ብ10 ታሕሳስ 2022 ሱሳን ኣርባዕተን ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ሓይልታት ፀጥታ ኦሮምያ ኣብ ወለጋ ተወለድቲ ኣምሓራ ይኣስር ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ስእሊ ጠቂዑ ነይሩ። ብተወሳኺ እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ብምኽንያት ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይ ከኣ ብመንግስቲ ሸኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ስለዝገጠሙ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣለዋ።

እዛ ጥቃዕ ኣብ ፌስቡክ ኣዝያ ተላቢዓ ዝነበረትን ልዕሊ ሰላሳ ግዜ ከኣ ተወዓዊዓ ዝነበረት እያ።

ይኹን እምበር እዛ ስእሊ ኣብ ወለጋ ኣብ ቀረባ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ተወልድቲ ኣምሓራ ከምዝኣሰሩ ከምዘይትሕብር ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይከኣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ዉግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ዉግእ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣዝዩ ተበኣኢሱ ኣሎ።

ንጹሃት ዜጋታት ግዳይ ይኾኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወለጋ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቖሲሎምን እዮም።

እቲ መንግስቲ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ሽኔ ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ፣ ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝተፈጸመ ብመንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተበሃለ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ሚድያ ከምዝሕብሮ ግን ብ25ን ብ29ን ሕዳር ኪረሙ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ኣብ ኣውራጃ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ቦታ ዕጡቓት ምልሻ ኣምሓራ ኣትዮም መዓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝቐተሉ ሓቢሩ ነይሩ። እዚ ሓበሬታ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝረኸቦ እዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝገልጽ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ኣብ ቐረባ ኣብ ወለጋ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ሰባት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝርከብዎም ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም እዮም። 

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ኣብ ወለጋ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ንጹሃት ዜጋታት ተወለድቲ ኣምሓራ ኣሲሮም ክትብል ሓንቲ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ዝመጸት

ይኹን እምበር ሓቂቸክ እዛ ስእሊ ኣብ ወለጋ ተወልድቲ ኣምሓራ ብክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተኣስሩ ከምዘይተርኢ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እዛ ስእሊ ፈለማ ብ24 ሚያዝያ 2020 ብቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ዝተሓትመት ኮይና፣ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ፡ ዞባ ጂማ ኣብዶ ኣባ ጀቢር ዝተበሃለ መምህር ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያ እንትሕየር እተርኢ እያ። በዚ ምኽንያት እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts