ብ መስከረም 3/2022 ሓደ 120 ሺሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ናይ ፋስቡክ ገጽ  ሓንቲ “ ኣብ ግምባር ራያ 430 ክላሽንኮቭን ካልኦት ኣጽዋርን ተማሪኹ” እትብል ጽሕፍቲ ዘላታ ምስሊ ሸር ኢሉዋ ነይሩ። 

እዛ ምስሊ አብ ዝተጠቅዐትሉ እዋን መዓት ግብረ መልሲ ረኺባ ነይራ ድሓር ከኣ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቢሎማን ኣዋዓዊዖማን ነይሮም እዮም። 

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነዛ ዝተጠቅዐት ምስሊ መርሚሩ ሓሶት ኢሉዋ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ወጥሪ/ምትፍናን እዩ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ብምሸት 3 ሕዳር 2020 ኲናት ዝተወልዐ

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ምስ ካልኦት ክልላዊ መንግስታትን ሓቢሩ እዩ ንህውሓት ካብ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን ስሩዕ ውግእ ከልቅቖ ዝኸኣለ።

ይኹን እምበር ህወሓት ናብ ደባይ ስልታዊ ውግእ ስለዝኣተወት እቲ ግጭት ዝተናውሐን ቀጻልን ኰይኑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ምስቲ ናይ ሽዑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሓባር ኮይኑ ቶኹሲ ደው ኣቢሉን ሓይልታቱ ካብ ቡዙሓት ክፍልታት ትግራይ እዉን ኣውጽዩ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ዕጡቓት ሓይሊታት ህወሓት ብቐጥታ እዮም ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለን ካልኦት ቦታታትን ተቖጻጺሮመን።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ውግእ ኣብዚ ደው ኣይበለን ሓይልታት ህወሓት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እዮም ክግስግሱ ጀሚሮም። ቀጺሎም እዉን ናብ ኣዲስ ኣባባ ዝቐረባ ከተማታት ኣምሓራ ክቆጻጸሩ ኪኢሎም ነይሮም እዮም።

ይኹን እምበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ኮይኑ ብዝገበሮ መጥቃዕቲን ፀረ-መጥቃዕቲን ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ነተን ህወሓት ሒዛተን ዝነበራ ቦታታት ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም  ክሕዘን ኪኢሉ እዩ።

ብ24 መጋቢት 2022 መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፃብኦ ምስ ህወሓት ደው ኣቢለ ኣለኹ ኢሉ ኣዊጁ ህወሓት እዉን ከምዝተቐበልዎ በወግዒ ኣረጋጊጾም ነይሮም እዮም።

እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን እዉን ብሳልሳይ ኣካል  ክቕጽል ፀኒሑ። ዉድብ ሓድነት ኣፍሪካ ን ኦባሳንጆ እዩ ነቲ ዘተ ሰላም ንኸሳልጦ መዚዝዎ። ኦባሳንጆ ናይ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎን ቅድም ኢሉ ኸኣ ናይ ናይጀርያ ፕረሲደንት ዝነበረን እዩ። ድሓር ግን ህወሓት ኦባሳንጆ ነቲ ዘተ ሰላም ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ንኸሳልጥ ብቕዓት ስለዘይብሉን  ዘይኣሻራዊ  ስለዘይኮነን ኢሎም ኣብ ኦባሳንጆ እምነት ከምዘይብሎም እዮም ገሊጾም።

ህወሓት ብ16 ነሓሰ 2022 ህወሓት እቲ ብመጋቢት ዝተኣወጀ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዝገበሮ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝጠሓሶ እዮም ኣፍሊጦም።

ህወሓት ብነሓሰ 24/2022 ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ደቡባዊ ቦታታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጾም እዮም። ቅጽል ኣቢሎም እዉን እቲ ዋና ዕላማ ናይዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ተዛማዲ መጥቃዕቲ ንምኽፋት እዩ ኢሎም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብወገኑ ግን እቲ መጥቃዕቲ ህወሓት ከም ዝጀመርዎ እዩ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን እዚ እያ  እምበኣር እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ምስሊ ዝተጠቅዐት። 

ሓቂቸክ ብዝገበሮ ምርመራ ግን እዛ ምስሊ እዚኣ ለካቲት 2/2022  ኣማራ ሚድያ ኮርፖራሽን ካብ ዝሰርሖ ቪድዮ ዝተወስደት ስእሊ እያ። እዛ ቪድዮ ኣብ ዝወጸትሉ እዋን ብልዕሊ 150 ሺሕ ሰባት ተራእያ ነይራ እያ።

እታ ቐዳመይቲ ስእሊ ካብ መበል 23፡05 ደቒቓ ናይታ ቪድዮ ዝተወስደት እያ። 

እታ ካልኣይቲ ስእሊ ከኣ ካብ መበል 22:57 ደቒቓ ናይታ ቪድዮ ዝተወስደት እያ። 

እዛ ቪድዮ እዚኣ “ ሓይልታት ምክልኻልን ፈደራል ፖሊስን ኣብ ዝገበርዎ ስርሒት ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ሸነ ልዕሊ ሚኢቲ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ተደምሲሶም ” ምስ እትብል ኣርእስተ ዘና እያ ወጺኣ ነይራ።

እዛ ቪድዮ ዝተማረኹ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ እዉን ኣርእያ ነይራ እያ። 

ስለዚ እዛ ምስሊ እዚኣ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ከምዘይተርኢ ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ።   

Similar Posts