ብ30 ሕዳር 2022 ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ ፕረዚደንት ኤርትራ ካብ ተወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ህያብ እናተቐበለ እተርኢ ስእሊ ምዃን ብምሕባር ጠቂዑ ነይሩ። እታ ህያብ ናይ ሃፀይ ሃይለስላሴ ስእሊ እተርኢ ኮይና ‘በሉ ረኣዩ እቲ ፕረዚደንት ምስ ታሪኻውያን ፀላእትና ይሰርሕ ኣሎ’ ዝብል ዘይቀጥታዊ ትርጉም ምስዘለዎ “ነዚ [ስርዓት] ኢኹም ትድግፉ [ዘለኹም]” ዝብል ፅሑፍ ብምስናይ ነቶም ደገፍቲ ናይቲ ገዛኢ ዉድብ ዝነቅፍ ጥቃዕ እዩ።

እዛ ጥቃዕ ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ግብረመልሲ ዝረኸበት ኮይና፤ ብዙሕ ግዜ ኸኣ ተወዓዊዓ እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ተወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ዝሃብዎ ህያብ ከምዘይተርኢ ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እታ ኣብዛ ጥቃዕ ዘላ ስእሊ ዝተቐናበረት እያ።

ጥልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሓይልታት ኪዳን ምስ ተሰዓረት፣ ወታደራዊ ምምሕዳር ኢንግሊዝ እዩ ነታ ቅድም ግዝኣት ጥልያን ዝነበረት ኤርትራ ከመሓድራ ጀሚሩ። ብ1952 ከኣ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ብፌደሬሽን ኣብ ትሕቲ እትዮጵያ ክትመሓደር ወሲኑ ኔሩ።

ይኹን እምበር እቲ ናይ መወዳእታ ሃፀይ ናይ እምብራጦርያ ኢትዮጵያ ንጉስ ሃይለስላሴ ነቲ ፌደሬሽን ኣፍሪሱ ንኤርትራ ብዘይዝኾነ መሰል ርእሰ-ዉሳነ ከም ሓንቲ ግዝኣት እታ ሃገር ኮይና ክትመሓደር ናብ ኢትዮጵያ ቖሪንዋ።

እቲ ንጉስ ጌና ብመንግስቲ ደርጊ ቅድሚ ምዕላዉ እዩ ዕጥቃዊ ተቛዉሞ ኣብ ኤርትራ ገጢምዎ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ባዕሉ እዉን ኣብዚ መራሒ ናይቲ ኣንጻር እቲ ሃፀያዊ መንግስቲን ንናፅነት ኤርትራ ዝቃለስ ዝነበረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) እዩ ነይሩ።

ድሕር’ቲ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝገበረ ሃዋህው ኣይሰላም ኣይኲናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ተገይሩ ነይሩ። መራሕቲ ናይዘን ክልተ ሃገራት ብ2018 ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም ነይሮም።

ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጣዕሚ እዩ ተመሓይሹ። እቲ ዉዕሊ ሰላም ስዒቡ ኸኣ ብዙሕ ዑደት ናይ መንግስቲ ሰበስልጣን፣ ካብን ናብን ጉዕዞታት እዩ ነይሩ።

ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኮይኑ ብዙሓት ቦታታት ናይ ኢትዮጵያ ከምኒ በዓል ኣዲስ ኣባባ፣ ጎንደር፣ ሃዋሳ፣ ኣርባምንጭ ዝበላ ቦታታት ምብፃሕ ገይሩ ነይሩ።

ብመስከረም 2018 ብኣፈጉባኤ ኽልላዊ ባይቶ ኣምሓራ ወርቅሰሙ ማሞ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ   ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝቐነየ ናብ ኤርትራ ምብፃሕ ገይሮም ነይሮም። እቶም ልኡኻት ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ህያብ ሂቦምዎ ነይሮም።

እቲ ነቲ ፕረዚደንት ተዋሂቡ ዝነበረ ህያብ ፊደላት ግእዝ፣ ሓወልቲ ኣክሱምን ናይ ላሊበላ ኣብያተ ክርስትያን ዘርኢ ፖስተር እዩ።

ብጥቅምቲ 2020 ኲናት ኣብ መንጎ ህወሓትን (ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ) ፌደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ምስ ተወለዐ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓጊዛ ዕጡቓት ሓይልታት ህወሓት ንኽሰዓሩ ገይራ እያ።

ብመሰረት እዚ እያ ከኣ ብ30 ሕዳር 2022 ‘ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ሃፀይ ሃይለስላሴ ምስሊ ዘለዎ ናይ ስእሊ ህያብ እናተቐበለ እተርኢ እያ’ ዝተብሃለት ሓንቲ ፎቶ ኣብ ፌስቡክ ተሓቲማ ኔራ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ከምዘይተረጋግፅ ሓቂቸክ ፈሊጡ እዩ። እታ ነቲ ሓበሬታ ንምድጋፍ ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትመት ስእሊ ዝተቐየረት እያ።

እታ ናይ ብሓቂ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ካብ ልኡኻት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝተውሃበት ናይ ስእሊ ህያብ ፊደላት ግእዝ፣ ሓወልቲ ኣኽሱምን ቤተ ክርስትያን ላሊበላን ዘለዋ ኮይና ብ14 መስከረም 2018 ኣብ ፌስቡክ ተሓቲማ ዝነበረት እያ።

ስለዚ’ውን ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts