ብ11 ጥሪ 2023 ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ተሸይሙ ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ሕታም ኣብ ፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ።

እታ ጥቃዕ እቲ ሓዱሽ ሚኒስተር ነቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዝነበረ ኣይተ ደመቀ መኮነን ተኪእዎ ዝብል ተወሳኺ ጽሑፍ እዉን ኣለዋ።

እታ ናይ ፌስቡክ ገጽ ልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ሽሕ ሰዓብቲ ስለዘለዋ ናብ ብዙሕ ተጠቃማይ ክትበጽሕ ልዑል ተኽእሎ እዩ ዘለዋ።

ይኹን እምበር፡ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ከምዘይተመረጸ ሓቂቸክ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ  ነዚ ቅድም ኢሉ ኣምባሳደር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሰብ ሕጂ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚኒስተር ዲኤታ ገይሩ እዩ ሸይምዎ።

ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ምቅይያር ሚኒስተራት ዳርጋ ኩሉ ግዜ ዝረአ እዩ።

ብ2018 ኣቢይ ምስ መጸ እዚ ሕጂ ዋና ጸሓፊ ናይ ኢጋድ ኮይኑ ዘሎ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሹዑ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ብ2019 ቅድም ኢሉ ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ንወርቅነህ ገበየሁ ተኪኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ።

ልክዕ እታ ኲናት ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ብሕዳር 2020 ምስ ተጀመረ ከኣ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣቶ ደመቀ መኮነን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገይሩ እዩ ሸይምዎ። ካብ ሹዑ ጀሚሩ ደመቀ ምክትል ቐዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። 

ብ11 ጥሪ 2023 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣቶ ምስጋኑ ኣረጋ ሚኒስተር ዴኤታ ጉዳያት ወጻኢ ገይሩ ከም ዝሸሞ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ሓጻር ዜና ሓቲሙ ነይሩ።

ነዚኣ ሲዒባ ብቐጥታ ኣብ ፌስቡክ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣቶ ደመቀ መኮነን ተኪኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን ንኣቶ ምስጋኑ ኣረጋ መዚዝዎ እትብል ሓንቲ ሕታም እያ ተጠቂዓ።

ጽንሕ ኢላ ኸኣ እታ ጥቃዕ ተመሓይሻ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ንኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገይሩ መሪጽዎ ክትብል እያ ተመሓይሻ።

ይኹን እምበር ሓቂቸክ ነቲ ሓበሬታ መርሚሩ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ሓዱሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ከምዘይተመረጸ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ብተወሳኺ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ እዉን ኣይተሰመየን።

ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ መግለጺ ከምዘረጋግጾ ቕድም ኢሉ ዋና ስራሕ መካየዲ ናይ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ግሩፕ፣ ቐጺሉ ከኣ ኣምባሳደር ኣብ ቀጠርን ሕቡራት ዓረብ ኢማሬትን ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣይተ ምስጋኑ ኣረጋ ሕዚ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚኒስተር ዲኤታ ኮይኑ ከምዝተሸመ እዩ ዝሕብር።
በዚ ምኽንያት እምበኣር ሓቂቸክ ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ። 

Similar Posts