ብ21 ታሕሳስ 2022 ሽዱሽተ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ናይ ኦዳ ባስ መኪና ኣብ ኦሮሚያ ናብ ዝርከቡ ዓውደ ዉግኣት  ተዋጋእቲ ፋኖ ኣመላሊሳ እትብል ጽሕፍቲ ዘላታ ሓንቲ ስእሊ ዘርጊሑ ኣዋዓዊዑ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ዘላ ስእሊ ዝተቓጸለት መኪና እተርኢ ኮይና፣ እቲ ትካል ኦዳ ባስ ሚሊሻ ፋኖ ከምዘመላለሰ ኣሚኑ ንህዝቢ ኦሮሞ ከኣ ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ እያ እትብል። 

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ መርሚሩ፣ እታ ስእሊ ናይ ኦዳ ባስ መኪና ተዋጋእቲ ፋኖ እናጓዓዓዘት እንተላ ከምዘይተርኢ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይከኣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ዉግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ዉግእ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣዝዩ ተበኣኢሱ ኣሎ።

ንጹሃት ዜጋታት ግዳይ ይኾኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወለጋ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቖሲሎምን እዮም።

እቲ መንግስቲ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ሽኔ ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ፣ ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝተፈጸመ ብመንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተበሃለ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያ ከምዝሕብሮ ግን ብ25ን ብ29ን ሕዳር ኪረሙ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ኣብ ኣውራጃ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ቦታ ዕጡቓት ምልሻ ኣምሓራ ኣትዮም መዓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝቐተሉ ሓቢሩ ነይሩ። እዚ ሓበሬታ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝረኸቦ እዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝገልጽ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ኣብ ቐረባ ኣብ ወለጋ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ሰባት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝርከብዎም ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም እዮም። 

እዚ እናተበሃለ እንከሎ እዩ፣ መካይን ኦዳ ባስ ንተዋጋእቲ ፋኖ ኣጎዓዒዘን ክትብል ሓንቲ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ዝተቐልቀለት። ብኻሊእ ኣበሃህላ እታ ጥቃዕ ‘እዛ እናተቓጸለት እትሪእዋ ዘለኹም ናይ ኦዳ ባስ መኪና ሚሊሻ ፋና ክተመላልስ እንከላ ኣብ ኦሮሚያ ዝተቓጸለት እያ’ ዝብል ዘይቀጥታዊ መልእኽቲ ዘለዋ እያ።

ኦዳ ባስ ናይ መጓዓዝያ ኩባንያ ኮይኑ፣ ዋንነቱ ከኣ ብቡዙሓት ሰብ-ብርኪ ዝውነን ናይ ሓፋሽ ትካል እዩ። እዚ ኩባንያ እዚ ከኣ ብቐንዱ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ እዩ ዝሰርሕ።

ሓቂቸክ እታ ስእሊ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ተረጋግጽ ምዃናን ዘይምዃናን መርሚሩዋ ነይሩ። ይኹን እምበር እታ ስእሊ መካይን ኦዳ ባስ ተዋጋእቲ ፋኖ ናብ ክልል ኦሮሚያ ከምዘጎዓዓዛ ኣይተረጋግፅን።

ነቲ ጥቃዕ ዓጂባ ዝመጸት ስእሊ ካብ ናይ ቀደም ሕታም ዝተወስደት እያ። እታ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ብ18 ለካቲት 2022 እያ ተጠቂዓ። 

እታ ናይ ብሓቂ ስእሊ ሓንቲ መኪና ካብ ኣዲስ ኣባባ ናብ ደሴ እናኸደት እናሃለወት ብሰንኪ ናይ ሞተር ምብልሻው ከምዝተቓጸለት እትሕብር ጽሑፍ ዘለዋ እያ። እቲ ክስተት ዘጋጠመ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ፡ ጥሙጋ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ እዩ።

ስለዚ ብምኽንያት ናይ ሓሶት ስእሊ ምጥቃሙ ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts