ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዘካየድናዮ ምፅራይ ሓቂ ገለ ገለ ናይ ቴሌግራም ቻናላት ናይ ባንኪታት ሽም ብምጥቃም ተጠቀምቲ ቴሌግራም እቶም ባንኪታት ንዘዳለውዎም ሽልማታት ብቑዓት መታን ክኾኑ ናብቶም ቻናላት ክፅምበሩን መልእኽቲታት ናብ ፈተውቶም ከባፅሑን ብምሕባት ናይ ምትላል ፈተነታት ከምዝገበሩ ኣረጋጊፅና ኔርና። ሓቂቼክ ነቶም ናይ ቴሌግራም መልእኽታት ኣፃርዩ ኣታላል ምኳኖም ገሊፁ እዩ።

ሕጂ ድማ ካብ ኣንበብትና ብዛዕባ ብሽም ግሎባል ባንኪ ደቡብ ዝተኸፍተ ቻናል ቴሌግራምን ኣብኡ ዘሎ ናይ ሽልማት ሓበሬታን ክነፃሪ ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ። ኣብቲ ቻናል ብቋንቋ ኣምሓርይና ዝተፃሕፈ ሕታም “ባንክና ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ቻናልና ንምውዕዋዕ ክሳዕ 30 መስከረም 2014 ዝፀንሕ ገፀበረኸት ኣዳሊና ኣለና” ይብል።

ክሳዕ ናይዚ ዓንቀፅ ናይ ኢንግሊሽ ቅዳሕ ዝተሓትመሉ እዋን እቲ ናይ ቴሌግራም መልእኽቲ ልዕሊ 52,700 ዝኾኑ ተዓዘብቲ ረኺቡ ኔሩ። ዘይከም እቶም ቀዳሞት ናይ ቴሌግራም መልእኽታት፤ እዚ መልእኽቲ ግና ብልክዕ ናይ ግሎባል ባንኪ ደቡብ ምዃኑ ሓቂቼክ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እዚ ሕታም ቴሌግራም ኣርባዕተ ዓይነት ሽልማታት ይዝርዝር። እቲ ናይ መጀመርታ ሽልማት ንሰለስተ ዕድሌናታት ሰባት ዝወሃባ ምዕቡላት ሞባይል እንትኾና፤ ብተወሳኺ ናይ ሓደ ወርሒ ፓኬጅ ዘለዎ ናይ ዲኤስ ቲቪ ዲኮደር፣ ወርቃዊ ኣባልነት ናይቲ ባንኪን ናይ 100 ብር ካርዲ ሞባይል ሽልማታት ኣለዉ። ነቲ ሽልማት ብቑዓት ንክኾኑ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ናብቲ ቻናል ክፅምበሩን እቲ መልእኽቲ ብውሑዱ ናብ 50 ሰባት ከባፅሕዎን ኣለዎም።

ነቲ ሓበሬታ ንምፅራይ ሓቂቼክ ንሓላፊ ክፍሊ ማርኬቲንግ እቲ ባንኪ ኣይተ ተመስገን ፍቓዱ ኣዘራሪቡ ኔሩ። እቲ ሓላፊ ከምዚ ብምባል የብራህርህ “እቲ ቻናል ቴሌግራም ሓቃዊ እዩ። በዓል 100 ብር ካርዲ ሞባይል፣ ሞባይል ስልኪታትን ዲኮደራት ዲኤስቲቪን ንህብ ኢና። ክሳዕ እቲ እተጠቕሰ ግዘ እቲ ናይ ሽልማት ዕድል ንኣባላት ቻናልና ክፉት እዩ።”

ብተወሳኺ ሓቂቼክ ንሓላፊ ማርኬቲንግን ብራንድን እቲ ባንኪ ዝኾነ ኣይተ ኣስናቀ ወርቁ ኣዘራሪቡ እዩ። እቲ ሓላፊ እቶም ሽልማታት ናይ ብሓቂ ምዃኖም ደጊሙ የረጋግፅ። እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ ንምርግጋፅ ናብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር እቲ ባንኪ ደዊልና ኔርና።

ስለዝኾነ’ውን እቲ ብሽም ግሎባል ባንኪ ደቡብ ዝተኸፍተ ቻናል ቴሌግራምን እቲ ናይ ሽልማት መልእኽቲን ሓቂ ምዃኖም ተረጋጊፁ ኣሎ።

Similar Posts