ብ9 ጥሪ 2023 ሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ካብ ትግራይ ንብረት ይስረቕ ኣሎ (ብወተሃደራት ኤርትራ ማለት እዩ) ዝብል ፅሑፍ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ጠቂዑ ነይሩ።

እታ ጥቃዕ ትዊተር ኣስታት 75 ግዜ ተወዓዊዓን ብልዕሊ ክልተ ሽሕ ተጠቀምቲ ናይቲ ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ ተራእያን ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እታ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ንምዕጃብ ዝመጸት ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነት ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እታ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ21 ሚያዝያ 2022 እያ ተሓቲማ።

ድሕሪ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምትፍናን፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ኲናት እዮም ኣምሪሖም

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ናይ ክልል ኣምሓራ ምልሻን ህወሓት ኣብ ምድምሳስ ኣብ ጎኒ ፌደራላዊ መንግስቲ ኮይኖም ኣብቲ ኲናት ተጸምቢሮም እዮም።

እዞም ኣብዚ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ዝተሳተፉ ዕጡቓት ሓይልታት ብጅምላዊ ቅትለትን ምዝማት ንብረትን ተኸሲሶም ነይሮም እዮም።

እዚ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ተፃባእቲ ሓይልታት ብሕዳር 2022 ስምምዕነት ሰላም ምስ ተፈረመ እዩ መኸተምታ ረኺቡ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ምፍታሕ ከቢድ ብረት ዕጡቓት ህወሓት ምስ ምውጻእ ናይ ኤርትራን ካልኦት ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣባላት ዘይኮኑ ሓይልታትን ካብ ትግራይ እዩ ዝግበር እዩ ዝብል።

ኣብ መወዳእታ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ወተሃደራት ኤርትራ ቀንዲ ቀንዲ ከተማታት ትግራይ እናለቐቑ ይወጹ ከምዘለዉ ተጸብጺቡ ነይሩ።

ግን ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ይኹኑ ዋላ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ካብ ትግራይ መሊኦም ምውጽኦም ዛጊድ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እምበኣር ብ9 ጥሪ 2023 ብሓንቲ ስእሊ ዝተደገፈት ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንብረት ይዘምቱ ኣለዉ ትብል ጽሕፍቲ ኣብ ትዊተር ዝተጠቀዐት። እታ ስእሊ ብዙሓት መካይን እንታይ ምዃኑ ብንፁር ዘይፍለጥ ንብረት ፅዒነን እንትጎዓዛ እተርኢ እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነታ ስእሊ ተዓዚቡ ነቲ ዝተበሃለ ሓበሬታ ከምዘይተረጋግፅ ፈሊጡ እዩ።

እታ ስእሊ ናይ ቀደምን ብ21 ሚያዝያ 2022 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ፌስቡክ ዝተሓተመትን እያ። ምስ እዛ ስእሊ ተተሓሒዛ ዘላ እታ ናይ በሓቂ ጽሕፍቲ ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ ካብ ሑመራ ንብረት ተዘሚቱ ናብ ጎንደር ይውሰድ ኣሎ እትብል እያ።

በዚ ምኽንያት እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ናይ ትዊተር ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts