ብ5 መጋቢት 2023 ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ኣድያቦ እትበሃል ዓዲ ዱር ኣንዲዶም ክብል ክልተ ኣሳእል ተጠቒሙ ጠቂዑ ነይሩ።

እዚ ናይ ፌስቡክ ገጽ ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ኾይኑ፡ እታ ሕታም ልዕሊ 24 ሳዕ ተወዓዊዓ ነይራ እያ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል መርሚሩ ነቲ ተባሂሉ ዘሎ ከምዘይሕብራ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዘን ኣሳእል ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታት ተሓቲመን ነይረን። እታ ቀዳመይቲ ብ26 መጋቢት 2019፣ እታ ካልኤቲ ኸኣ ብ27 መጋቢት 2021 ተሓቲመን ዝነበራ እየን።

ኲናት ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ህወሓትን ብ3 ሕዳር 2020 ተወሊዑ ነይሩ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾይኖም ኣንጻር ህወሓት ተሳቲፎም እዮም።

ይኹን እምበር እቲ ዂናት ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም መኸተምታ ረኺቡ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዕጥቂ ምፍታሕ ህወሓትን ምውጻእ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ዕጡቓትን ብሓንሳእ ይፍጸም እዩ ዝብል።

ሓለፍቲ ህወሓትን ማዕከናት ሚድያታትን ንሰራዊት ኤርትራ ብዝምታን ብተግባር ዓመጽን ይኸስዎ እዮም።

ድሕር’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ዉዕሊ ሰላም፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ወጽዩ እዩ።

ግና’ኸ ሰበ-ስልጣን ህወሓት ሰራዊት ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን መሊኡ ከምዘይወጸን እዮም ዝዛረቡ።

እቲ ኹነታት ኣብ ከምዚ እናሃለወ እዩ እምበኣር ብ5 መጋቢት 2023 ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ኣድያቦ እትበሃል ዓዲ ዱር ኣንዲዶም ክብል ክልተ ኣሳእል ተጠቒሙ ዝጠቀዐ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነተን ኣሳእል መርሚሩ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ከምዘየርእያ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እተን ኣሳእል ናይ ቀደምን ካብ ናይ ሕሉፍ ሕታምን ዝተወስዳ እየን።

እታ ቐዳመይቲ ስእሊ፡ ብ26 መጋቢት 2019 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዶይቸቨለ ዝተሓትመት ኮይና ኣብ ሃገራዊ ፓርኪ ባሌ ንዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ እትጽብጽብ እያ።

እታ ካልአይቲ ኸኣ ብ27 መጋቢት 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ባርዓት ሓዊ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብቢቢሲ ትግርኛ ዝተሓትመት እያ።

ስለዚ ብምኽንያት ናይ ሓሶት ኣሳእል ምጥቃሙ ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

Similar Posts