ብሚያዝያ 18 መደናገሪ ናይ ፌስቡክ ሕታም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ተሰማሚዓ ክብል ገሊፁ ኔሩ።

እቲ ሕታም ‘ናብ ናይ መወዳእታ መፈለምታ እናቐረብና ኢና፤ ንኦሮምያ ኢና ንቃለስ ንዝብሉ ሓይልታት ካብዚ ዝበለፀ ግዘ ኣይክመፅእን እዩ’ ብምባል ኣብ ትሕቲኡ ጥቃዕ ለጢፉ ኔሩ። ብዙሓት’ውን ነቲ ሕታም ተቐባቢሎሞን ግብረመልሲ ሂቦምን እዮም።

ግናኸ እቲ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ዝብል ናይ ሮይተርስ ዜና ናይ ዓሚ ምዃኑ ተረጋጊፁ እዩ።

=

ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኲናት ቀፂሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ነቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ብምሕጋዝ ኣብ’ቲ ውግእ ኢዱ ኣእትዩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከውፅእ ፃውዒታት ተገይሮም ኔሮም። 

ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ሰብኣውነት ዘተኰረ ቶዂሲ ደው ናይ ምባል ሓድሕዳዊ ተበግሶ ወሲዶም እዮም። ካብ ሽዑ ድማ ዝተወሰነ ሬድኤት ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ተገሊፁ ኔሩ።

ኣብዚ ኩነታት’ዚ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውፅእ ተሰማሚዓ ዝብል መደናገሪ ናይ ፌስቡክ ሕታም ተዓዘብና። እቲ ሕታም ብቐጥታ ዘይኰነ ብተዘዋዋሪ ኤርትራ ወታደራታ ንምውፃእ ኣብዚ ቀረባ ከምዝተሰማምዐት ብምምሳል የደናግር።

እንተዀነ፡ እዚ ዜና እዚ ቅድሚ ዓመት ዝተፀብፀበ ሓበሬታ እዩ። እቲ ጥቃዕ ድማ ቅድሚ ዓመት ካብ ዝተሓተመ ናይ ሮይተርስ ዜና ዝተወስደ እዩ።

ብሚያዝያ 16፣ 2021፡ ኤርትራ ብመገዲ ኣምባሳደራ ኣቢላ ናን ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ወታደራታ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ብምግላፅ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ምዃና’ውን ኣፍሊጣ ኔራ። እዚ ዜና’ውን ብሮይተርስ ተፀብፂቡ ኔሩ። ግናኸ እዚ ናይ ፌስቡክ ሕታም ነቲ ዓመት ዝሓለፎ ዜና ከምብሓዱሽ ብምቕራብ ሰባት ከደናግር ፈቲኑ እዩ።

ስለዚውን፡ ሓቂቼክ ነቲ ሕታም መደናገሪ ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts