ብ25 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም ኣብ ትዊተር ብዛዕባ ሙሩኻት ኢዶም ዝህብሉን ዕጥቆም ዘረክብሉን ቦታ ኣቐዲሙ ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ከምዝተዳለወ እትገልጽ ሓንቲ ስእሊ ወጽያ ነይራ።

እዛ ብፅሑፍ ዝተደገፈት ስእሊ ኣብ ዝወፀትሉ እዋን ልዕሊ 120 ትዊተራውያን (ተጠቀምቲ ትዊተር) ተቐባቢሎምዋን ልዕሊ ሚኢቲ ግዘ ከኣ ግብረመልሲ ረኺባን ነይራ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነዛ ስእሊ መርሚሩ እቲ ዝተነግረ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ብ24 መጋቢት 2022 ዓ.ም ዝተገብረ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል እማመ፡ ኲናት ዳግም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወሊዑ ነይሩ።

ዋላኳ ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስትን ይኽሓድዎ እምበር ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ መራሕቲ ብዘይስሩዕ መንገዲ ብቴሌፎን ይራኸቡ ነይሮም እዮም ዝብሉ ወረታት ይጋውሑ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ስሩዕ ዘተ፡ሰላም ኣብ ሞንጎኦም ብ25 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ እዩ ተጀሚሩ።

እቲ ክግበር ዝቐነየ ዘተ፡ሰላም ብ2 ሕዳር 2022 ዓ.ም ዕልባት ረኺቡ፤ እቶም ተፃባእቲ ሓይልታት እዉን ብወግዒ ውዕሊ ሰላም ፈሪሞም እዮም።

ካብቲ ዝተገብረ እማመ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ህወሓት ዕጥቆም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከረክቡ ዝብል እዩ። እቲ ኣብ ትዊተር ዝተጠቅዐ እዉን እዚ መሰረት ዝገበረ እዩ። 

ነቲ ኣብ ትዊተር ዝተብሃለ ሓበሬታ ንምጥላል ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ፡ ሓቂቸክ እዛ ስእሊ ቅድም ኢላ ጌቲ ኢሜጅስ [Getty Images] ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ተሓቲማ ከምዝነበረት ኣረጋጊፁ ኣሎ። እዛ ስእሊ ኣባላት ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ንሓርነት ሩዋንዳ (ዲሓሓሩ) ኣብ ሃገረ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ ዕጥቆም እንተረክቡ፤ ቆላውዕ ከኣ ነቲ ኹነታት ተኣኪቦም እንትዕዘቡን ተርኢ ከምዝኾነት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ተረድእ።

ሊንክ      ስለዚ’ውን ሓቂቸክ ነቲ ናይ ትዊተር ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts