ብመስከረም 13/2022 ሓደ ሰብ መቐለ ብናይ ኢትዮጵያ ድሮን ተደብዲባ ሓደ ቁልፊ ኣመራርሓ ህወሓት ከኣ ተቐቲሉ ክብል ኣብ ትዊተር ሓንቲ ምስሊ ጠቂዑ ነይሩ። ብድሕሪኡ 703 ግዘ ብዙሓት ሰባት ተቐቢሎም ኣዋዓዊዖማ ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር እዛ ምስሊ እዚኣ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ነገር ከምዘይተመላኽት ሓቂቸክ ብዝገበሮ ዳህሳስ ኣረጋጊጹ ኣሎ። 

እዛ እትበሃል ዘላ ምስሊ ካብ Netherlands Apache strike in Afghanistan ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ቪድዮ ተቐሪጻ ዝተወሰደት እያ። እዛ ቪድዮ እዚአ ብመጋቢት 2/2008 እያ ናብ ኢንተርነት ተጻዒና። 

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ወጥሪ/ምትፍናን እዩ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ብምሸት 3 ሕዳር 2020 ኲናት ዝተወልዐ

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ምስ ካልኦት ክልላዊ መንግስታትን ሓቢሩ እዩ ንህውሓት ካብ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን ስሩዕ ውግእ ከልቅቖ ዝኸኣለ።

ይኹን እምበር ህወሓት ናብ ደባይ ስልታዊ ውግእ ስለዝኣተወት እቲ ግጭት ዝተናውሐን ቀጻልን ኰይኑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ምስቲ ናይ ሽዑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሓባር ኮይኑ ቶኹሲ ደው ኣቢሉን ሓይልታቱ ካብ ቡዙሓት ክፍልታት ትግራይ እዉን ኣውጽዩ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ዕጡቓት ሓይሊታት ህወሓት ብቐጥታ እዮም ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለን ካልኦት ቦታታትን ተቖጻጺሮመን።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ውግእ ኣብዚ ደው ኣይበለን ሓይልታት ህወሓት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እዮም ክግስግሱ ጀሚሮም። ቀጺሎም እዉን ናብ ኣዲስ ኣባባ ዝቐረባ ከተማታት ኣምሓራ ክቆጻጸሩ ኪኢሎም ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ኮይኑ ብዝገበሮ መጥቃዕቲን ፀረ-መጥቃዕቲን ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ነተን ህወሓት ሒዛተን ዝነበራ ቦታታት ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም  ክሕዘን ኪኢሉ እዩ።

ብ24 መጋቢት 2022 መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፃብኦ ምስ ህወሓት ደው ኣቢለ ኣለኹ ኢሉ ኣዊጁ ህወሓት እዉን ከምዝተቐበልዎ በወግዒ ኣረጋጊጾም ነይሮም እዮም።

እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን እዉን ብሳልሳይ ኣካል  ክቕጽል ፀኒሑ። ዉድብ ሓድነት ኣፍሪካ ን ኦባሳንጆ እዩ ነቲ ዘተ ሰላም ንኸሳልጦ መዚዝዎ። ኦባሳንጆ ናይ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎን ቅድም ኢሉ ኸኣ ናይ ናይጀርያ ፕረሲደንት ዝነበረን እዩ። ድሓር ግን ህወሓት ኦባሳንጆ ነቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ንኸሳልጥ ብቕዓት ስለዘይብሉን  ዘይኣሻራዊ  ስለዘይኮነን ኢሎም ኣብ ኦባሳንጆ እምነት ከምዘይብሎም እዮም ገሊጾም።

ህወሓት ብ16 ነሓሰ 2022 ህወሓት እቲ ብመጋቢት ዝተኣወጀ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዝገበሮ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝጠሓሶ እዮም ኣፍሊጦም።

ህወሓት ብነሓሰ 24/2022 ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ደቡባዊ ቦታታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጾም እዮም። ቅጽል ኣቢሎም እዉን እቲ ዋና ዕላማ ናይዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ተዛማዲ መጥቃዕቲ ንምኽፋት እዩ ኢሎም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብወገኑ ግን እቲ መጥቃዕቲ ህወሓት ከም ዝጀመርዎ እዩ ኣፍሊጡ።

ጽንሕ ኢሉ ከዓ ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ይካየድ ከም ዘሎ ዝሕብሩ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይወጹ ነይሮም እዮም። 

አብዚ እዋን እዚ እዩ እምበአር መቐለ ብድሮን ተደብዲባ ሓደ ቁልፊ ኣመራርሓ ህወሓት ከኣ ተቐቲሉ ክብል ሓደ ሰብ ኣብ ትዊተር ሓንቲ ምስሊ ዝጠቀዐ ማለት እዩ። 

ይኹን እምበር እዛ ምስሊ እዚኣ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ዘረባ ፈጺማ ከምዘይተመላኽት ሓቂቸክ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። እዛ ምስሊ እዚኣ ካብ Netherlands Apache strike in Afghanistan እትብል ጽሕፍቲ ካብ ዘላታ ቪድዮ ተቐሪጻ ዝተወሰደት እያ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እያ መጀመርታ ወጺኣ። 

ስለዚ ሓቂቸክ ነቲ ዝበሃል ዘሎ እማመ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ። 

Similar Posts