ብ14 ታሕሳስ 2022 ዲቢዛ ዝተኸድኑ ናይ ጸጥታ ኣካላት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ተምሃሮ እንትሃርሙ እተርኢ ስእሊ እያ ምስዝብል ሓበሬታ ሓንቲ ፎቶ ኣብ ፌስቡክ ተጠቂዓ ተሓቲማ ነይራ።

እታ ሕታም ኣዝያ ተላቢዓ ዝነበረትን ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ  ሽሕ ግዜ ተወዓዊዓ ዝነበረትን እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ናይ ቀረባ ተምሃሮ ኣዲስ ኣባባ ብፖሊስ እናተሃርሙ እንተለዉ እተርኢ ከምዘይኮነት ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ። 

ምስ እዚ ምዝማር ናይ ኦሮሚያ መዝሙርን ምውልብላብ ናይ ኦሮምያ ባንዴራን ተተሓሒዙ ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ኣዲስ ኣባባን ፖሊስን ጎንጺ ነይሩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ወጺኦም ነይሮም።

ከንቲባ ኣዲስ ኣባባ ኣዳነች ኣቤቤ ሰባት ምስ ባንዴራ ኣተሓሒዞም ጎንጺ ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክትብል ከምዝገለፀት ተሓቢሩሓቢሩ ነይሩ።

ብ8 ታሕሳስ 2022 ፖሊስ ቴስዓን ሸውዓተን ዕግርግር ኣልዒሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ፖሊስ ከምዝገለጾ እዞም ተታሒዞም ዘለዉ ተምሃሮ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኦሮሚያን ባንዴራ ብምውራድ ኮነ ኢሎም ዕግርግር ንምልዓል ዝፈተኑ ከምዝኾኑ መብራህርሂ ሂቡ ነይሩ።

ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ኣዲስ ኣባባ ሊድያ ግርማ ብ12 ታሕሳስ 2022 ከምዝሓበረቶ፣ ኣስታት ሰብዓን ክልተን ዝኾኑ ኣብ ቤት-ትምህርትታት ናዕቢ ንምብግጋስ ፈቲኖም ዝተባህሉ ሰባት ብናይ ጸጥታ ኣካላት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ገሊጻ ነይራ።

ኢሉ እዉን ብ12 ታሕሳስ 2022 ፖላዊስ ተምሃሮ ኣብ ሽሮሜዳ ከም ሕሱም እናገረፍዎም እተርኢ እያ ዝተብሃለት ቁራጽ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክ ተሓቲማ ሓቂቸክ ረኺቡ ነይሩ።

ኣብዚ ሰሙን ዝወፁ ዜናታት ከምዝሕብርዎ ፌደራላዊ መንግስቲ ተምሃሮ ብግዲ መዝሙር ናይ ክልል ኦሮሚያ ንኸይዝምሩን ባንዴራ ናይ ኦሮሚያ ንኸይሰቕሉን ነተን ናይታ ከተማ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዚዙ ነይሩ።

እዛ ኣብ ቀረባ ፖሊስ ተምሃሮ ኣዲስ ኣባባ በዲሉ ክትብል ወፅያ ዝነበረት ስእሊ እዉን እዚ ህሞት እዚ መሰረት ገይራ እያ።

ነቲ ሓበሬታ ንምጽራይ ኣብ ዝተገበረ ጻዕሪ፣ እዛ ስእሊ ብ2016 ኣቆጻጽራ ጎርጎሮሳውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታት እንኮላይ ሂዩማን ራይትስ ዎች ብዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ተጠቂዓ ዝነበረት ኮይና ኣብ 2016 ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕብታት ንምጭፍላቕ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ተምሃሮ እንትሃርሙን እንተንከላብቱን እተርኢ እያ።

ሊንክ
ስለዚ’ውን እዛ ስእሊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ፖሊስ ተምሃሮ እንትሃርሙ ኣይተርእን። በዚ ምኽንያት እምበኣር እታ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂላ ኣላ።

Similar Posts