ብ10 ታሕሳስ 2022 ሓደ ልዕሊ ዒስራ ሺሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ዞባ ከማሺ ዝነብሩ ኣምሓሩ ብናይ ኦሮሚያ ፍሉይ ፖሊስ ሓይልን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ገዛውቶም ተቓጺሉን ተዘሪፉን ብምባል ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ሓቲሙ ነይሩ። 

እታ ፖስት ኣብ ፌስቡክ ኣዝያ እያ ተላቢዓ፤ ኣስታት ኣርባዓ ግዜ ከኣ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እታ ስእሊ ነቲ ዝተበሃለ ሓበሬታ ከምዘይተርኢ ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ሰሓኦ) ወይከኣ በቲ መንግስቲ ሸኔ እናተበሃለ ምስ ዝጽዋዕ ወታደራዊ ውድብ ኣብ ዉግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። 

ብሰንኪ እዞም ክልተ ኣብ ዉግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባን ከባቢኡን መጠነ ሰፊሕ ዘይምርግጋእ ኣሎ።

እቲ ቀጻሊ ብረታዊ ግጥም ሂወት ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት በሊዑ እዩ። ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወለጋ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን እዮም። 

እቲ መንግስቲ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ሽኔ ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ፣ ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝተፈጸመ ብመንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ። ክልቲኦም ሓይልታት ነኒባዕሎም እዮም ዝካሰሱ ዘለዉ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ዞባ ካማሺ ተደጋጋሚ ጎንጽታትን ነይሮም፤ ከሙኡ ዉን ሓያሎ ግዳያት እዉን ነይሮም። እዛ ዞባ እዚኣ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ፡ ዞባታት ወለጋ ትዋሰን እያ።

ሎምቅነ ኣብ ወለጋ ጎንጺ ከምዝነበረ ከሙኡ እውን ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተቐትሉ ኣብ ቀረባ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ኣብ መንጎ እዚ ኣብ ወለጋ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ሰባት እንኮላይ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። 

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ እምበኣር ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ዞባ ካማሺ ናይ ዝነብሩ ኣምሓሩ ኣባይቲ ብሓዊ የንድዱን ይዘምቱን ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ዝተቓለሐ።

ይኹን እምበር እታ ስእሊ ኣብ ቀረባ ግዜ ብዕጡቓት ሓይልታት ኦሮሚያ ዝነደዱን ዝተዘምቱን ናይ ኣምሓሩ ኣባይቲ ኣይተርእይን።

እታ ስእሊ ካብ ናይ ቀደም ሕታም፡ ማለት’ውን ናይ 23 ታሕሳስ 2020 ዝተወሰደት ምዃና ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ምስታ ፈላመይቲ ስእሊ ተተሓሒዙ ዝነበረ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ፎቶ ኣብ መተከል፡ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ብሓዊ ዝነደዱ ኣባይቲ እዮም።

በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts