ብ18 ሕዳር 2022 ኣርባዕተ ኣሳእል ዝሓዘት ናይ ፌስቡክ ሕታም ተራእያ ነይራ። እቲ ሕታም ህወሓት ኣፅዋርን ተተኰስቲን ትቐብር [ትሓብእ] ከምዘላ ይሕብር። ነቲ ወረ ብዙሓት ኣወዓዊዖምዎ ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር እዘን ስእልታት ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ከምዘየርእያ ተረጋጊፁ ኣሎ። ከም ውፅኢቱ ኸኣ እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፌዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብ3 ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመት ገይሩ ኣሎ።

ብመጋቢት 2022 ተዂሲ ደው ናይ ምባል ግዝያዊ እማመ ተገይሩ ነይሩ እዩ። ይኹን’ምበር ብነሓሰ 2022 ኣብ መንጎ እቶም ተፃባእቲ ሓይልታት ውግእ ዳግም ተወሊዑ።

ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ ነቲ ኲናት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘይስሩዕ ዘተ ይግበር ነይሩ እዩ።

ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ፡ ብ2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ተራኺቦም ‘ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ብቐዋሚነት ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንዘላቒ ሰላም’ ዝበሃል እማመ ተፈራሪሞም እዮም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ህወሓት ዕጥቃ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክተረክብ፤ ብድሕሪኡ ኸኣ ክሳዕ ክልላዊ መረፃ ዝግበር ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ክምስረት እዩ።

ደድሕሪ እቲ ናይ ሰላም እማመ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ‘ህወሓት ኣፅዋርን ተተኰስትን ትሓብእ ኣላ፣ ህወሓት ዳግም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኲናት ትዳሎ ኣላ’ ዝብሉ ወረታት ክስምዑ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት እዩ እምበኣር ብኣርባዕተ ስእሊታት ዝተሰነየ ‘ህወሓት ኣፅዋርን ተተኰስቲን ትቐብር ኣላ’ ዝብል ናይ ፌስቡክ ሕታም ዝተፈነወ። ግናኸ፡ እዘን ስእልታት ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ከምዘየርእያ ሓቂቼክ ኣረጋጊፁ እዩ። እዘን ስእልታት ካብ ካሊእ ሕታም ዝተወስዳ እየን።

እታ ቀዳመይቲ ስእሊ ካብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ዝተወስደት ኰይና ብሓደ ኣብ ቻይና ዝርከብ ፋብሪካ መኪና ዝተሰርሑ ኣብ መሬት ዝቕበሩ ሪቓት ፈሳሲ ጋዝ እተርኢ እያ።

እታ ካልኤቲ ምስሊ ከኣ ኣብ ግዘ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተቐብረት እሞ ብ2017 ተዃዒታ ዝወፀት ታንኪ እተርኢ እያ።

እታ ሳልሰይቲ ድማ ብ27 ሓምለ 2021 ብሮይተርስ ዝተሓትመት ኮይና፡ ምስ ህወሓት ኣብ ዝተገብረ ውግእ ወታደራት ኢትዮጵያ ገዲፎምዎም ዝኸዱ ሳናዱቕ ጠያይቲ እተርኢ እያ።

እታ ራብዔይቲ’ዉን ብ11 ሓምለ 2021 ብኒውዮርክ ታይምስ ዝተሓትመት ኰይና፡ ኣብ ግዘ ደባይ ውግእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ራሕሪሖምዎ ዝኸዱ ተተኰስትን ዝተገምጠለት መኪናን እተርኢ ስእሊ እያ።ስለዚ እቲ ሕታም  ናይ ሓሶት ኣሳእል ስለዝተጠቕመ ሓቂቼክ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts