ብ5 ታሕሳስ 2022 ሸውዓተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቐቲሎም ዝብል መልእኽቲ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ሓቲሙ ነይሩ። 

እታ ስእሊ ‘ዘርኢ ምጽናት ኣምሓራ ኣብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢትዮጵያ’ ዝብል ናይ ኢንግሊሽ ጽሑፍ ዘለዋ እያ።

እታ ናይ ፌስቡክ ሕታም ልዕሊ 39 ግዜ ተወዓዊዓ ነይራ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነታ ስእሊ መርሚሩ ነቲ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ከምዘይተርኢ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት እዩ።

ተደጋጋሚ ጎንጽን ዓመጽን ኣብ ኦሮሚያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ነይሩ። እቲ ዕጥቃዊ ጎንጺ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን(ሰሓኦ) ወይ ከኣ ብመንግስቲ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝፍለጥ ዛይዱኣሎ።

ኣብ መንጎ እቲ ጎንጺ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝርከብዎም ተቐቲሎም  እዮም። ካብቲ ጎንጺ ዝነበረሉ ቦታታት ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝተመዛበሉን ብኣልማማ ከምዝተቐትሉን ጸብጸባት ይሕብሩ

መንግስቲን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ነቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ነንባዕሎም እዮም ዝካሰሱ ዘለዉ።

ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብ መንጎ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብ ዝርከብ ቦታ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ዝተገብረ ጎንጺ ብብዝሒ መቕተልትን ዓመጽን ከምዝነበረ ኣብ ቀረባ ተጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብ እዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ሓንቲ ብስእሊ ተደጊፋ ንጹሃት ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ቀረባ ተቐቲሎም እትብል ጽሕፍቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተቐልቀለት።

ሓቂቸክ ነታ ስእሊ መርሚሩ ብነሓሰ 2020 ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ተሓቲማ ከም ዝነበረት ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እታ ስእሊ መጀመርታ ብናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ዝተሓተመት ኮይና፤ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያ ባይደዋ ኣብ እትበሃል ከተማ ክልተ ወተሃደራት ሶማልያ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቆልዓ ዓሚጾም ተባሂሎም ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ክርሸኑ እንከለዉ እተርኢ እያ።

እዞም ወተሃደራት እዚኦም ቅድሚ ብናይ ሶማልያ ሓይልታት ምክልኻል፡ ክፍለ ሰራዊት ሱሳ ምቕታሎም፣ ኣብ ወሰናወሰን እታ ኸተማ ተዓጂቦም ምርኢት ከምዝተገብረሎም እቲ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ይገልፅ። ስለዚ ብስንኪ ዘይልክዕ ስእሊ ምጥቃም ሓቂቸክ ነቲ ጥቓዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ። 

Similar Posts