳመይቲ ስእሊ ህንጻ እናፈረሰ እንተሎ እተሪኢ ኾይና፣ እታ ካልኤቲ ኸአ ትኪ ንሰማይ እናዓረገ እንከሎ እተሪኢ እያ። 

እዛ ጥቃዕ ኣብ ዝወጸትላ ግዜ መዓት ግብረመልሲ ረኺባ፤ ልዕሊ ሸሞንተ ግዜ ኸኣ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እታ ሓንቲ ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘይተርእን ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ አሎ። ስለዚ እቲ ጥቃዕ ብኸፊል ሓሶት እዩ።

ብ6 ሚያዝያ 2023 ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ፈሪሱ ናብ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ናብ ፌደራል ፖሊስ ወይ ከአ ናብ ናይ ክልላት ፖሊስ ክጽንበር ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ። ነዚ ስዒቡ ከአ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ አምሓራ ወጥሪ ነጊሱ ነይሩ።

ኣብቲ ክልል ኣንጻር እቲ ናይቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ውሳነ ህዝባዊ ተቛዉሞታት ነይሩ፣ ዕጥቃዊ ግጥማት እዉን ነይሩ እዩ።

ብ31 መጋቢት 2023 ኮምሽነር ሃገራዊ እግሪ ምትካል ተሾመ ቶጋ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እንኮላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ምፍራስን መሊስካ ምውህሃድን ዘተ ከምዝተገብረ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ መንግስቲ ንናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ጥራይ እዩ እምበር፣ ንናይ ኦሮሚያ ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቂ ንምፍታሕን ንምብታንን መደብ ከምዘይብሉ ዝሕብሩ ዝተፈላለዩ ወረታት ይውረዩ ነይሮም።

ዝኾነ ኾይኑ ናይተን አሳእል ሓቅነት ንምርግጋጽ ሓቂቸክ ብዝገበሮ ጻዕሪ እታ ሓንቲ ስእሊ ካብ ናይ ቀደም ሕታም ዝተወሰደት ምዃና ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዛ  ስእሊ እዚአ ብ26 ለካቲት 2022 ኣብ ኬቭ፡ ዩክሬን ብናይ ሩስያ ከቢድ ብረት ተሃሪሙ ኣዝዩ ዝተሃስየ ህንጻ እተሪኢ ኾይና ብሲኤንኤን ዝተሓተመት እያ።

እታ ካልአይቲ ስእሊ ኸአ ብ11 ሚያዝያ 2023 ብናይ ዉሽጢ ዓዲ ማዕከን ሚድያ ዝተጠቀዐት ኮይና፣ አብዚ ቀረባ ኣብ ዝነበረ ተቛውሞ አብ ባህርዳር ጎማ እናተቓጸለ እንከሎ እተሪኢ እያ።

ዋላኳ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቛዉሞን ፍጥጥን ይሃሉ እምበር፡ እታ ቀዳመይቲ ስእሊ ኣብ ባህርዳር ህንጻ እናፈረሰ እናሃለወ እተሪኢ ኣይኮነትን። ስለዚ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ብኸፊል ሓሶት ኢልዎ አሎ።

Similar Posts