ብዕለት 25 ግንቦት 2022 ኣብ ትዊተር ኢትዮ 360ን ኢትዮ ፎረምን ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ብኢንተርነት ከምዝተዘራረቡን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑን ሰበስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከምዘቃልዑ ዝገልፅ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኔሩ። እቲ ናይ ትዊተር ጥቃዕ እተን ማዕከናት ዜና ‘ኣጀንዳ ህወሓት’ የቃልሓ እየን ክብል ብተዘዋዋሪ መገዲ ይሕብር።

ነቲ ሓበሬታ ንምድጋፍ ድማ ብትግርኛ ዝተፃሕፈ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ፅሑፍ ስክሪንሾት ኣቕሪቡ እዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ስክሪንሾት ‘ሰበስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኢትዮ 360ን ኢትዮ ፎረምን ምስ ህወሓት ከምዝተላዘቡ ምቅለዖም’ ኣየረጋግፅን።

ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን/ህወሓት ዕጥቃዊ ጎንፂ እናተኻየደ ፀኒሑ እዩ። ድሒሩ’ውን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ በይናዊ ቶዂሲ ደው ናይ ምባል ተበግሶ ብህወሓት ተቐባልነት ረኺቡ ኔሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ‘ዕጡቓት ጉጅለታት’ ንምሓዝን ዕጥቆም ንምምንዛዕወታደራዊ ወፍሪ ጀሚሮም ኔሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢትዮ 360ን ኢትዮ ፎረምን ብፍላይ ድሕሪ እቲ ምስ ህወሓት ዝተገብረ ኲናት ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግናን ክነቕፋ ፀኒሐን እየን።

ኣብን ብዝብል ዝፍለጥ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ብ24 ግንቦት 2022 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኢትዮ 360 ምስ ህወሓት ብምሕባር ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንምህውታት ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ ከሲሱ ኔሩ።

ኢትዮ ፎረም ምስ ህወሓት ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ዝገልፁ ዘይተረጋገፁ ሓበሬታታ ይወፁ ፀኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኢትዮ ፎረም 1.8 ሚልዮም ብር ሓገዝ ካብ ህወሓት ከምዝረኸበት ተገሊፁ ኔሩ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ እዩ እምበኣር እቲ ‘ሰበስልጣን [ሃገራዊ] ድሕነት ኤርትራ ኢትዮ 360ን ኢትዮ ፎረምን ምስህወሓት ተላዚበን፤ ምስ ህወሓት ክሰርሓ’ውን ተሰማሚዐን ኣቃሊዖም’ ዝብል ሓበሬታ ዝወፀ። እቲ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ወሲኹ ድማ እተን ዝተጠቕሳ ሚድያታት ናይ ህወሓት ኣጀንዳ ተቐቢለን ኣብታ ሃገር ጎንፂን ዘይምርግጋእን ከነዓዕባ ምስምመዐን ይጠቅስ።

ሓቂቼክ ነቲ ስክሪንሾት ብምምርማር ካብ ብ23 ግንቦት 2022 ዝተፃሕፈ ናይ ፌስቡክ ሕታም ተቖሪፁ ዝተወስደ ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ። እቲ ናይ ፌስቡክ ሕታም ‘ማእከል ምርምርን ስነዳን’ ኣብ ዝብል ናይ መርበብ ሓበሬታ ገፅ ተሓቲሙ ኔሩ። እቲ ናይ ፌስቡክ ገፅ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፣ ኢትዮ ፎረም፣ ኢትዮ 360ን ኣባላት ዲጂታል ወያነን ዝተሳተፉሉ ናይ ኢንተኔት ኣኼባ ከምዝተሳለጠ ካብ ምንጭታቱ ከምዝረኸበ ይገልፅ።

እቲ ነቲ ሓበሬታ ንፈለማ እዋን ዝዘርገሐ ናይ ፌስቡክ ገፅ፡ እቲ ሓበሬታ ካብ ምንጭታቱ ከምዝረኸቦ እምበር፡ ከምቲ ኣብ ድሒሩ ኣብ ትዊተር ዝተገልፀ ካብ ሰበስልጣን [ሃገራዊ] ድሕነት ኤርትራ ከምዝረኸቦ ኣይገልፅን። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቲ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ከም መርትዖ ዘቕረቦ ናይ ስክሪንሾት ሰነድ ካብቲ ኣብ ፈለማ ኣብ ፌስቡክ ዝተገልፀ ኣይኮነን።በዚ ድማ ሓቂቼክ ነቲ ትዊት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts