ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኢትዮጵያ ናይ ህወሓት ኣጽዋር ዝሓዘት ኣውሮፕላን ከም ዝሃረመት ዝድግፉ ዝተፈላለዩ ምስልታት ለንቅነ ወጽየን ነይረን።

እዘን ምስልታት እዚአን ብብዝሒ ኣብ ፈስቡክ እየን ወጽየን ነይረን። ብዙሓት ውልቀ ሰባትን ፐጃትን እውን እናተቀባበሉ ኣወዓዊዖመን ነይሮም እዮም።

ሓቂቼክ ብዝገበሮ መፅናዕቲ ግን እዘን ክልተ ምስልታት ብኢትዮጵያ ዝተሃርመት ኣፅዋር ካብ ሱዳን ናብ ህውሓት እተጎዓዕዝ ዝነበረት ኣውሮፕላን ከም ዘየመላኽታ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እዛ ናይ መጀመርታ ስእሊ ሓደ ናይ ፈስቡክ ገጽ ብቛንቛ ትግርኛን ኢንግሊዝን ሓንቲ ኣጽዋር ተሰኪማ ካብ ሱዳን ናብ ህወሓት እትኸይድ ዝነብረት ብኢትዮጵያ ተሃሪማ ዝወደቐት ምስ እትብል ጽሕፍቲ እዩ ጠቂዑዋ።

እታ ካልኢቲ ስእሊ ከኣ ኢትዮጵያ ብታሪካዊት ጸላኢትና እትውነን ኣይሮፕላን ኣውዲቃ ትብል እዩ ኣብ ፈስቡክ ሓቲሙዋ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ወጥሪ/ምትፍናን እዩ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ብምሸት 3 ሕዳር 2020 ኲናት ዝተወልዐ

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ምስ ካልኦት ክልላዊ መንግስታትን ሓቢሩ እዩ ንህውሓት ካብ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን ስሩዕ ውግእ ከልቅቖ ዝኸኣለ።

ይኹን እምበር ህወሓት ናብ ደባይ ስልታዊ ውግእ ስለዝኣተወ እቲ ግጭት ዝተናውሐን ቀጻልን ኰይኑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ምስቲ ናይ ሽዑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሓባር ኮይኑ ቶኹሲ ደው ኣቢሉን ሓይልታቱ ካብ ቡዙሓት ክፍልታት ትግራይ እዉን ኣውጽዩ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ዕጡቓት ሓይሊታት ህወሓት ብቐጥታ እዮም ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለን ካልኦት ቦታታትን ተቖጻጺሮም።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ውግእ ኣብዚ ደው ኣይበለን ሓይልታት ህወሓት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እዮም ክግስግሱ ጀሚሮም። ቀጺሎም እዉን ናብ ኣዲስ ኣባባ ዝቐረባ ከተማታት ኣምሓራ ክቆጻጸሩ ኪኢሎም ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ኮይኑ ብዝገበሮ መጥቃዕቲን ፀረ-መጥቃዕቲ ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ነተን ህወሓት ሒዛተን ዝነበራ ቦታታት ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ክሕዘን ኪኢሉ እዩ።

ብ24 መጋቢት 2022 መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፃብኦ ምስ ህወሓት ደው ኣቢለ ኣለኹ ኢሉ ኣዊጁ ህወሓት እዉን ከምዝተቐበልዎ በወግዒ ኣረጋጊጾም እዮም።

እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን እዉን ብሳልሳይ ኣካል ክቕጽል ፀኒሑ። ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ዘተ ሰላም ንምስላጥ ናይቲ ሕብረት ፍሉይ ልኡኽ ዝኾነ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ እዩ መዚዙዎ ዘሎ። ኦባሳንጆ ናይ ናይጀርያ ናይ ቀደም ፕረዚደንት እዩ ነይሩ። እቲ ዘተ ዕዉት ንኽኸውን ን ኣብ ክልቲኡ ወገን ንዘለዉ መራሕቲ ብተደጋጋሚ እዩ ረኺብዎም።

ድሓር ግን ህወሓት ኦባሳንጆ ነቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ንኸሳልጥ ብቕዓት ስለዘይብሉን ዘይወገናዊ ስለዘይኮነን ኢሎም ኣብ ኦባሳንጆ እምነት ከምዘይብሎም ገሊጾም።

ህወሓት ብ16 ነሓሰ 2022 ህወሓት እቲ ብመጋቢት ዝተኣወጀ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዝገበሮ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝጠሓሶ እዮም ኣፍሊጦም።

ህወሓት ብነሓሰ 24 2022 ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ደቡባዊ ቦታታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጾም እዮም። ቅጽል ኣቢሎም እቲ ዋና ዕላማ ናይዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ተዛማዲ መጥቃዕቲ ንምኽፋት እዩ ኢሎም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብወገኑ ግን እቲ መጥቃዕቲ ህወሓት ከም ዝጀመርዎ እዩ ኣፍሊጡ። ቀጺሉ እዉን እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሓንቲ ኣጽዋር ተሰኪማ ካብ ሱዳን ናብ ህወሓት እትኸድ ዝነበረት ኣውሮፕላን ከም ዝሃረመ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ እምበኣር ኢትዮጵያ ሓንቲ ኣጽዋር ተሰኪማ ካብ ሱዳን ናብ ህወሓት እትኸድ ዝነበረት ኣውሮፕላን ከም ዝሃረመት ዘመላኽቱ ዝተፈላለዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክረኣዩ ዝጀመሩ።

ይኹን እምበር እዞም ምስልታት እዚኦም ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናተይ ክሊ ኣየር ጢሒሳ ኣጽዋር ናብ ህወሓት ከተብጽሕ ወቒዐያ እትብላ ዘላ ኣውሮፕላን ከም ዘየመላኽቱ ሓቂቼክ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እታ ቀዳመቲ ምስሊ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ፡ግዝኣት ኣሪዞና ኣምራ ኣብ ዝበሃል ሽንጥሮ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን ምዃና ተረጋጊፁ ኣሎ።

እታ ካልኣይቲ ምስሊ ከኣ ናይ ዩዝበኪስታን ሚግ-29 ናይ ውግእ ኣየር ምዃና ኣቐዲማ ብጉንበት 4፡ 2020 ኣብ ትዊተር ተሓቲማ ነይራ እያ።

ስለዚ ሓቂቼክ እዘን ክልተ ምስልታት ነታ ትበሃል ዘላ ኣውሮፕላን ከምዘየርእያ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

Similar Posts