ኣስታት 200 ሰዓብቲ ዘለዉዎ ሓደ ትዊተር ገፅ ‘ኣብ ከተማ ማይጸብሪ ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቆም ከምዘረከቡን ናብ ግዝያዊ መዓስከር ከምዝኣተዉን’ እትገልጽ ሓንቲ ጥቃዕ ሓቲሙ ነይሩ። እዛ ፅሕፍቲ ብኣርባዕተ ኣሳእል ዝተደገፈት እያ።

ኣብቲ ግዜ ኣስታት ክልተ ሽሕ ግብረመልስን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ግዘ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል መርሚሩ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእዩ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ስልዚ እቲ ጥቃዕ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፌዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዉዕሊ ሰላም ተፈሪሙ ኣሎ።

ህወሓት ዕጥቃ ክተረክብን፣ ሰራዊታ ከኣ ክትብትንን እቲ ብመስከረም 2020 ብዘይፍቓድ ፌዴራላዊ መንግስቲ ዝገበረቶ መረፃ ከኣ ክትስርዞን ተሰማሚዓ ኣላ።

ብ12 ሕዳር 2022 ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ናይ ህወሓትን ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ሰራዊት ምብታንን ሓቢርካ ምስራሕን መዳይ ናይ ሓባር ኮሚቴ ክምስርቱን ተዛትዮምን ተሰማሚዖምን ነይሮም።

ኣብቲ ስምምዕ ምፍታሕ ከቢድ ብረት ዝግበር ናይ ደገ ሓይልታትን ካብ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ካብ ትግራይ ምስ ወፁ እዩ ይብል።

ድሕሪ ዕጥቂ ምፍታሕን እቲ ዝነበረ ናይ ህወሓት ሰራዊት ምብታንን እቶም ናይ ህወሓት ዕጡቓት ናብ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ክፅምበሩ እዩ ዝብል እቲ ስምምዕነት።

እዚ እናተባህለ እንተሎ እዩ እምበኣር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር፡ ተዋጋእቲ ህወሓት ኣብ ማይፀብሪ ዕጥቆም ከምዘረከቡን ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ከምዘፅለሉን ዝሕብራ ኣርባዕተ ኣሳእል ተጠቂዐን ነይረን።

ነዚ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተገብረ ፃዕሪ፡ እዘን ኣሳእል ኣብ ናይ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ናይ ፌስቡክን ናይ ዩቲብን ማሕበራዊ ገፅ ቅድም ኢለን ተጠቂዐን ከምዝነበራ ሓቂቸክ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ሓበሬታ እዘን ኣሳእል ኣብ መቐለ ብዝተገበረ ተፍትሽ ዝተረኽበ ኣፅዋር ዘርእያ ምዃነን ይገልፅ።

 ስለዚ ናይ ሓሶት ኣሳእል ስለዝተጠቕመ ሓቂቸክ ነቲ ናይ ትዊተር ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts