ብ5 ታሕሳስ 2022 ሓንቲ ስእሊ ‘እዚ ፊልሚ ኣይኮነን እዚ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝኾነ እዩ’ ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ጽሑፍ ዘለዋ፣ ብኻሊእ ኣበሃህላ ኣብዚ ዝነበረ ጎንጺ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ከምዝተቓጸለ ብግልጺ እተተንብህ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተጠቂዓ ነይራ።

እዛ ጥቓዕ ብዙሕ ግብረመልሲ ዝረኸበትን ኣስታት ስሳ ግዜ ከኣ ዝተወዓወዐትን እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ናይ ቀደም ከምዝኾነትን ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝከይድ ዘሎ ጎንጺ ሰብ እናተቓጸሎ እንኮሎ ከምዘይተርእይን ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዛ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ብ6 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ትዊተር እያ ተሓቲማ።

ካብዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይምርግጋእን ዉሽጣዊ ጎንጺን እያ ትርከብ። ናይ ዶብን መሬትን ባእሲ፣ ጎንጺ ኣብ መንጎ ብሄራትን ቀቢላታትን፣ ምምዝባልን ጅምላዊ ጨፍጫፍን ቀፂሎም እዮም።

ልዕሊ ኹሉ ከኣ ንክልተ ዓመታት ኲናት ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ክካየድ ፀኒሑ።

ኣብ ቀረባ ጎንጺ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ኣብ ወለጋ ተወሊዑ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ቀረባ ኣብ ወለጋ ዝነበረ ጎንጺ ዓመጽን ጅምላዊ ጨፍጫፍን ከምዝተፈጸሙ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።

ብ3 ታሕሳስ 2022 ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያታት ኪረሙ ኣብ እትበሃል ኣብ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ቦታ ብ25 ን 29ን ሕዳር 2022 ናይ ኣምሓራ ዕጡቓት ሓይልታት ኣትዮም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ጸብጺበን ነይረን።

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ኣብቲ ዝቕፅል ዝነበረ ጎንፂ ሰብ ብሓዊ ነዲዱ ዝብል ሓበሬታ ዘለዋ ሓንቲ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ገጽ ዝተጠቀዐት።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ እዛ ስእሊ ኣብዚ ናይ ቀረባ ናይ ኢትዮጵያ ጎንጺ ሰብ እናተቓጸለ እንከሎ ኣይተርእን።

እዛ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ6 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ትዊተር እያ ምስ ‘ናይ ዕስለ ፍትሒ ጽቡቕ ኣይኮነን፣ ግዝኣት ሕጊ ደኣ ኣበይ ኣሎ’ ዝብል ጽሑፍ ተሓቲማ ነይራ። እዛ ኣብ ትዊተር ንመጀመርታ ግዜ ዝተጠቀዐት ስእሊ ኣብ ማላዊ ዝተገብረ ፍጻመ እትርኢ ኮይና ብኣስታት ሰላሳ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ተጠቃሚ ትዊተር ዝተጠቀዐት እያ።

ስለዚ ብምኽንያት ጉጉይ ስእሊ ምጥቃሙ ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts