ብቅደም ሰዓብ ልዕሊ 57,638፣ 67,480 ከምኡውን 7,733 ሰዓብቲ ዘለዎም ናይ ቴለግራም መትረባት ብስምን ኣርማን ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ባንኪ ኣምሓራን ባንኪ ኣባይን ዝተተቅዑ ሓበሬታታት ይዝርግሑ ኔሮም። እቶም ናይ ቴሌግራም ጥቃዓት ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ዘለዎም ኮይኑ እቶም ባንኪታት ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ሽልማት ወይ ገፀበረኸት ከምዘዳለዉ ይሕብሩ፤ መልእኽቶም’ውን ናብ ብዙሓት ክባፃሕ ንሰዓብቶም ይምሕፀኑ።

ግና’ኸ ሓቂቼክ ነቲ ትሕዝቶ ናይቶም መልእኽታት መርሚሩ እቶም ናይ ቴሌግራም ጥቃዓት ኣታላል ከምዝዀኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

                             

እታ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቻናል ዘላ መልእኽቲ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ብዙሕ ሽልማት ከምዘዳለወ ትገልፅ፤ ከምዚ ድማ ትብል “ኣብዚ ዓመት ዝተረኽበ ሓፈሻዊ ኣታዊ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 1.1 ትሪልዮን ብር ምኽንያት ብምግባር ፕረዚደንት እቲኢ ባንኪ ኣቤ ሳኖ ነቲ ቻናል ቴሌግራም ንምውዕዋዕ ሽልማት ክወሃብ ኣዚሉ። ስለዚ ኣብቲ ቐዳማይ ሽልማት ን200 ተዓወትቲ ንሕድሕደን 300,000 ብር ዝዋጋአን ሰብ-ሰለስተ እግሪ መካይን [ባጃጅ] ከምኡ’ውን ነናይ 50,000 ብር ናይ ግዛ ናውቲ ክሽለሙ እዮም።”

ብኸምዚ እቲ መልእኽቲ ንሰባት ካብ ቀዳማይ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ 5,000 ብር ሽልማት ብምዝርዛር ንመንበብቲ ከስድዕ ይፍትን። ይኹን እምበር ሰባት ነቲ ሽልማት ብቑዓት ምእንቲ ኪዀኑ መምርሒታቱ ኺስዕቡ የዘኻኽሮም እዩ፣ እዚ ኸኣ ናብቲ ቻናል ምእታውን ነቲ መልእኽቲ ናብ ልዕሊ 50 ሰባት ምብፃሕን ይጠልብ።

እቲ ብሽም ባንኪ ኣባይ ዝተሰነዐ መበል ካልኣይ ጽሑፍ ከምዚ ይንበብ – “ንስድራቤታት ቻናልና ርሑስ ሓድሽ ዓመት እናተመነና ባንክና ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ሽልማት ክህብ ምኻኑ ይመባፃዕ [መብፅዓ ይኣቱ]።” “ስለዚ ቀዳማይ ሽልማት 500,000 ብር ኮይኑ ን50 ተዓወትቲ ኮይኑ ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ናይ 40,000 ብር  ፍሪጅ ኣለዎ…”። እቲ ናይ ቴሌግራም ጥቃዕ ካብ ቐዳማይ ዓብዪ ሽልማት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ሽልማት 5,000 ብር ከምኡውን ካልእ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝወሃብ ፍሉይ ህያባት ሽዱሽተ ሽልማታት ከምዘሎ ይሕብር። ኣብ መወዳእታ እቲ ፅሑፍ ነቲ ዝተብሃለ ሽልማት ብቁዓት ንምኳን ኣንበብቲ ናብቲ ቻናል ክፅምበሩን ብውሑዱ ናብ 50 ሰባት ከባፅሕዎን የገድድ።

እቲ ሳልሳይ ቻነል ብሽም ባንኪ ኣምሓራ ዝፀሓፎ መልእኽቲ ከምዚ ይብል “ባንኪ ኣምሓራ ኣብታ እትቕጽል ሓዳስ ዓመት ኢትዮጵያ 2014 ዕዮኡ ንምዕያይ ዝገበሮ ምድላዋት ኣፃፊፉ ኣሎ። ባንክና ብወግዒ ኣገልግሎት ክሳዕ ዚጅምር ዓማዊልና ንምዕቃብ ናይ ሓዱሽ ዓመት ሽልማት ክህብ እዩ። ስለዚ ቀዳማይ ሽልማት ን200 ዕድለኛታት ሰባት ነፍሲ ወከፎም ናይ 300,000 ብር መኪናን ናይ 50,000 ብር ናይ ገዛ ኣቁሑትን እዩ።” እዚ መልእኽቲ እዚ ልክዕ ከምቶም ቅድም ክብል ዝተገለፁ ናይ ቴሌግራም መልእኽታት መስድዒ ብዙሓት ሽልማታት ብምዝርዛር ኣንበብቲ ናብቲ ቻናል ክፅንበሩን ነቲ መልእኽቲ ኸኣ ናብ ካልኦት ከባፅህዎን ይጠልብ።

ሓቂቼክ ነቲ ናይ ቴለግራም መልእኽቲታት ንምፅራይ ኣብ ዝገበሮ ፃዕሪ ንኣባል ቦርድ ባንኪ ኣምሓራ ዝኾነ ዶ/ር ለጤናህ እጅጉ ኣዘራሪቡ፤ በዚ’ውን እቲ ባንኪ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገፃት ወይ ሒሳባት ከምዘይብሉን እቶም መልእኽቲታት ድማ ኣታላል ምኳኖምን ኣረጋጊፁሉ እዩ። ዶ/ር ለጤናህ “ሰባት ካብ ከምዚ ዓይነት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ምትላላት ገዛእ ርእሶም ክሕልዉ ኣለዎም።” ይብል።

ኻልእ ሸነኽ ኸኣ ቕድሚ ወርሒ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብቲ እተረጋገጸ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገፁ ንዓማዊሉ ንገዛእ ርእሶም ካብ ናይ ሓሶት ገጻት ክሕልዉ ፅሒፉ እዩ።

ነቲ ኣብ ወግዓዊ ወብሳይታት ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ባንኪ ኣባይን ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ቴለግራም መትረባቶም እውን ኣቲና ርኢናዮ ኢና፤ እንተኾነ እተን ባንክታት ናይ ሓድሽ ዓመት ሽልማት ከምዝህባ ዝገልፅ ሓበሬታ የለን።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ናይ ቴለግራም መትረባት ዝዝርጋሕ ዘሎ መልእኽቲታት ኣታላል ምዃኑን፤ ከምኡውን እተን ባንክታት ከምዘይፀሓፍኡን ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓቂቼክ ነቶም ተጠቀምቲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይምዕዶም፡

  • ኣድራሻ እቲ ወብሳይትን ዶመይናትን ይርኣዩ።
  • ንቑሕን ተጠራጣርን ኩን፤  መንነት እቲ ፀሓፊ ናይቲ ሓበሬታ ፍለጥ፤ ከምኡ’ውን ካብቲ ትካል ኣረጋግፅ።
  • ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽትወስድ ንዚወርደካ ጸቕጢ ተቓወሞ ግዜ ወሲድካ’ውን ንሓቅነት/ተኣማኒነት እቲ ለኣኺ መርምር።
  • ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ኣብ ዚህልወሉ እዋን ነቲ እተጠቅሰ ትካል ተወከስ።

Similar Posts