ብነሓሰ 24/2022 ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስትን ኩናት ዳግም ተወሊዑ ኣሎ። ነዚ ሲዒቡ ሓንቲ ምሩኻት ወታደራት ህወሓት እዮም እትብል ቪድዮ ኣብ ብዙሓት ኣብ ከም እኒ ብዓል ተለግራም ን ፋስቡክን ዝበላ ማሕበራዊ ሚድያ መሳለጥያታት ወጽያ ነይራ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ቪድዮ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣላ። ሕዚ ነዚኣ ኣብቲ ብሸነኽ ግንባር ራያ ዝተወልዐ ውግእ ኢዳ ብፍቓዳ እዳ ሂባ ኢዩ ዝብል ዘሎ። ኣብ ብዙሓት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ መሳለጥያታት ኣሽሓት ሪኦማን ኣሽሓት እዉን ተቐቢሎማን እዮም። 

ይኹን እምበር እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዝተወልዐ ኹናት ኢዳ ዝሃበት ወታደር ህወሓት ከምዘይኮነት ሓቂችክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ናይ ቀደምን ብ ታሕሳስ 12/2021 ኣብ ፈስቡክ እዉን ተቐባቢሎማን ነይሮም እዮም። ስለዚ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓሶት እዩ።    

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ወጥሪ/ምትፍናን እዩ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ብምሸት 3 ሕዳር 2020 ኲናት ዝተወልዐ

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ምስ ካልኦት ክልላዊ መንግስታትን ሓቢሩ እዩ ንህውሓት ካብ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን ስሩዕ ውግእ ከልቅቖ ዝኸኣለ።

ይኹን እምበር ህወሓት ናብ ደባይ ስልታዊ ውግእ ስለዝኣተወ እቲ ግጭት ዝተናውሐን ቀጻልን ኰይኑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ምስቲ ናይ ሽዑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሓባር ኮይኑ ቶኹሲ ደው ኣቢሉን ሓይልታቱ ካብ ቡዙሓት ክፍልታት ትግራይ እዉን ኣውጽዩ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ዕጡቓት ሓይሊታት ህወሓት ብቐጥታ እዮም ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለን ካልኦት ቦታታትን ተቖጻጺሮም።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ውግእ ኣብዚ ደው ኣይበለን ሓይልታት ህወሓት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እዮም ክግስግሱ ጀሚሮም። ቀጺሎም እዉን ናብ ኣዲስ ኣባባ ዝቐረባ ከተማታት ኣምሓራ ክቆጻጸሩ ኪኢሎም ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ኮይኑ ብዝገበሮ መጥቃዕቲን ፀረ-መጥቃዕቲን ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ነተን ህወሓት ሒዛተን ዝነበራ ቦታታት ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ክሕዘን ኪኢሉ እዩ።

ብ24 መጋቢት 2022 መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፃብኦ ምስ ህወሓት ደው ኣቢለ ኣለኹ ኢሉ ኣዊጁ ህወሓት እዉን ከምዝተቐበልዎ በወግዒ ኣረጋጊጾም ነይሮም እዮም።

እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን እዉን ብሳልሳይ ኣካል  ክቕጽል ፀኒሑ። ድሓር ግን ህወሓት ኦባሳንጆ ነቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ንኸሳልጥ ብቕዓት ስለዘይብሉን  ዘይወገናዊ ስለዘይኮነን ኢሎም ኣብ ኦባሳንጆ እምነት ከምዘይብሎም ገሊጾም።

ህወሓት ብ16 ነሓሰ 2022 ህወሓት እቲ ብመጋቢት ዝተኣወጀ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዝገበሮ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝጠሓሶ እዮም ኣፍሊጦም።

ህወሓት ብነሓሰ 24 2022 ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ደቡባዊ ቦታታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጾም እዮም። ቅጽል ኣቢሎም እዉን እቲ ዋና ዕላማ ናይዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ተዛማዲ መጥቃዕቲ ንምኽፋት እዩ ኢሎም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብወገኑ ግን እቲ መጥቃዕቲ ህወሓት ከም ዝጀመርዎ እዩ ኣፍሊጡ። 

ኣብዚ ህሞት እዚ እያ እምበኣር እዛ ብፍቓዶም እዶም ዝሃቡ ወታደራት ህወሓት ዝብል ትሕዝቶ ዘለዋ ቪድዮ ዝተጠቅዐት። 

ሓቂችሀክ ብዝገበሮ መጽናዕቲ ግን እዛ ቪድዮ እዚኣ ናይ ቀደምን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ዘይተመላኽትን ምዃና ኣረጋጊጹ ኣሎ። 

እታ ቪድዮ ቅድሚ ትሽዓተ ወርሒ ብታሕሳስ 12/2021 ኣብ ፌስቡክ ተቐባቢላ ነይራ እያ። ኣብ እግሪ እታ ቪድዮ ኢዶም ንሓይልታት ፈደራል ዝሃቡ ብሓይሊ ዝተዓስከሩ ወታደራት ህወሓት እትብል ጽሕፍቲ ኣላታ እያ። 

ስለዚ እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስትን ብነሓሰ 24/2022 ዳግም ዝተወልዐ ኩናት ዝተማረኹ ወታደራት ህወሓት ምዃኖም ስለይተርኢ ሓሶት ኢልዋ ኣሎ።

Similar Posts