ሓንቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትዊተርን ፌስቡክን ተሓቲማን ኣዝያ ተወዓዊዓን ነይራ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ‘ኣቦ ወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ እዚ ሎምቅነ ዝተገብረ እማመ ሰላምን ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሪኢቱኡ ሂቡ’ ምስ ዝብል ፅሑፍ እያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቂዓ ነይራ።

እዛ ቪድዮ ብዙሕ ግዜ ተወዓዊዓን ብኣስታት ኣርባዓን ሓደን ሽሕ ተጠቀምቲ ትዊተር ከኣ ተራእያን ነይራ እያ።

ይኹን እምበር እዛ ቪድዮ እዚኣ ቀደም ብ2018 ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣድሂቡ ካብ ዝተገብረት ቃለ-መሕትት ተቖሪፃ ዝተወስደት ከምዝኾነት ሓቂቼክ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እታ ናይ ፈለማ ቪድዮ ብ15 ሓምለ፡ 2018 እያ ኣብ ዩቱብ ተሓቲማ ነይራ።

ካብ ዕለት 3 ሕዳር፡ 2020 ጀሚሩ ንክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኲናት ክካየድ ፀኒሑ።

ዋላ’ኳ ብመጋቢት 2022 ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተዋጋእቲ ሓይልታት ተገይሩ እንተነበረ ግናኸ ብነሓሰ ሓዱሽ ዉግእ ተወሊዑ።

እቲ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘይስሩዓት ዘተታት ይግበሩ ከምዝነበሩ ገለ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብ2 ሕዳር 2022 እቶም ተዋጋእቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ‘ንዘላቒ ሰላም ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ተፃብኦ ብቐዋሚነት ደው ናይ ምባል ስምምዕ’ ዝበሃል እማመ ሰላም ተፈራሪሞም እዮም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ህወሓት ዕጥቃ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክተረክብ፤ ብድሕሪኡ ኸኣ ክሳዕ ክልላዊ መረፃ ዝግበር ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ክምስረት እዩ።

ድሕሪ እዚ ስምምዕ ሰላም እቶም ተዋጋእቲ ነቲ ኣንፃር ሕድሕዶም ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣሰይጣኒ ፕሮፖጋንዳ ኣቋሪፆም እዮም።

ኣብዚ ህሞት እዚ እያ እምበኣር ሓንቲ ቪድዮ ‘ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ እቲ ዝተገብረ እማመ ሰላምን ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፅቡቕ ሪኢቶ ሂቡ’ ክትብል ኣብ ትዊተርፌስቡክን ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ መሳለጥያታት ዝተጠቀዐትን ኣዝያ ዝተወዓወዐትን።

ግናኸ እዛ ቪድዮ እዚኣ ቀደም ብ2018 ዓ.ም ኣቦ-ወምበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ኣድሂቡ ካብ ዝተገበራ ቃለ-መሕትት ተቖሪፃ ዝተወስደት እያ። እዛ ኣብ ቀረባ ተጠቂዓ ዘላ ቪድዮ ናይ ሕጂ ቃለ-መሕትት ንምምሳል ከኣ ቁሩብ ምምሕያሽ ተገይሩላ እዩ።

እታ ናይ ብሓቂ ቪድዮ ብ15 ሓምለ 2028 እያ ኣብ ዩቲብ ተሓቲማ።

ስለዚ’ውን ሓቂቼክ ነቲ ናይ ፌስቡክን ትዊተርን ሕታም ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts