እዚ ስዒቡ ዘሎ ምስሊ ምስቲ ኣብ ኣዳማ ዝተብሃለ ስርቂ ኲሊት ይተሓሓዝ ዶ?

ጋጋ ቆሌ ኢጋ ዝብል ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ብ3 ጥሪ 2011 ኣብ ፌስቡክ ብዝጠቀዖ ሓበሬታ እዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ከምጭብጢ ብምልጣፍ ኣብ ከተማ ኣዳማ ቆልዑ ብ ኣረግቶት ኣንስቲ እንዳተሰረቑ ኲሊትም ይውሰድ ከምዘሎን ይሕበር። እዚ ናይ ፌስቡክ ፖስት ክድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝተለጠፈ ዋላ’ኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት የካፍልዎን (ሼር ይገብርዎ) ርኢቶ ይህብሉን ኣለዉ። ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ምስሊ ምስቲ ሓበሬታ ምትሕሓዝ ብዘይምህላዉ እዚ ፖስት ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ውሽጣዊ ኣካልት ሰባት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኦፕራስዮን አቢሎም ክተሓላለፉ ይኽእሉ እዮም። ብሰንኪ ሕማም ወይ ጉድኣት ሰባት ውሽጣዊ ኣካላቶም ስራሕ ደው ከብል ከሎ ካብ ሰባት ይልገሰሎም፤ እቲ ዝልግስ ሰብ ከኣ ብዓይኒ ሕጊ ከምዝሞተ ተገይሩ ይውሰድ። ፀላም ከብድን ኲሊትን ዝልግስ ሰብ ግን ብሂወት ናይ ምንባር ተኽእሎ አለዎ። ኲሊት ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካሊእ ሰብ ምትሕልላፍ ካብ 36 – 48 ሰዓታት ይወስድ። ብዙሓት ሰባት ኲሊቶም ይስእኑ ስለዘለዉ አብ ዓለም ጠለብ ኲሊት አዝዩ በሪኹ ኣሎ፤ በዚ’ውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኲሊት ተስፋሕፊሑ ይርከብ። ንግዲ ኲሊት ብዜካ ኣብ ኢራን ኣብ ኩለን ሃገራት ዘይሕጋዊ እዩ። ስርቂ ውሽጣዊ ኣካላትን (ንሰባት ኣገዲድካ ኣካላቶም ብመጥባሕቲ ብምውሳድ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ምሻጥ) ግዱድ መጥባሕትን (ኣብ ቤት፡ማእሰርቲ ንሰባት ብዘይ ወለንታዊ ድልየቶም ኣገዲድካ መጥባሕቲ ብምግባር ኣካልቶም ምውሳድ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕጋዊ ኣይኮነን። ቻይና ግን ኣካላት ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ጠቢሓ ስለትወስድ ብግዱድ መጥባሕቲ ዝተፈለጠት እያ። ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ስርቂ ውሽጣዊ ኣካላት ንምርኣይ ነዚ ዝስ ዕብ ሊንክ ይጠቐሙ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዘ ብኦፕራስዮን ኲሊት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፍ ዝተጀመረ ከም ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ኣብ 11 መስከረም 2008 ኮይኑ ምስ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ብምትሕብባር ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሚሊንየም ሜዲካል ኮሌጅ ተኻይዱ። ካብ ሽዑ ንደሓር ክሳብ 24 ሚያዝያ 2011 ኣብ ልዕሊ 109 ሕሙማት ጥራሕ ናይ ኲሊት ንቕለ ተኸላ ተኻይዱ።

ይኹን’ምበር እቲ ምስሊ ናይቲ ዝተብሃለ ምጥፋእ ቆልዑን ስርቂ ኲሊትን ከምዘየመልክት፤ ብተወሳኺ’ውን እዚ ምስሊ ኣብ 18 ነሓሰ 2009 ኣብ ካሊእ ፖስት ተሓቲሙ ዝነበረ እዩ። እዚ ምስሊ ኣብቲ ግዘ ኣብ ከተማ ሮማ ዝነበሩ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ድሕሪ ምብራሮም ስዒቡ ኣብ ዝተወለዐ ተቓውሞ ዝተልዓለ ፎቶ እዩ።

 

ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ናይ ኲሊት ስርቂ ዋላ’ኳ እንተተሰምዑ እዚ ምስሊ ግን ኣብ ኣዳማ ከምዘይተልዓለን ነቲ ዝተብሃለ ምጭዋይ ቆልዑን ምጥባሕ ኲሊትን ኣየርእን። ብመሰረት’ዚ ሓቅቼክ ነቲ ዝተጠቀዐ ምስሊ ብዝምልከት ብዝገበሮ ምፅራይ ዘይርትዓዊ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ነቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

መፃረዪት፡ ረሆቦት ኣያሌው

ተርጓሚ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዞም ኣብዚ ምስሊ ዘለዉ ወታደራት ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልል ሶማልን ዓፋርን ተወሊዑ ዝተብሃለ ግጭት ዝተሳተፉ ድዮም?

ብዕለት 19 ታሕሳስ 2013 Afmeer tv. (224,661 ሰዓብቲ ዘለውዎ ገፅ) ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገፅ ሓንቲ መኪናን ወታደራትን ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ኣብ መንጎ ክልል ዓፋርን ሶማልን ሲቲ [ሽንሌ] ዝተብሃለ ቦታ ብርቱዕ ግጭት ከምዝተወለዐ ገሊፁ። ኣስዒቡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዓፋር ከቢድ ዕንወት ክምዝወረደን ብወገን ክልል ሶማል ከኣ ሰለስተ ንፁሃን ሶማል ከምዝሞቱን ክልተ ከምዝቖሰሉን ይሕብር።  ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ምስቲ ተወሊዑ ዝተብሃለ ሓዱሽ ግጭት ከምዘይራኸብ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ብጉግል ዝተተርጎመ ፖስት፡

 

ዘይተተርጎመ ፖስት፡

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዙ ግጭት ልሙድ እዩ። ኣብቲ ንክልቲአን ክልልታት ዘደቡቡ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባታት ሽንሌ፣ ገቢራሱን ኣውሲረሱን ኣብ መንጎ ተወለድቲ ሶማል ዝኾኑ ቀቢላ ዒሳን ተወለድቲ ዓፋርን ጎነፃት ቀፃሊ እዩ። እተን ዘሰሓሕባ ከተማታት ዕንድፍቱ፣ ገዳማይቱን ኣዳይቱን ኣብ ክልል ዓፋር እንትርከባ ዞባ ሽንሌ ከአ ኣብ ክልል ሶማል ይርከብ። ኣብተን ክልል ዓፋር ዝርከባ ከተማታት ከአ ብዙሓት ሶማል ይነብሩ፤ በዚ’ውን ግጭት ይለዓል። እቲ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዘበገሶ ሓሳብ ኣብ 2006 ዓ.ም. መንግስታት ክልላት ሶማልን ዓፋርን ነቲ ዶባቶም ክሕንፅፁ ተሰማሚዖም ነይሮም። ብመሰረት’ቲ ስምምዕ እተን ዝተጠቕሳ 3 ከተማታት ናይ ዒሳ ፍሉያት ዞባታት ብምዃን ናብ ክልል ዓፋር ክሕንፀፃ። በቲ ስምምዕ ዘይተሃጎሰ መንግስቲ ክልል ሶማል ነቲ ውሳነ ኣብ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ብምባል ውድቂ ጌርዎ።  ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ መንጎ ክልቲአክ ሓዱሽ ጎንፂ ከምዝነበረን 27 ሰባት ከምዝሞቱን ተሓቢሩ ነይሩ። 

ኣብዚ ህሞት’ዚ ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ ወተዳራትን መኪናን ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ኣብ መንጎ ክልል ዓፋርን ሶማልን ሓዱሽ ወታደራዊ ጎንፂ ከምዝተወለዐ ይምጉት። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ነቲ ተወሊዑ ዝተብሃለ ጎንፂ ዘራኽብ የብሉን። እቲ ምስሊ ንመጀመርታ ግዘ ብዕለት 26 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትመ ኾይኑ ኣብ መንጎ ክልላት ሶማልን ዓፋርን ግጭት ከንዘሎ ዝገልፅ ሓበሬታ ኔርዎ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ።

 

ፈላማይ ምስሊ:

 

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ዶባት ክልላት ዓፋርን ሶማልን ንብዙሕ ዓመታት ዝዘለቐ ኣብ መንጎ አፋረቶትን ቀቢላ ዒሳ ሶማልን ኣሎ። ይኹን’ምበር ነቲ ምስሊ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብኣናዳዪ ምስሊ ጉግል ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ስእሊ ምስቲ ኣብ ዶባት ክልል ዓፋርን ሶማልን ተወሊዑ ዝተብሃለ ሓዱሽ ግጭት ከምዘይራኸብ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዞም አብዚ ስእሊ ዘለዉ ነቲ ኢትዮጵያን ሱዳን ዘዳቡብ ግዝኣት ዝተቖፃፀሩ ወታደራት ሱዳን ድዮም?

ብዕለት 10 ታሕሳስ 2013 ኩዒታ – Kuéta (2,137 ሰዓብቲ ዘለውዎ ብሎግ) ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ ወታዳራት ሱዳን ኣብ መኪና ተሳፊሮም እንዳኸዱ ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ዝነበረ ዘይተኸለለ 2,000 ትርብዒት ኪሎሜትር መሬት ከምዝተቖፃፀረቶ ብምግላፅ ኣስዒባ’ውን ዋላ ሓንቲ ኢንቺ ትኹን መሬታ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣዊጃ ክብል ይሕብር። ይኹን’ምበር ነቲ ሓበሬታ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ግዝኣት ሱዳን  ዝተቖፃፀሩ ወታደራት ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

ኣብ መንጎ ሓይልታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ቅድሚ ሰሙናት ኣትሒዙ ግጭት ከምዝተወዐ ይዝከር። ብ8 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ሱዳን እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘይተሓንፀፀ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስን ግዘኣት ከምዝሓዘቶ ኣፍሊጣ። ሰራዊት ሱዳን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶብ ግልፂን ዘየሰሓሕብን ስለዝኾነ ሱዳን ዋላ ሓንቲ ኢንቺ መሬታ የሕሊፋ ከምዘይትህብ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ብ8 ታሕሳስ 2013 ኣብ ገፃት ማሕበራዊ ሚድያ (ትዊተር) ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ነቲ ኣብ መንጎ ምልሻታት ምዕራብ ጎንደርን ወታደራት ሱዳንን ዘጋጠመ ጎንፂ ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ወሲኹ’ውን እቲ ክስተት ነቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ከምዘየፍርሶ ሓቢሩ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ብዕለት 13 ታሕሳስ 2013 ናብ ካርቱም ብምምራሕ ነቲ ዶብ ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ ሱዳን ድርድር ከምዘካሄደ እውን ይፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ ወተዳራት ሱዳን ኣብ መኪና ተሳፊሮም እንዳኸዱ ዘርኢ ምስሊ ብምልጣፍ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ዝነበረ ዘይተሓንፀፀ 2,000 ትርብዒት ኪሎሜትር መሬት ከምዝተቖፃፀረቶን ዋላ ሓንቲ ኢንቺ ትኹን መሬታ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣዊጃ ክብል ገሊፁ። ኮይኑ ግና እቲ ከምመረዳእታ ዝቐረበ ስእሊ ነቲ ምስ እትዮጵያ ዘዋስን ግዝኣት ዝተቖፃፀሩ ወታደራት ኣየርእን። እቲ ምስሊ ንመጀመርታ ግዘ ብዕለት 4 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ብመሓመድ ባቢከር ዝተብሃለ ናይ ጅንዋ ጋዜተኛ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝተል ዓለ ኮይኑ ኣብ ኣላሚ ዝተብሃለ መኽዝን ምስልትት ከኣ ንፈለማ እማን ተሓቲሙ። እቲ ፈላማይ ሕታም’ቲ ምስሊ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠቐሙ።

 

ፈላማይ ምስሊ:

 

ኣብቲ እዚ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ዝተጠቀዓሉ ግዘ ሱዳን ግዝኣታ ብምውሳድ ንዓመታት ከይተሓንፀፀ ዝፀንሐ ዶብ መዕለቢ ከምዝገበረትሉ ሓቢራ እያ። ይኹን’ምበር ነቲ ሓበሬታ ብዝምልከት ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ምስሊ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳቡብ ግዝኣት ሱዳን  ዝተቖፃፀሩ ወታደራት ከምዘየርኢ ብምርግጋፅ እቲ ፖስት ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዚ አብዚ ምስሊ ዘሎ መሳርሒ ኲናት ኣብ ገዛ ነበር ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ድዩ ተረኺቡ?

ታሓሳስ 14፣ 2013 ዓ.ም. 🌡#𝐒𝐓𝐎𝐏_𝐀𝐌𝐇𝐀𝐑𝐀_𝐆𝐄𝐍𝐎𝐂𝐈𝐃𝐄 (3,582 ሰዓብቲ ዘለውዎ) ዝብል ናይ ትዊተር ተጠቃሚ ብዝጠቀዖ ሓበሬታ እዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ከምጭብጢ ብምልጣፍ እቲ ኣብቲ ስ እሊ ዘሎ መሳርሒ ኲናት ኣብ ገዛ ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ከምዝተረኽበን ህዝቢ ንምጭፍጫፍ ተዳልዩ ከምዝነበረን ይማጎት። እቲ ብኣምሓርኛ ዝተለጠፈ ፅሑፍ ከምዚዝስዕብ ይንበበ… “ [እዚ አብ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ] ደበሊ በልጋፎ ይባሃል፤ ኣማሓዳሪ ወርዳ ድባጤ እንከሎ ብዙሓት ስለዘጨፍጨፈ እነሆ ሕጂ ስልጣን ረኺቡ ናብ ዞባ መተከል መፂኡ ኣሎ። ገዝኡ ምስተፈተሸ ኣምሓሩ ንምጭፍጫፍ [ዝውዕል] ብዙሕ [መሳርሒ] ተረኺብዎ።” ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ አብቲ ምስሊ ዘሎ መሳርሒ ኲናት ኣብ ገዛ’ቲ ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ከምዘይተረከበን ስለዚ’ውን እቲ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑን ኣረጋጊፁ።

ኣብ ዞባ መተከል ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ግጭትን ምፍንቓልን ከምዝንበረ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዘይምርግጋዕ እንዳተበኣኣሰ ምስከደ መንግስታት ክልል ኣምሓራን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ፀኒሖም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል፣ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ፕረዚደንት ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ብምዃን ብታሕሳስ 13፣ 2013 ዓ.ም. ናብቲ ዞባ ብምኻድ ምስ ነበርቲ ተዛትዩ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ብታሕሳስ 14፣ 2013 እቲ ግጭት ብዝኸፍአ ኩነታት ብምቕፃሉ ኣብ ብቁጂ ዝተብሃለት ቁሸት ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ገዛውቲ ከምዝተባርዑን ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ኣምሓራ ገሊፁ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሓደ ተጠቃሚ ትዊተር ሰለስተ ምስልታት ብምልጣፍ  እቲ ኣብቲ ክልተ ስእሊ ዘሎ ብዙሕ መሳርሒ ኲናት ኣብ ገዛ ነበር ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ብተፍትሽ ከምዝተረኸበ ይሕብር። ኣስዒቡ’ውን እቲ መሳርሒ ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ኣምሓሩ [ተወልድቲ ኣምሓራ] ንምጭፍጫፍ ተዳልዩ ከምዝነበረ ይምጉት። ይኹን’ምበር እቶም ምስልታት ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኣየርእዩን። እቲ ካልኣይ ስእሊ 10 መስከረም፣ 2012 ብEthiopian Broadcasting Corporation ዝተብሃለ መራኸቢ ሓፋሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጥእፈ ኾይኑ ካብ ደሴ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብኣይሱዝ እንዳተጓዓዘ ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ዝተትሓዘ መሳርሒ ኲናት እዩ። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም በዚ ዝስዕብ ሊንክ ምርኣይ ይከኣል።

እቲ ሳልሳይ ስእሊ ንመጀመርታ ግዘ  Debre Markos ዴንማርክ ብዝብል ሽም ብ17 ሕዳር 2013 ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ ኾይኑ እቲ መሳርሒ ኲናት ኣብ ቻግኒ ዝተብሃለ ከባቢ እንዳ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ዝተረኽበ ከምዝኾነ ይገልፅ። በዚ ስዒቡ ዘሎ ሊንክ ምርካብ ይከኣል። እቲ ኣብዚ ምስሊ ዘሎ ሰብኣይ ግና እቲ ብሽም ዝተጠቕሰ ነበር ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ድዩ ኣይኮነን ምርግጋፅ ኣይተኽኣለን።

ፈላማይ ምስሊ ክልተ፡

ፈላማይ ምስሊ ሰለስተ፡

ዋላ’ኳ ኣብቲ ከባቢ ግጭት እንተሃለወ ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ከምመርትዖ ኮይኑ ዝቐረበ ስእሊ ነቲ ኣብ ገዛ ነበር ኣማሓዳሪ ወረዳ ድባጤ ተረኺቡ ዝተብሃለ መሳርሒ ኲናት ስለዘየርኢ እዚ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

እዘን መካይን ንብረት ክወራ ናብ ትግራይ ዝመፃ ድየን?

Mebrahtom MB Wedi Tigray ዝብል ናይ ፌስቡክ ተጠቃሚ እዘን አብ ታሕቲ ዘለዋ መካይን ብምጥቃዕ (ፖስት) ንብረት ክዘርፋ ናብ ትግራይ ዝመፃ ምዃነን ይገልፅ። ብተወሳኺ’ውን  እቲ ዘይተፃረየ ሓበሬታ ኩሉ ክፈልጦ ብምባል ክካፈል (ሼር ክግበር) ይሓትት።  ይኹን’ምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እዚ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ የረጋግፅ።

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ብህወሓት ዝምራሑ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ሚሊሻን ትግራይን ውግእ ምንባሩ ይዝከር። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ክልል ኣምሓራ ብሓደ ገፅ፤ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ክልል ትግራይ ከኣ በቲ ካሊእ ገፅ ንልዕሊ 3 ሰሙናት ኣብ ውግእ ከምዝነበሩ ይሕበር። ብዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝምራሕ ሓይሊ ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቀለ ምቁፅፃሩ’ውን ይፍለጥ። ነቲ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ስዒቡ መጠነ ሰፊሕ ስርቂን ጎበጣን ከምዘሎ ብዙሓት ሰባት ይገልፁ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ዝኮነ መረዳእታ ወይ መርትዖ ክርከብ ኣይከኣለን።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ካብ  ኤርትራ ብዙሓት መካይን ንብረት ትግራይ ንምጉባጥ ከምዝመፃ ዝገልፅ ናይ ፌስቡክ ፖስት ይልጠፍ። በዚ መሰረት ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይን ኣለሻ ትኽክለኛ ምንጪ ናይቶም ስእልታትን እቲ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ የረጋግፅ። እቲ ናይ መጀመርታ ምስሊ ብዙሓት ከበድቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ዘርኢ ኮይኑ ሓደ ፒቺኒ ዝተብሃለ ተኾናታራይ ኣብ ኤርትራ ከተማ ምፅዋዕ መንበሪ ኣባይትን ማእከላት መዘናግዕን ንምስራሕ ብኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ብ2013 ካብ ቻይና ዝዓደገን መካይን እየን። እቲ ምስሊ መጀመርታ ዝተሓትመሉ ኣድራሻ ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ።

 

እቲ ካልኣይ ምስሊ ድማ ካብ ፍሊከር ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ዝተወሰደ ኾይኑ ከም ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን ብ2012 ዝተሓተመ እዩ። ናይ ፈለማ ሕታም ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠውቑ።

 

እቲ ሓበሬታ ኣብ ዝተለጠፈሉ ግዘ አብ ትግራይ ዘይምርግጋዕ ይሃሉ እምበር ሓቅቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ሓበሬታን እቶም ምስልታትን ብዘይምርኻቦም እዚ ፖስት ሓሶት ምኳኑ የረጋግፅ።

 

መፃረዪ፡ ሓጎስ ገብረኣምላኽ

ኣራሚ ፅሑፍ፡ ብሩኽ ነጋሽ ጠዓመ

እዚ ምፅራይ ኣካል’ቲ አብ ትሕቲ ክፍሊ መፅናዕትን ምድንፋዕን ዝመሓደር ሓቅቼክ ኮይኑ፤ ብ5 ቋንቋታት ከኣ ይሕተም።

 

Exit mobile version